ሓጺር ጸብጻብ ናይዚ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣስመራ ዘጋጠመ ኩነታት!

 ድሕረባይታ፥

ሚኒስትሪ ትምህርቲ ካብ መፋርቅ 2014 ጀሚሩ ቤትትምህርታት ኮማዊ-ሰረት ክህልወን ዝብል መደብ ሒዙ ክንቀሳቀስ ጀሚሩ። ዕላማ እቲ መደብ ቤት ትምህርትታት ኣብ ትሕቲ ከባብያዊ ምምሕዳራት ክኣትዋ ዝብል ኮይኑ፡ ህዝቢ በብኸባቢኡ ተወዲቡ ኣብ ምሕደራን ፋይናንስን እተን ቤትትምህርትታት ከበርክት ዝብል እዩ።

እቲ ሓሳብ ናብ ሓለፍቲ ቤትምህርትታት ምስ ቀረበ ብዙሕ ተቃውሞ ገጢምዎ። እቲ ተቃውሞ፡ ዋላ'ኳ እቲ ኣምር ከም ሓሳብ ቅቡል እንተኾነ ዘይተግባራዊ እዩ ዝብል እዩ። እቲ ምኽንያት'ድማ ህዝቢ ንባዕሉ ኣብ ቁጠባዊ ቅልውላው እንከሎ ንቤት ትምህርትታት ክምውል ዓቅሚ የብሉን ዝብል እዩ።

እንበኣርከስ ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ኣብ መፋርቅ መስከረም ትግባረ እዚ ኮምዝሰረቱ ቤትትምህርቲ ዝብል ዘዋሪ መልእኽቲ(circular) ናብ ኩለን ቤት ትምህርትታት ተዘርጊሑ። ቤት ትምህርቲ ድያእ ሓንቲ ካብአን ኮይና እቲ ዘዋሪ መልእኽቲ ሽዑ ንሽዑ እዩ ካብ ኮሚተ ተቃውሞ ገጢምዎ።

 መእተዊ፥

ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣብ መወዳእታ ጫፍ ናይ ኣኽርያ እትርከብ ኮይና ካብተን ውሑዳት ካብ ምዕጻው ዘምለጣ ናይ ውልቂ ቤትትምህርትታት እያ።

እምበኣርከስ ሓደ ካብ ነጥብታት ናይቲ ኣብ መፋርቅ መስከረም ዝተዘርግዝሐ ዘዋሪ መልእኽቲ (circular); ኩለን ቤትትምህርታት ናብ መንግስቲ ክርከባ ብመንገዱ ድማ ናብ ምምሕዳራት ከባቢ ክሰጋገራ ዝብል እዩ።

ዲያእ ብ ክልተ ኮሚተታት ወለዲ እያ ትመሓደር። እቲ ሓደ ኮሚተ ንጥፈታት ዝበሃል ኮይኑ ን መዓልታዊ ንጥፈታት ቤት ትምህርቲ ይከታተል። እቲ 2ይ ድማ ብ ዓበይቲ ወለዲ ዝቆመ ኾይኑ፡ ከም ናይ ምኽሪ ኮሚተ ኮይኑ የገልግል።

 ነዚ ውሳኔ 2ኤን ኮሚተ እየን ተቋዊመነኦ። እታ ናይ ንጥፈታት ኮሚተ'ድማ ምስ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ጽዑቅ ዝርርብ ቀንያ። ሚኒስትሪ ትምህርቲ ግን ኣብ ውሳኔኡ ደሪቁ። ኣባላት ኮሚተ ድማ ምስ ናይ ምኽሪ ኮሚተን ህዝብን ክንዘራረብ ዕድል ይወሃበና ኢሎም ምስ ተፈቅደሎም ኣብ ዕለት 15/10/2017፥ ኣኼባ ጸዊዖም። ኣብቲ ኣኼባ ኣቦወንበር ናይ ኮሚተ ምኽሪ ዝኾኑ ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር ዝተባህሉ ዓቢ ኣቦ ንህዝቢ ዘነቃቅሐ መደረ ሂቦም።

ብድሕሪኡ ኣቦይ ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር ተቀይዶም። ናይዞም ኣብ ህዝቢ ኣኽርያ ዓቢ ተቀባልነትን ክብርን ዘለዎም ሽማግለ ኣቦ ምቅያድ ኣብ ህዝቢ ብሓፈሻ ኣብ ተማሃሮን መማሃራንን ድያእ ድማ ብፍላይ ከቢድ ቁጥዐ ፈጢሩ። መበገሲ ናይዚ ሎሚ ዝወዓለ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ እንበኣር እዚ ይመስል።

ሓፈሻዊ ትንተና ናይ ተቃውሞ ሰልፊ

ሎሚ ከባቢ ሰዓት 2 ኣቢሉ ይኸውን ኣስታት 100 ዝኾኑ ተማሃሮ ዲያእ ናብ ጎደና ሓርነት ኣምሪሖም። እቶም ደቂተባዕትዮን ደቀንስትዮን ተማሃሮ ካብ ጎደና ሓርነት ናብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ኣብ ዝወስድ መንገዲ "ቤት ትምህርትና ይከፈተልና"፡ "ኣቦታትና ይፈትሑ" ዝብልን ካልእን ጭሮሖታት ኣልዒሎም።

ኣባላት ሲቪላዊ ፖሊስን፡ ወተሃደራትን ናብቲ ቦታ ብምምጻእ ኣብ ልዕሊ እቶም ትሕቲዕድመ መንእሰያት ብ ኣባትር ስጉምቲ ክወስዱ ጀሚሮም። ንሱ ጥራይ ከይኣክል ድማ ብዙሕ ጠያይት ናብ ሰማይ ተኲሶም።

ብድሕሪዚ እቶም ተማሃሮ ናብ በበይኑ ኣከባቢ ፋሕ ምስበሉ ፖሊስን ወተሃደራትን ደድሕሪኦም እናጎየዩን ጠያይቲ እናተኮሱን ክሃድንዎም ጀሚሮም። ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝወረደ ሞትን መቁሰልትን ግን ንጹር ሓበሬታ ክርከብ ኣይተኻእለን።

ብድሕርዚ ኣባላት ሰራዊት ናብ ኣኽርያ ገጾም ብምምራሕ ነዝረኸብዎ መንእሰይ ይቅይዱ ኣለው። ብዘይካዚ ኣብ ከባቢ ሰዓት 5 ሰራዊት ዘጸዓና በጣሕ ናብ ኣኽርያ ኣትየን ኣለዋ።

እቲ ኹነታት ንግዜኡ ሃዲኡ ኣሎ። ብዛዕባ ቀጻሊ ምዕባለታት ድማ ኣብ ገግዚኡ ክንሕብረኩም ኢና።