ቤት ጽሕፈት ኢመግረሽን ኣስመራ ናብ ዝቕመጡለን ሃገራት ክምለሱ ብዝደልዩ ኤርትራውያን የዕለቅልቅ:

እቶም ንመበል 25 ዓመት ጽንብል ናጽነት ኤርትራ ንምብዓል ኢሎም ናብ ኤርትራ ከይዶም ዘሎዉ ኣብ ደገ ዝቕመጡ ኤርትራውያን፡ በቲ ኣብ ዕለተ ሰንበት ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘጋጠመ ኩናት ዝመንቀሊኡ ፍርሕን ራዕድን ተዋሒጦም ትማሊ ሶኑይን ሎሚ ሰሉስን እግረይ ኣውጽእኒ ብዝዓይነቱ ኣገባብ፡ ካብ ሃገር ናይ መውጺኢ ፍቓድ (exit visa) ንምውሳድ ነቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኢመግረሽን ኣዕለቕሊቖሞ ከም ዝውዓሉ ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ሓቢሮም። 

እዞም በቲ ካብ ባይታ ዝርሓቐ ዘቕርብዎ ስነ ሞጎትን፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ነጊሱ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ብዝገብርዎ ትሓላቕነትን ልዕሊ እቲ ንሃገሩ ዝገልገለን ዝተኻላኸለን ዜጋ ሃገራውያን ክኾኑ ዝፍትኑ በላዕቲ ክልተ ስጋ ኤርትራውያን፡ ኣብ 2000 ዓመተ ምህረት’ውን፡ ኣብቲ ሓደ ሲሶ ካብ መሬት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጎበጣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወዲቑሉ ዝነበረ እዋን ከምዚ ሕጂ ዘርእይዎ ዘለዎ ባህሪ ብዝመሳሰል ኣገባብ ነናብ እተን ዝነብሩለን ሃገራት ክም ዝተዓዝሩ ዝዝከር እዩ።

ብኣንጻሩ ኩሉ ኣብ ካልይ ደራጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራን ኣስመራ ዮኒቨርሲትን ዝመሃር ዝነበረ ኤርትራዊ መንእሰይ ከኣ ሃገር ንምክልኻል ኢሉ፡ እቲ ዘይትዓለመ መባእታዊ ታዕሊም ንምቕሳም ናብ ጋሕቴላይ፡ እቲ ዝተዓለመ ከኣ ብቐጥታ ናብ ግንባራት ከም ዝተሰለፈ ናይ ቀረባ እዋን ተዠክሮ እዩ።

14 ሰነ 2016 
ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት