ሰለስተ ኤርትራውያን ፓይለታት፣የብርርዋ ዝነበረት ነፋሪት ኣብ ደቡባዊ ስዑድ ዓረብ ተገዲዳ ንክትዓልብ ምስተገብረ፣ፖለቲካዊ ዕቁባ ምሕታቶም ተገሊፁ።

ኣል-ኣረብያ ትካል ዜና ንመንግስታዊ ወሃቢ-ቃል ጠቂሱ ከምዝፀብፀቦ፣ F-15 ነፈርቲ ውግእ ነታ ናብ ክልል ኣየር ስዑድያ ዝኣተወት ነፋሪት ዓጂበን ንክትዓልብ ከምዝገበራን፣እቶም ፓይለታት ብዘይምድንጓይ ዕቁባ ሓቲቶም ከምዝተፈቀደሎም ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ።

ሮይተርስ ትካል ዜና ብወገኑ ንሰበ-ስልጣን ስዑድ ዓረብ ጠቂሱ ከምዝፀብፀቦ፣እታ ነፋሪት ወትሃደራዊ‘ምበር ናይ ውግእ ነፋሪት ኣይኮነትን ይብል።

ሎም-ዘበን ካብ ኤርትራ ብዝላዓለ ደረጃ ምጥፋእ ዜጋታታ‘ውን ኣጓኒፉ‘ዩ።ሚድያታት ስዑድ ዓረብ ኣብ‘ዚ ዓመት‘ዚ ሓንቲ ቅድም ኢላ ናብ ስዑድ ዓረብ ብክልተ ፓይለታት ዝተወሰደት ነፋሪት ሒዛ ንክትምለስ ዝተላኣኸት ኤርትራዊት ፓይለት ኣይምለስን ኢላ ዕቁባ ከምዝሓተተት ዝዝከር‘ዩ።

ዝሓለፈ ለካቲት፣18 ተፃወቲ ሃገራዊት ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ ከምዝጠፍኡን ዳሓር ፖለቲካዊ ዕቁባ ከምዝተፈቀደሎምን‘ውን ዝዝከር‘ዩ።

ዓሚ ጥሪ ዝዓለው ወትሃደራት ንሚንስቴር ዜና ኤርትራ ንሓፂር ጊዜ ተቆፃፂሮም ነይሮም።ገለ ካብ ዘቅረብዎም ሕቶታት ኩሎም ፖለቲካዊ እሱራት ይፈትሑ ዝብል ነይሩ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...