ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ህዝቢ ኣንጽር ምልኪ ሓቢሩ ንኽልዓል ዝጽውዕ ጭርሖ ዝተጻሕፎ ሓሙሽተ ሽሕ ናቕፋ ኣብ ኣስመራ ዘርጊሖም። ዝበዝሐ ክፋል ናይዚ ገንዘብ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ኤክስፖ ኣስመራ ዝተዛዘመ ፈስቲቫል ኤርትራ ዝተዘርግሐ ክኸውን ከሎ፡ ገለ‘ውን በተን ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣስመራ ዝርከባ ዝተፈላለያ ናይ ንግዲ ትካላት ኣቢሉ ኣብ ዕዳጋ ይዘውር ከም ዘሎ ነቲ ስራሕ ዝፈጸሙ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም ።

እቲ ዝተዘርገሐ ገንዘብ “ስደት መፍትሒ ድዩ፧ ተላዓል !” ዝብል ሓረግ ዝተጻሕፎ እዩ። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ሓረግ እቲ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ጸንኪርዎ እግሩ ናብ ዝመርሖ ካብ ሃገሩ ዝስደድ ዘሎ መንእሰይ ኮይኑ። ዘይሕጋዊ ስደት ናብ ሞትን ህልቂትን ዘምርሕ ድኣ እምበር ፍታሕ ዘምጽእ ከምዘይኮነ ብምዝኽኻር፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ነዚ ስርዓት መኪቱ ሓርነቱ ኣብ ምውሓስ መሪሕ ተራ ንኽጻወት ዝተባብዕ እዩ። በዚ ዝተኻየደ ናይ “ናቕፋ ተዛሪቡ” ካምፐይን ዝተረበሸ ጉጅለ ህግደፍ ብፍርሕን ራዕድን ተዋሓጡ ከምዘሎ ከኣ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ። ነዚ ኣብነታዊ ፍጻሜ ዘካየዱ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ከም ወትሩ ሞራሎም ሓፍ ብምባል ንኻልእ ስራሕ ይዳለዉ ከም ዘለዉ ከኣ እቲ ካብ ኣስመራ ዝመጸና ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ። በዚ ኣጋጣሚ ዓርቢ ሓርነት ንኹሎም ንለውጢ ዝንቀሳቐሱ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ተባዓት ኤርትራውያን ነዚ ሓሳብ ብምድጋፍ ብብወገኖም ከምኡ ክገብሩ ትጽውዕ

ካልእ ምስዚ ኣብዚ ዝተኣሳሰረ ዜና ፡ ዓርቢ ሓርነት ዝሓለፈ ሰሙን ወለዲ ነቶም ካብ ሳዋ ተመሊሶም ኣብ ገዝኦም ዝርከቡ ኣብላት 27 ዙርያ ዝኾኑ ደቆም፡ ናብ ሳዋ ንኸይመልስዎም ዝጽውዕ “ድቅና ኣበይ ኣለው” ዝተስምየ ናይ ቴለፎን መልእክቲ ናብ ኤርትራ ኣማሓላሊፋ ከም ዝነበርት ዝዝከር እዩ። ቀንዲ ዛዕባ ናይቲ መእኽቲ ከኣ ወለዲ ነቶም ድሮ “ደቅና ናብ ሳዋ ደጊምና ኣይንሰድድን” ብምባል እምቢትኦም ዘስምዑ ዘለዎ ከምኣቶም ወለዲ ብምድጋፍ ኣብ ጎድኖም ደው ክብሉን ንውልዶም ክኸላከልሎምን ዝጽውዕ እዩ ነይሩ።

ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት ንኹሎም ብገንዘብን ብምኽርን ዝድግፍዋ ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኤርትራን እንዳ ሞጎሰት፡ ደግፎኩምን ምኽርኹምን ከይፍለያ በዚ ኣጋጣሚ ደጊማ ተዘኻኽር።



26 ነሓሰ 2014

ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት