እቲ ብሰንበት ዝነበረ ጉዳይ ዕርቂ ካብ ቅድሚ 6 ወርሒ ኣቢሉ ዝጀመረ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ካብ ቤትጽሕፈት ፓትርያርክ ዝርከብዎም : ቀሺ በረኸት ዝበሃል ኣገልጋሊ ናይ ቤተክርስትያን እንዳቆርቆስ፡ ናይ ሰበኻ ዓዲ ቀይሕ ሓላፊ፡ ምስ ገለ ፈለስቲ ብምትሕብባር ናይ ዕርቂ ፈተነ ጌሮም ኔሮም:: እቲ ኣብቲ እዋን ዝተገብረ ፈተነ ዝሓዘት ጽሕፍቲውን ኣብ መርበባት ሓበሪታ (ኢንተርነት) ወጺኣ ኔራ።

እቲ ቀንዲ ምኽንያት (ገለ ቅርበት ዘለዎም ኣብቲ ጉዳይ ከምዝበሉዎ) ዝስራሕ ዘሎ ድራማ ከምይ ጌርካ ንህግደፍ ዝምእዘዝ ሓዲሽ ፓትሪያሪክ ናብ ስልጣን ተምጽእ እዩ:: እቶም ተቀይዶም ዘለው ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ሉቃስ (እዞም ሕጂ ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ዘለው ዘይወግዓዊ ጳጳስ) ዝርከብዎም ኣባላት ቤተክህነት ውግዘት (excommunication) ኣዚዞም ስለዝነበሩ እዪ።

እንበኣርከስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ብሞት እንተተፈልዮም እቶም ተወጊዞም ዘለው ኣቡነ ሉቃስን ሰዓብቶምን ነቲ ስልጣን ክወርስዎ ኣይክእሉን እዮም፡፡ ስለዚ እቲ ናይ ዕርቂ ፈተነ ቀንዲ ዕላማኡ ነቲ ውግዘት ኣልዒልካ ኣቡነ ሉቃስ ኣብ ስልጣን ክመጹ ባይታ ምጥጣሕ እዩ።

ኣብቲ ናይ ፈለማ ዕርቂ እዋን ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ውግዘት ብሕጊ በተክርስትያን ዝጸድቅን ዝፈርስን ስለዝኾነ፡ ግብጺ ድማ ክፈልጡ ስለዘለዎምን ምእመናን ድማ ክሕበሩን ጠሊቦም። ጠለቦም ተነጺጉ ንሶም ድማ ናብ ዝገደደ ኩነታት ዘለዎ ማሕዩር ኣትዮም።

እቲ ፈተነ ግን ኣየቋረጸን፡ ሕጂ'ውን ዝሓለፈ ሰንበት እቶም በደልቲ ይቅረ ሓቲቶም፡ ኩሉ ድማ ናብ ዝነበሮ ክምለስ ምዃኑን ሓቢሮም ን ኣቡነ ኣንጦንዮስ ናብ ቤተክርስትያን ኣምጺኦሞም። ኣብ እንዳማርያምን ካልእ ቤተክርስትያንን ግን ብኣንጻሩ ነታ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኢንተርኔት ፈሪሞምላ ተባሂላ ተዘርጊሓ ዝነበረት ወረቀት ኣንቢቦማ። ኣብ እንዳ ማርያም ነታ ወረቀት እቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቅሰ ቀሺ በረኸት እዩ ኣንቢብዋ:: ድሕሪ ምንባብ እታ ደብዳቤ፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ክዛረቡ እኳ እንተሓተቱ: ተኸልኪሎም።

ክዛረቡ ይትረፍ፡ ቡራኬ ክህቡ እኳ ኣይተፈቅደሎምን:: ሽዑ ንሽዑ ቀሺ በረኸት ብዓውታ ኩሉ ሰብ ክወጽእ ኣዚዙ:: እቲ ኣማኒ ቀልጢፉ ስለዘይወጸ ግና እቶም ሲቪልን፡ ነጸላን ተኸዲኖም ዝመጹ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት እናዳደፍኡ ከውጽዎ ክኢሎም። ን ኣቡነ ኣንጦንዮስ ድማ ናብቲ ተሓይሮምሉ ዝነበሩ ቤት መሊሶሞም ኣለው::

ከም ርእይቶና: እቲ ጉዳይ ኣብዚ ዘቋርጽ ኣይኮነን፡ ዝቅጽል'ድማ ይመስል:: ስለዚ ኩሉ ኤርትራዊ ክነቅሓሉን ብዑቱብ ድማ ክሰርሓሉን ንላቦ::

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...