ኣብ’ቲ ብዕለት 30/01/2014 ዝተኻየደ ኣኼባ ህልው ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኤርትራን ደምበ ተቓውሞን ህልው ኩነታት ሰራዊት ሕድርን ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ እስራኤልን ብዕምቆት ዘቲዩ። እቲ ብኣቦ ወምበር ሰራዊት ሕድሪ ዞባ እስራኤል ብጻይ ጥዑምዝጊ ተመሪሑ ንንውሕ ዝበለ ሰዓታት ዝተኻየደ ኣኼባ ኩለ መዳያዊ ኩነታትን ምዕባለታትን ብዝርዝር ገምጊሙ።

ብጻይ ጥዑምዝጊ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ንዕላማ ሰራዊት ሕድሪ ክገልጽ ከሎ; “ዕላማን ተበግሶን ሰራዊት ሕድሪ፥ ኩሉ ውድባዊ ውድድር ንጎኒ ገዲፍና ቅድም ቀዳድም ብሓባር ሃገር ምድሓን ውድድር ድሕሪ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ምርግጋጽ ክግበር ዝኽእል ምዃኑ ንኣምን ።” ኢሉ። ብጻይ ጥዑምዝጊ ብምቕጻል፥ “ሃገር ኣብ ሓደጋ ወዲቓ ኣብ ዘላትሉ እዋን ኣማራጺና ሓደን ዘይማትእን ውሳኔ ምዃኑ፥ ንሱ ድማ ኩሉ ኤርትራዊ ብሓፈሻ ኩለን ተቓወምቲ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ድማ ብፍላይ ሓደ ሓበራዊ ሃገራዊ ጥርናፈ ብምፍጣር ሽግር ኤርትራን ህዝባን ኣብ ምፍታሕ ከተኩራ እተን ወተሃደራዊ ክንፊ ዘለውን ድማ፥ ወተሃደራተን ናብ ሓደ ሓበራዊ ወተሃደራዊ ” እዚ” ጠርኒፈን ዝተማእከለ ሃገራዊ ሰራዊት ብምምስራት፥ ሎሚ ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ምእላይ፤ ድሕሪ ውድቀት’ቲ ስርዓት ድማ ኤርትራ ካብ ግዳማውን ውሽጣውን ጸጥታዊ ስግኣት ዘድሕና ሓበራዊ ዘይሻራዊ ሓይሊ ናይ ምምስራት ግዴታ ኣለውን።” ድሕሪ ምባል ። ንተበግሶ ኣባላት ሰራዊት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ኣባላት ሰራዊት ምንቅስቓስ መንእሰያት ንዴሞክራስን ፍትሕን ኤርትራን ከም ኣብነት ብምጥቃስ፥ ነዚ ክውን ንምግባር ኣብ ኩለን ጥርናፈታት ዘሎ ዜጋ ኣድላዪ ተበግሶ ክወስድ ጻውዒት ኣቕሪቡ ።

ንህሉው ኩነታት ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ እስራኤል ክገልጽ ከሎ፤ “ ስደት መፍትሒ ከምዘይኮነ ብምግላጽ፤ እንተኾነ ግን እስራኤል ናይ ስደተኛ መሰልና ክሳብ ዘየኽበረት መሰልና ንምርግጋጽ ከይተሓለልና ክንሰርሕን ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ ዘለና ኣበርክቶ ድማ ብዝበረኸ ዓቕሚ ክንቅጽሎ ኢና።” ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ካብ ተሳተፍቲ ብዝወረደ ሕቶ ርኢይቶን ለበዋን ብዕምቆት ብምዝታይን ናይ መጻኢ መደባት ብምሕንጻጽን ተዛዚሙ።

01/02/2014
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር !!!
ክፍሊ ዜና ሰራዊት ሕድሪ ዞባ እስራኤል


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...