ሰራዊት ሕድሪ ዞባ እስራኤል ፈላሚ ዞባዊ ጉባኤ ኣካይዱ፡ እቲ ድሕሪ ምትሕንፋጽ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዞባ እስራኤልን ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ንዴሞክራስያዊ ለውጢ ዞባ እስራኤልን ንምጀመርታ ግዜ ካብ ዕለት 28/02/2014 ክሳብ ዕለት 01/03/2014 ኣብ ከተማ ተል-ኣቪቭ ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ንዝቀረበ ኣጀንዳ ብረቂቕን ዕምቆትን ተዘትዩሉ፡ ተጋባእቲ ካብ ክፍልታትን ጨንፈራትን ዞባ ንዝቐረበ ጸብጻብ ሰሚዖም ድሕሪ ምግምጋም፡ ናይ ዝመጽእ ዓመት ውጥን ስራሕ ነዊሕን ዝርዝራውን ልዝብ ብምክያድን ውሳኔታት ብምሕላፍን፡ ባይቶ ኣብ ምትግባር ዝተወጠነ ስራሕ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ለበዋታት ቀሪቡ።

ንህልው ኩነታት ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ምስ ጸገማት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብምንጽጻር ኣብ ኣጀንድኡ ከምዛዕባ ዝዘተየ ጉባኤ ዞባ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብጥርኑፍ ይኹን ብውልቂ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቀዳምነት ምዃኑ ኣሚኑ ናይ ሓባር ሓይሊ ኣብ ምምስራት ንውድባትን ምንቅስቓሳትን ድፍኢት ክገብር ይግባእ ክብል ኣስሚሩ።

ጉባኤ ቀጺሉ፡ ነቲ ካብ ግዜ ምትሕንፋጽ ጀሚሩ ክጥቀመሉ ዝጸነሐ ግዝያዊ ውሽጣዊ ሕጋጋት፡ ብዝረቐቐ ዝጸፈፈን መልክዑ ንምምሕያሽ ብጉጅለን ብሓባርን ዘትዩ ኣጽዲቑ። ኣብ መወዳእታ ጉባኤ ነፍስ-ወከፍ ጨንፈር ዞባ እስራኤል ዝውክልዋ ሰባት ብምምራጽ 21 ዝኣባላታ ባይቶ ዞባ ቆይማ።

እዚ ከም’ዚሉ ከሎ፡ ኣባላት ሰራዊት ሕድሪ ጨንፈር ኢላት፡ ኣብ ግንባር ንዝርከቡ ብጾቶም 8000.00(ሸሞንተ ሽሕ ) ዶላር ኣሜሪካ ወፍዮም። እዚ ናይ መጀምርታ’ምበር ናይ መወዳእታ ዘይምዃኑ ዝሓበሩ ኣባላት’ቲ ጨንፈር፡ “ንምድሓን ህዝብናን ሃገርና ኩሉ ካባና ዝጥለብ ዘበለ ንምትግባር ድልዋት ኢና።” ክብሉ ድሕሪ ምግላጽ፡ ብኣካል ኣብ ጎኒ ብጾቶም ንምስላፍ ዝተዳለዉ ብጾት’ውን ኣብ ቀረባ ግዜ ክጽንበሩ ዝተዳለዉ ምህላዎም ገሊጾም።

“ብዙሕነት ውድባትና ጸጋ፡ ዘይተወሃሃደ ሰራዊት ግን ሓደጋ ። ” ዝብል ርድኢት ሒዙ፡ ኩለን ወተሃደራዊ ክንፊ ዘለወን ውድባት ወተሃደራተን ናብ ሓደ “ናይ ሓባር እዚ” ክጥርንፋን፡ ንኹሉ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዝጥርንፍ ናይ ሓባር ጽላል ክህሉን፡ ዝብል እምነት ዘለዎ ሰራዊት ሕድሪ ኤርትራ፡ እዚ ናይ ሓባር ሓይሊ’ዚ ሎሚ ኣብ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ፡ ድሒሩ ድማ፡ ንኤርትራ ካብ ግዳማውን ውሽጣውን ጸጥታዊ ስግኣት ከድሕና ዝኽእል፡ ሓደ ሃገራዊ ሰራዊት ምምስራት ዝብል እምነት ብምሓዝ፡ ብሰራዊት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ንዴሞክራስያዊ ለውጥን ዝቖመ ሰራዊት እዩ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...