ትማሊ ሰንበት ሰነ 16, 2017 ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ኣብ ኣብ እንዳ ቅድስተ ማርያም ቅዳሰ ከምዝተሳተፉ ተረጋጊጹ ኣሎ። የግዳስ ዛጊት ናብ ቦትኦም ከምዘይተመለሱ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት የረጋግጹ። እቲ ትማሊ ዝተገብረ ቅዳሰ ናይ ዕርቂ ደኣምበር ካብኡ ሓሊፉ ንኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ናብ ንቡር ሂወት ዝመልስ ኩነት ከምዘይኮነ ንሕብር። ኣብ መግለጺ ሓደ ካብቶም ናይ ዕርቂ ሽማግለ፤ ዕላማ ናይዚ መደብ ነቲ ኣብ መንጎ ቤተክርስትያን ዝተገብረ ዕርቂ ንህዝቢ ንምግላጽ ምዃኑ ገሊጹ። ብምቅጻል: እቶም ጳጳስ ተጸሊእዎም ስለዘሎ ሎሚ ክዛረቡ ኣይክእሉን እዮም ኢሉ:: ንክዛረቡ ድማ ዕድል ከምዘይተዋህቦም ንሕብር።

ግለ እቶም ፓትርያርክ ተኣሲሮምሉ ዝበሃል ነጥብታት፡ ምስ መናፍቃን ብምትሕብባር ፡ በዚ ድማ ሕጊ ቤተክርስትያን ብምጥሓስ; ንስልጣን ቤት ጽሕፈት ፓትርያርክ ብምብሓት(Abuse) ይርከብዎም። እቶም ፓትርያርክ ግና ንዚ ምሉእ ብምሉእ ተቋዊሞሞ። ኣነ ዝገበርክዎ ገበን የሎን ኢሎም ድማ ንጹህ ምኮኖም ነታ ሺማግለ ገሊጾምላ።

ብድሕሪኡ ኣብ መዛዘሚ መደብ ተወዲኡ ተባሂሉ፡ እቲ መራሕ መደብ ድያቆን ደጋጊሙ ብመጉልሕ ድምጺ "ኣዴታት መደብ ወዲእና ኢና ካብ ቤት መቅደስ ንውጻእ” ኢሎም። ነቲ ዝተረፈ ሰብ ድማ ብሓይሊ ከም ዝወጽእ ብምግባር እታ ቅዳሴ ተዛዚማ። ኣብቲ መደብ ሲቪላዊ ክዳን ዝተኸድኑ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ከምዝነበሩን፡ ዝኾነ ይኹን ሰብ ስእሊ ይኹን ቪድዮ ክስንድ ከምዘይፈቅዱን ሓቢሮምና። የግዳስ ብድምጺ ሰኒድና ገለ ክፋል ካብቲ ዝነበረ ህሞት ነካፍለኩም ኣለና::