ከም ዝፍለጥ ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብስም ምቅያር ባጤራ፡ ኩሉ ኣብ ኢድ ህዝቢ ዝነበረ ገንዘብ ናብ ባንክታት መንግስቲ ከም ዝኣቱ ብምግባር፡ ኣብ ልዕሊ ገንዘብ ህዝቢ ርኡይ ዝምታ ተኻይዱ ዩ ። ባንክ ኤርትራ ኣብ እዋኑ ከም ዝሓበሮ 40 ሚኢታዊት ካብቲ ኣብ ኢድ ህዝቢ ዝነበረ ገንዘብ ጥራይ እዩ፡ ኣብቲ ዝተወሰነ ናይ ግዜ ሰሌዳ ክቕየር ተኻኢሉ ፡ እዚ ማለት ከኣ 60 ሚኢታኢውት ናይቲ ኣብ ዕዳጋታት ሃገርና ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ገንዘብ ገለ ብመጠን ንብረት ገለ ከኣ ከይተቐየረ ትርጉም ኣልቦ ኮይኑ ተሪፉ ማለት እዩ።

ካብዚ ብምቅጻል ተገልጋሊ ህዝቢ ገንዘቡ ኣብ ባንክታት ጅሆ ተታሒዙ፡ ኣብ ወርሒ ዝተወሰነ መቁነን (5000 ናቅፋ) ካብ ገንዘቡ ጥራይ ከውጽእ ብምድንጋግ፡ ኣብ ዕዳጋን ዕለታዊ መነባብሮን ህዝቢ ከቢድ ተጽዕኖ ፈጢሩ ኣሎ። ንሱ ከይኣክል ኩሉ ልዕሊ 3000 ናቅፋ ዝግበር ናይ ንግዲ ምልውዋጥ ብቼክ ክካየድ ብምግባር ( ዝተጻሕፈ ቼክ'ውን ብምኽንያት እቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቅሰ ድንጋጌ ብጥረ ገንዘብ ክወጽእ ስለዘይክእል፡ ስማዊ ምዝውዋር ገንዘብ ካብ ሕሳብ ናብ ሕሳብ ከም ዝካየድ ይኸውን፡ መወዳእታኡ ድማ እቲ ገንዘብ ኣብ ኢድ ባንክታት ጅሆ ይተሓዝ) ኣብ ልዕሊ ኩሉ ገንዘብ ምሉእ ምቑጽጻር ወኒኑ። ኣብዚ'ውን ጠጠው ኣይበለን፡ ኣባላት ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ብምውፋር፡ ነብሲ ወከፍ ናይ ንግዲ ትካላት (እንኮላይ ንኣሽቱ ናይ ሸቀጠ-ሸቀጥ ትካላት ከይተረፈ)፡ ብዛዕባ ድሕሪ ባጤራ ምቅያሩ ዘኻዕበተኦ ኣታዊ? ክንደይ ካብኡ ናብ ባንክታት ኣትዩ? ከምኡ'ድማ ክንደይ ገንዘብ ካብ ባንክታት ኣውጺኦም ዝምልከት ምፍርራህን፡ ጸቅጥን ዝተሓወሶ ሰፊሕ ምቁጽጻር ይካየድ ኣሎ። ሕጂ'ውን ተወሳኺ ዝምታ ኣብ ልዕሊ ገንዘብ ህዝቢ ንምክያድ፡ ባንክታት ሓድሽ ምልክታ ኣውጺአን ኣለዋ። ብመሰረት እዚ ምልክታ፡ "ኣብ ልዕል'ቲ ብዓማዊል ናብ ሓድሽ ባጤራ ናቅፋ ክቅየር ናብ ባንክ ኤርትራ ዝተስተለመ ገንዘብ ፡ ወነንቱ 2% ክሳብ 4% ዝዝርጋሕ ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት ከፊሎም ከውጽእዎ ተወሲኑ ‘ሎ"። እዚ ማለት ህዝቢ ነቲ ኣብ ባንክታት ጅሆ ተታሒዙ ዘሎ ገንዝቡ ግብሪ ክኸፍለሉ እዩ ማለት'ዩ። ብተወሳኺ ምስቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ድንጋጌ ልውውጥ ዕዳጋ ብቼክ ጥራይ ክኸውን ዝቅይድ ድንጋጌ፡ ኣብ ባንክታት ብዙሕ ምጥፍፋእን ምትላልን የጋጥም ብምህላዉ፡ ባንክ ኤርትራ ልዕሊ ኣብ ባንክ ዘሎ ሕሳብካ ቼክ ምጽሓፍ፡ ምስ ምዝርጋሕ ዘይሕጋዊ ገንዘብ (currency forging) ዝመዓራረ ገበናዊ ጥሕሰት ከምዝቆጽሮ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ስርዓት ህግደፍ ነቲ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ብስእነት ስርዓተ ሕግን መባእታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ሓይሩ ክሳቕዩ ዝጸነሐ ህዝብና፡ ሎሚ ከኣ በቲ ሓሚሙ ክሕከመሉ፡ ጠምዩ ክዕንገለሉ፡ ዓሪቑ ክኽደነሉ፡ ካብ ኣፉን ኣፍ ደቁን ኣሕዲጉ ዘዋህለሎ ሒደት ገንዘብ ሃጊሩ ዳግማይ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ ኩነተ መነባብሮ ክሽመም ፈሪድዎ ‘ሎ።

ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት