ብዓርቢ ሽዱሽተ ታሕሳስ ኣብ ክተማ ስታቫንገር ምርኢት ከተቕርድ ካብ ኤርትራ ዝመጸት `ብድሆ’ ዝተሰምየት ጉጅለ ባህሊ፡ ብሓያል ጻዕሪ ደለይቲ ለዉጢ ከተማ ስታቫንገርን ከባቢኣን ኣብ ናይ ዜሮ ሰዓት እቲ ከተካይዶ ዝተሓስበ ምርኢት ከምዝስረዝ ተገሩ ይርከብ።

እዛ ንሓሙሽተ ፍሉጣት ስነጥበበኛታት ብምሓዝ ናብ ከተማ ስታቫንገር ዝስገስገሰት ናይ ፕሮፓጋንዳዊ ጉጅለ ባህሊ፡ ካባ ሕፍረትን ዉርደትን ተጎልቢባ፡  ዕርቃና ጠቕሊላ ናብ ከተማ ኦስሎ ኣምሪሓ ትርከብ። 

እዚ ብሓያል ጻዕሪ ደገፍቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ስታቫንገርን ከባቢኣን ዝተመዝገበ ዓቢ ዓወት ንደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ግን መዓንጣ ከብዶም ዝቐርጽ ተረኽቦ ኮይኑ ኣሎ። 

ነዚ ዝምልከት ሰፊሕ ጸብጻብ ጸኒሕና ከነቕርበልኩም ኢና።

ክፍሊ ህዝባዊ ርክባት ደለይቲ ለውጢ