ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ቀዳምን ሰንበትን ህዝቢ ኤርትራ ንምልካዊ ስርዓት ሓቢሩ ሓግሒጉ ንኸኣልዮ ዝጽውዕ መልእክቲ ዝሓዘ ስእላዊ ጽሑፍ (ግራፊቲ/graffiti ) ን ፖስተራትን ስቲከራትን ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ስኢሎምን ለጢፎምን።

ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ካብ ኤርትራ ብዝሓበሩዋ መሰረት እቲ ስእላዊ ጽሑፍ (graffiti) ኣብ ዝተፈላለየ ቦታትት ክኸውን ከሎ ሓደ ካብቲ ግራፊቲ ዝተሰኣሎ ቦታ ድማ ኣብ ፊት ቤት መግቢ መሶብ ወርቂ ጥቃ ካማሳሪያቶ ሓማሴን ዝፍለጥ ቦታ ምኾኑ ሓቢሮም። እቲ ስእላዊ ጽሑፍ (graffiti) ድማ "ሓውካ ኣበይ ኣሎ"፣ "ተለዓል" ን "ዓርቢ ሓርነት" ዝብል ይርከቦ። እዚ ንለውጢ ዝጽውዕ ስእላዊ ጽሑፍ (graffiti) ንመጀመርያ እዋን ኣብ ኣብ ኤርትራ ይሰኣል ከም ዘሎ ሓቢሮም።

በቲ ሓደ ሸነክ ድማ፡ ቀዳም ምሸት ኣብ ዘተፈላለያ ለይታዊ ትልሂት ክዘናግዑ ዘምሰዩ ናብ ማኪንኦም ምስተመልሱ "ሓውካ ኣበይ ኣሎ" ዝብል ስቲከር ከምዝለጠፉሎም ሓቢሮም። ክምኡውን ኣብ ዝተፈላለየ ሕዝቢ ዝእከቦሎም ቦታትት ዘተፈላለየ ጽሑፍ ዘለዎ ፖስተራት ለጢፎም ከም ዝሓደሩ ሓቢሮም።

ኤርትራና ክውንቲ ንኽትከውን ሂወቶም ዝኸፈሉ፡ ኣካሎም ዝሰንከሎን ደሞም ዝኻዓውን ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ኤርትራ ኩሉ ኤርትራዊ ብማዕረ ዝዳነየላ፡ ሃገር ፍትሕን ዲሞክራስን ድኣ’ምበር፡ ኤርትራዊ ብፍርሒ ተጎቢኡ፡ ብግፍዕን ምልክን ዝመሓደረላ ሃገር ክትከውን ኣይኮነን ዝነበረ።

ስለዚ ነዚ ካብ ጻት ናብ ጻት ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ሚሒኻ፡ ራእን ትምኒትን እቶም ምእንቲ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝሓለፉ ጀጋኑ ሰማእታትና ንምትግባር፡ እዋኑ ዝጠልቦ ሃገራውን ታሪኻውን ግዴታ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ እዩ።

ዓርቢ ሓርንት ኣብ ዕሰርተ ሓደ ሕዳር 2011 (11/11/11) ዝተመስረተ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምንጋስ ብኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝካየድ ፖርጀክት እዩ። ክሳብ እዚ ዕለትውን ብርክት ዝበሉ ንለውጢ ዝጽውዑ ንጥፈታትን ቃል መሕተትን ኣካይዱ ኣሎ።

06 ታሕሳስ 2014

ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...