በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ። ኣሜን።
ክቡራንን ክቡራትን ምእመናን ኣመንቲ ክርስቶስ ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ምደረ በዳ ሲናይን ሱዳንን ካልእ ሃገራትን ኣብ ርእሲ ኤርትራውያን ዝወርድ መዘና ኣልቦ ቅትለት፣ ዘረፋ፣ ምሻጥ ናውቲ ኣካል፣
ግዱድ ባርነት፣ ምእንቲ ሰላምሃገርናን፣ ካብ ሰማያዊ ኣምላኽ ፍታሕ ክንረክብ፣ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ጾም ኩላትና እንዝክሮን እንጽልየሉን እኳ እንተ ኾና፣ 
ብእዉጅ ግን ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍና ዚብሎ።

“እኽሊ በሪሱ፡ ኮልዒ ወይኒ ነቒጹ፡ ዘይቲውን ቀምሲሉ እዩ እሞ፡ እታ ሃገር ባዲማ፡ ምድሪውን ትሐዝን አላ። እቶት ግራሁ ጠፊኡ እዩ እሞ፡ ኣቱም ሓረስቶት፡ ብምኽንያት ስርናይንስገምን ሕነኹ፡ ኣቱም ሰብ ኣታኽልቲ ወይኒውን፡ ዋይዋይ በሉ። ተኽሊ ወይኒ ነቐጸ፡ ኦም በለስ ከአ ቀምሰለ፡ ኦም ሮማንን ስየ ቱፋሕን ኩሉ ኣእዋም መሮርን ነቐጸ፡ እወ፡ ሓጎስ ካብደቂ ሰብ ነቐጸ። መሥዋዕቲ ብልዕን መሥዋዕቲ መስተን ካብ ቤት ኣምላኽኹም ተኸልኪሉ እዩ ኣሞ፡ ኣቱም ካህናት፡ ተዓጠቑን ብኸዩን፡ ኣቱም ኣገልገልቲ መሠውዒ፡ ዋይዋይ በሉ፡ኣቱም ኣገልገልቲ ኣምላኸይ ንዑ፡ ከሊ ተኸዲንኩም ሕደሩ። 14- ጾም ቀድሱ፡ ኣኼባ ጸውዑ፡ ንዓበይትን ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኹላቶምን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም አክቡ፡ናብ እግዚኣብሄር ከአ ተማህለሉ። ” ትንቢት ዮኤል 1:10-14 ዝበሎ ቅዱስ ቃል መሠረት ብምግባር ን21 ሚያዝያ 2013 (ሚያዝያ ፲፫, ፳፻፭) ኣብተን ኣብ ብቡራኬ  ቅዱስ ፓትርያርክኣቡነ እንጦንዮስን 
ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን ተማእኪለን ዝኸዳ ኣብያተ ክርስቲያናት ጸሎት ክግበር ተውሲኑ ኣሎ።

ስለዚ ኩልኹም ምእመናንን ምእመናትን ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ኣብዘን ስዒብነ ኣስማተን ተጠቒሱ ዘሎ ኣብያተ ክርስቲያናት ኬድኩም ጸሎት ክትሳተፉ 
ብመንፈሳዊ ኣኽብሮትዕድሜና ነመሓላለፍ

  1. ደብረ ሰላም መድኃኔዓለም ዋሽንግቶን ዲሲ፣
  2. ደብረ ግእዛን መድኃኔ-ዓለም ቤተ ክርስቲያን ኣትላንታ፣
  3. መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ሮቸስቶር ኒውዮርክ
  4. መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ዓዲ እንግሊዝ ማንቸስተር፣
  5. መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ዙሪክ ስዊዘርላንድ።
  6. ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ ዋሽንግቶን ሲያትል
  7. ቅድስት ሥላሴ ቤተ ክርስቲያን ሲንሲናቶ ኦሃዮ።
  8. ቅድስት ሥላሴ ቤተ ክርስቲያን ኤመንቶን ካናዳ፣
  9. ቅድስት ሥላሴ ቤተ ክርስቲያን ሎስኣንጀሎስ ካሊፍርኒያ።
  10. ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኦክላንድ ካሊፎርኒያ፣
  11. ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ፖርትላንድ፣
  12. ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ተልኣቪቭ, እስራኤል።
  13. ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ዓዲ እንግሊዝ ሎንዶን።
  14. ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ዓዲ እንግሊዝ  ሸፊልድ።
  15. ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ጀነቫ ስዊዘርላንድ፣
  16. ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ሞንትርያል ካናዳ
  17. ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ባዝል ስዊዝረላንድ
  18. ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ሉዘርን ስዊዘርላንድ
  19. ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያን ዓዲ እንግሊዝ በርኒንግሃም።
  20. ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያን ጀርመን ፍራንክፈርት
  21. ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያን በርን ስዊዘርላንድ።
  22. ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክ
  23. ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኡምዮን ስዊደን።
  24. ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ቻርሎት፣
  25. ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ሻፋውዘን ስዊዘርላንድ
  26. ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ኣልባኒ ኒው ዮርክ
  27. ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ግላሩስ ስዊዘርላንድ።
  28. ቅዱስ ዑራኤል ቤተ ክርስቲያን ሳንጋለን ስዊዘርላንድ
  29. ኣቡነ ተክለማይማኖት ቤተ ክርስቲያን ኩር ስዊዘርላን
  30. ኣቡነ ኣረጋዊ ቤተ ክርስቲያን ፍሪቡርግ ስዊዘርላንድ

እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎምእየ።”2 ነገ. 7:14።

እግዚኣብሔር ጸሎትናን ሱባኤናን ይቀበል።

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣህጉረ ስብከታት

ሰሜን ኣሜሪካ፣ ኣውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...