እዋናዊ ኲነታት ህዝብና ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፍአ አተሃላልዋ የንቈልቁል ምህላዉ ንማንም ኤርትራዊ ከም ጸሓይ  ቀትሪ ብርህ'ዩ፡፡  ርግጽ ብዝሒ ቤት ማእሰርታት ብማዕረ'ቲ ኣተሃላልዋ ህዝብና ክበዝሕን ክኸፍእን ዘየተሓትት'ዩ፡፡  ኰይኑግን ንግዝይኡ "ወይ ጉድ! ኣዲኡ ትቚጸሮ"  ኢልና ክንሓልፎ ይሓይሽ፡፡

ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ እዋንዚ አብ ቤት ማእሰርታት ዝምልከት ንህዝብና ዘይነቕሓሉ መሲልዎ ብዙሕ ዝተተሓዘ ሽርሕታት ብዝለዓለ ትሕጃ ከካይድ ይርከብ፡፡

1ይ ስርዓት ህግደፍ ንህዝብና ከም ኣቕሓ ኣጽንሓለይ ኢልካ አብ ዝተፋላለየ ቤት ማእሰርቲታት ከጽንሕዎን ከብልይዎን ይርከቡ ኣለዉ፡፡ እቲ ዝገረም ከኣ ነደታት ብዘይተፈልጠ ምኽንያታት ናብ ዝደለይዎ ቤት ማእሰርቲታት  ብኣጽንሑለይ ኣብቲ ማእሰርታት ይርድርበያ፡፡  ከምእዉን ብዝሕ ዝበለ ቚጽሮም ኣቦሓጎታት ዝኣኸሉ አብ ዝተፈላለዩ ኮንተይነራት ከም ኣቕሓ ብኣጽንሓለይ ተዓሺጎም ይርከቡ፡፡  እቲ ጸገም ብኣጽንሓለይ ዝተሓየሩ አብ መዝገብ ስለዘይምዝገቡ ንምርካቦም ብዙሕ ኣጸጋሚ'ዩ፡፡  እቲ ዘረከበን ዝተረከበን ሓዲኦም ምስዘይርከቡ እቶም ዝተረከቡ አቦታትን አዴታትን ክሳብ እዚ ስርዓት ዘሎ  ብህይወቶም ናይ ምጽናሕ ኣጠራጣሪ ይኸውን፡፡  በዚ ምኽንያት እዚ ኢና'ውን ክትፈልጡን ሓደ ስጉምቲ ክትወስዱን ንሕብረኩም ዘለና፡፡

2ይ) ኣተሓሕዛ ቈልዑት ዝምልከት ኣብ ኩሉ ትሕዝትኡ አብ ኣዚ'ዩ ኣሰካፊ ኲነታት  ይርከብ ምሃላዉ አይትዝንግዕዎን ትኾኑ፡፡ ከም ኲሎም ቈልዑት ክንዲ ብወለዶም ዝሕብሓቡ ኣብ ከንዲ ናብ ቤት ትምህርቶም ዝመላለሱ ከምእውን ኣብ ክንዲ ምስ ምሓዝቶም ዝጻወቱ ኮታ ወዘተ ወዘተ፤ ኣብ ኣዝዩ ዘስካሕኽሕ ንህይወቶም ኣብ ዘስግእ ኲነታት ይረከቡ ምህላዎም ንሕብረኩም፡፡  እዚ ስጉምቲታት'ዚ ብሓላፍነት ብሪገይደር ጀነራል ተስፋልደት ሃብተስላሴ  ይውሰድ ምህላዉ ነረጋግጸልኩም፡፡   ነዞም ትሕቲ ዕደመ ዝኾኑ አብ ቀይዲ ዝርከቡ ማንም ሓታቲ ንኸይርከብ ካብ ብሪገይደር ጀነራል ተስፋልደት ጥብቂ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ከምዘሎ'ውን ንሕብረኩም፡፡   ሓንቲ ካብዞም ትሕቲ ዕደመ ዝኾኑ ተኣሲሮም ዘለዉ ቈልዕት ሲሃም ዓሊ ዓብዱ (ምኒስተር ዜና ነበር) እያ፡፡  ሲሃም ብዜግነትውን ኣመሪካዊት ኮይና ዕድሚኣ ኣይትምህርቲ አይምስወልዳ ኣብ ቤት  ማእሰርቲ ትበሊ ዘላ ዜጋ'ያ፡፡ እቲ ዝገረም በዓል ዳዊት ይስሓቕ ስዊድናዊ ዜጋ ብምዃኑ መግስቲ ስዊደን ንዜግኦም ዝኾነ ዳዊት ናብ ስዊደን ክምለስ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕርታት ንኹሉና ብሩህ'ዩ፡፡ መንግስቲ  ኣሜርካ ግን ንሲሃም ዓብዱ ዛጊት እንታይ ከምዝገበሩ ውላሓንቲ ሓበረታ የለን፡፡

እዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝብለዩ ትሕቲ ዕደመ ዜጋታት እቲ ምእሳሮም ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ኮነ ኢልካ  ናይ ኣእሞሮ ጭንቀት ዝመልኦ ኣተኣላልያን ኣተሓሕዛን አብ መጨረሽኡ ናብ ናይ ኣእምሮ ስንክልና ዘብጽሕ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡  ዝርዝር ናይ ኣተሃላልዋ መግለጺ አብ ቀረባ እዋን ክነቕርበልኩም ኢና፡፡


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...