ሽወደን፡ መንእሰያትት ስመር ንለዉጢ፡ ንኣኼባ መንእሰያት ህግደፍ ንምፍሻል ተጠማጢሞም...ፖሊስ ጠያይቲ ተኲሶም

ካብ ዕለት 6 ክሳብ 9 ሚያዝያ ሻሙናይ ምትእኽኻብ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን ይካየድ ኣሎ። እዚ ብብዙሕ ምስጢራዉነት እኳ ተታሒዙ እንተጸንሐ፡ ድሒሩ ብማዕከናት ዜና ሽወደን ኢዩ ተቓሊዑ። እቲ ንሽወደናዊ ዜግነት ዘለዎ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ንዓሰርተ ሓደ ዓመት ብዘይፍርዲ ኣሲሩ ዘሳቕይ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ንከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ፕሮፓጋንዳ ምትእኽካብ ንኸካይድ ብመንግስቲ ሽወደን ፍቓድ ብምርካቡ፡ ብሓያለ ማዕከናይ ዜና እታ ሃገር ከቢድ ነቔፈታ ይዘንብ ኣሎ። እታ ኣደራሻ ዘካረየት ሆቴል ዉን ብዛዕባ እቲ ምትኽኻብ ጌጋ ሓበሬታ ከምዝተዋህባን፡ እቲ ምትእኽኻብ ብስም ዉልቀሰብ እምበር፡ ፖለቲካዊ ምንባሩ እንተንፈልጥ ኣቐዲምና እቲ ፍቓድ ምሰረዝናዮ ብምባል መግለጺ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሂባ።
ኣብዚ ኣጋጣሚ ከምቲ ልሙድ ኣማኻሪ ፕረዝደንት የማነ ገብረኣብ ንከም ወዲ ትካቦ ዝኣመሰሉ ኣእምሮኦም ነቲ ስርዓት ዝሸጡ መንእሰያት ስነጥበባዉያን፡ ካብ ኤርትራ ኣሰንዮሞ ኣብ ሽወደን ይርከቡ።

እዚ ሕርር ኩምትር ዘበሎም ሓያለ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ብስመር ንለዉጢ ዝፍለጡ መንእሰያት ድማ ነቲ ንዕኦም ዘይዉክል ስርዓት፡ ኣብቲ ናይ ኣኼባ ሆቴል ብምርካብ፡ ነቲ ኣኬባ ንምፍሻል ብቐዳም ኣብ ጥምጥም ኣትዮም። እቲ ኩነታት ኣዝዩ ስለዝተነሃሃረን ካብ ቁጽጽር ስለዝወጸን ድማ ፖሊስ ተጸዊዖም ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ዉን ጠያይቲ ንላዕሊ ተኲሶም። ኣብቲ ኣጋጣሚ ጉድኣት ዝወደረዶም ሰባት ድማ ብኣምቡላንስ ናብ ሆስፒታል  ንህጹጽ ረዲአት ተወሲዶም። እዞም ሕጹባት መዓንጣ ምዑታት መንእሰያት ኤርትራ እምበኣር፡ ንስርዓት ህግደፍን ነቶም ኣብቲ ኣደራሽ ዝነበሩ በሃም መንእሰያትን ዓቢ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎሙሎም ኣለዉ።

ስርዓት ህግደፍ ንመስንእሰይ ወለዶ ኣብ ዘጽንተሉ ዘሎ እዋን፡ እቶም ኣብ ደገ ተወሊዶም ዝዓበዩ ብዛዕባ ኤርትራ ዓሚቕ ኣፍልጦ ዘይብሎም መእሰያት፡ ምስዚ ናብ ዕርብርብ ዝንቖት ዘሎ ስርዓት ምምጽዳቕ ከምዘየዋጽኦም ዘየማትእም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎሙሎም ኣለዉ።  መንስእሰያት ብኣማኢት ናብዚ ናይ ህግደፍ ፈንጠዝያ ክዉሕዙ ንዝዕዘብ ወዲ ሃገር መዓንጣ ከብዱ ሕርር ኩምትር ዘብል፡ ንሽወደናዉያን ተደናገጽቲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ሕንቅልሕንቂሊተይ ዝኾነ ጉዳይ ኢዩ።

ምትእኽኻብ መንእሰያት ህግደፍ፡ ዉጺኢት ሃገራዊ ፍቕሪ’ዶ  ወይስ ቅልዉላው መንነት
እቲ ቀንዲ ሃንዳሲ ናይዚ ምትእኽኻብ ኣማኻሪ ፕረዝደት የማነ ገብረኣብ ኪኸዉን እንከሎ፡ ካብቲ ቀንዲ ዕላማ ነዚ ምትእኽኻብ ዝመስረተሉ ድማ ነቶም ኣብ ወጻኢ ተወሊዶም ዝዓበዩ እሞ ብዛዕባ ኤርትራ ቅንጣብ ኣፍልጦ ዘይብሎም፡ መንእሰያት ብቐሊሉ ብፕሮፓጋንዳ ኣታሊልካ መጋበርያ ናይ እቲ ስርዓት ኣብ ወጻኢ ንምግባሮም ዝዓለመ ኢዩ። መብዛሕትኦም ካብዞም መንእሰያት ወለዶም ዝተፋትሑ ኪኾኑ እንከለዉ፡ ኣብ ርእሲ እዚ ብከቢድ ናይ መንነት ቅልዉላዉ ዉን ዝሳቐዩ ዘለዉ ኢዮም።

ስለዚ እምበኣር እዮም ወለዶም ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምትእኽኻብ ብምስዳድ ንደቆም ብዛዕባ ታሪኽ ሃገሮምን ህዝቦም ንኽፈልጡ፡ ከምኡ’ዉን ኣብ ግርዝዉና ስለዝርከቡ ካብ ናብ ካልእ ዓልየት ከይዶም ዝዋሰቡ ምናልባት ምስ ከምኦም ዝኣመሰሉ ደቂ ዓዶም ሓዳር ናብራ ኣንተገበሩ ዝብል ኣተሓሳስባ ወለዶም ዉን ኣሎ።

እዞም መንእሰያት እዚኦም ብሓደ ወገን ኣዝዮም ዘደንግጹ ኮይኖም ኢኻ ትረክቦም። ምኽንያቱ ኣብዚ ሕጂ ዘለዉዎ ደረጃ ብድሌቶም ኣይኮኑን ወዲቆም ዝርከቡ፡ እንታይ ደኣ ብምርጫ ወለዶም እምበር። ስርዓት ህግደፍ ከምዚ ዝኣመሰለ ምቹእ ባይታ ብምርካቡ እምበእር እቲ መርዚ ስነሓሳብ ኣብዞም መንእሰያት ብምስራጽ ንህዝቢ ኤርትራ ንምክፍፋል ዘይተሓለለ ጻዕሪ ኣብ ምግባር ይርከብ።

ብዙሓት ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ዘለዉ ሰባት፡ እዞም መንእሰያት ስለምንታይ ናይዚ ህዝብን መንእሰያትን ኤርትራ ዘፍልስ ዘሎ ስርዓት ተሓለቕቲ ይኾኑ፡ ኣብተን ዝነብሩለን ሃገራት ብዉሕዱ ሰብኣዊ መሰልን ደሞክራስን ዝኣመሰሉ ክብርታት ከይተማህሩ ድዮም ዝዓብዩ ዘለዉ፡ ከመይ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብዘይነቐፌታዊ ዓይኒ ይቕበልዎ ዝብሉ ሕቶታት ይልዓል ኢዩ። እንተኾነ ግን መብዛሕትኦም ካብዞም መንእሰያት ኣዝዩ ትሑት ደረጃ ትምህቲ ዘለዎም፡ ገሊኦም ግዙኣት ናይ ሕማቕ ወልፍታት ኮይኖም ዝርከቡ ብምኻኖም፡ ንከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣምራት ከልዕሉ ትጽቢት ኣይግበረሎምን ኢዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ናብዚ ምትእኽኻብ ክመጹ ከለዉ፡ ዝዓበዩ ቆላሕትኦም እቲ ኣብዚ ኣጋጣሚ ተረኺብካ ምስ ከምኦም መንእሰያት ክዕንድሩን ክጭፍሩን ጥራሕ ኢዩ ዝርኣዮም። ነዚ ክዉንነት ዝተገንዘብ ስርዓት ህግደፍ እምበር ነዞም መንእሰያት ንምርኻስ ከም በዓል ወዲ ትካቦ ዝተባህሉ ሽዩጣትን ተበለጽትን መንእሰያት ስነጥበባዉን ካብ ኣስመራ ብምምጻእ ነቲ ፈንጠዝያ ከም መዳመቒ ይጥቀሙሎም።

እቶም ደለይቲ ለውጢ ኤርትራዉያን ነዚ ክዉንነት ብኸመይ ክገጥምዎ ይግባእ ዝብል ሕቶ ምልዓል ኣዝዩ ኣገዳሲ ይመስለኒ። ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ድማ ነቲ ምትኽኻብ ካብ ዓመት ናብ ዓመት መንእሰያት ኣባላቱ እንዳወሰኹ ይመጹ ብምህላዎም ኢዩ። እዞም መንእሰያት ነቲ ስርዓት ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ምትኽኻብ ብፖለቲካዊ ዓይኒ ጠሚቶም፡ ፖሊቲካዊ ዝምባለ ሓዲርርዎም ዘይኮነ እንታይ ደኣ ከምኡ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ካብ ዝኾነ ፖሊቲካዊ ዝምባለ ናጻ ዝኾነ ምትእኽኻብ ዝፈጥረሎም ምቹእ ባይታ ብዘይምርካቦም እምበር። ብናተይ ርእይቶ ዋላ’ኳ ማሕበረኮም  ኤርትራ ኣብ  ወጻኢ ብሰሪ ምትእትታዉ ህግደፍ ኣብ ዓሚቕ ምፍንጫለት ኣትዩ እንተሎ፡ እዞም ሕጂ ናብ ወጻኢ ዝመጹ መንእሰያት ነዚ ምትእኽኻብ ህግደፍ ዝብድህ ካብ ዝኾነ ፖሊቲካዊ ዝምባለ ናጻ ዝኾነ ምጥርናፍ ክፍጠረሉ ዝኽእል መኣዲ እንተዝፈጥሩ፡ እቲ ዉጺኢቱ ድማ ድሕሪ ቅሩብ እዋን ኣዝዩ ዕዉት  ክኸዉን ምኸኣለ ኮይኑ ይስምዓኒ።

ነዚ ክዉን ንምግባር መንእሰያት ጓይላን ጭፈራን ስለእንፈቱ፡ ነቶም እንተስ ኣማራጺ ብምስኣን ወይ እንታይ ገደሰና ብምባል ምስ ስርዓት ህግደፍ ዝቖላመጹ ዘለዉ ስነጥበባዉያን ናብዚ ምትኽኻብ ንኽመጹ ሪሒብ ባብ ምኸፈተ። ኣብዚ ዘይከሓድ ሓቂ ግን እቶም ኣብ ወጻኢ ነዊሕ ዓመታት ዝተቐመጡ ኤርትራውያን ኣብ ከቢድ ዉልቃዉን ማሕበራዉን ቅልዉላው ከምዝርከቡ ክንዝግዖ ኣይግባእን። ኣብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝተቐመጥሉ ሃገራት ምስቲ ዝነብርሉ ሕብረተሰብ ገና ኣይተጸንበሩን፡ ናብ ሃገሮም ድማ ከም ቱሪስት ዓመት ዓመት ንዙረት እንተዘይኮይኑ ተመሊሶም መነባብሮምኦም ከጣይሱ ዉን ዝሓስቡ ኣይኮኑን። እቲ ምኽንያት ነቲ ወድዓዊ ኩነታት ኤርትራ ንሶም ንኽነብርሉ ዝዕድም ቅድመ ኩነት ከምዘይብሉ ኣንዳዕዲዕም ስለዝፈልጡን፡ ዉሕስነት ዉን ስለዘይስምዖም ኢዩ። ነዚ ሓቅን ክዉንነትን እንዳፈለጡ እምበኣር ኢዮም መብዛሕትኦም ምስቲ ስርዓት ዝጨማለቑን ቆልመጽመጽ ክብሉን ዝርኣዩ፡ እቲ ምኽንያት እንቃዕ ንዓይን ንደቀይን ኣይሓሰመና እምበር እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጥ ኢሎም ፈሪዶሞ ኢዮም። እዚ ከኣ ኣብ ብዙሓት ንስደት ዝወጹ ዘለዉ ኤርትራዉን መንእሰያት ሕጂኸኣ ነዞም ተበለጽቲ ወይጦ ሃገረይ እንዳበልኩ ግዜይ ከባኽን ብምባል ካብ ፖሊቲካዊ ምትእኽኻብ ከምዝሃድም ኮይኑ ጸኒሑ ኢዩ። እዚ ዝርአ ዘሎ በቶም ቀደም ዝተሰዱ ኤርትራዉያን ዕዉር በለጽ እምበር ካልእ መግለጺ ቃላት ዝርከቦ ኣይመስለንን። ኣቦታት ዉን መሲሎሞ ቀደም፡ ዘይስንኻስ ሑጻ ቆርጥመሉ። ቀደም መንእሰይ ኣብ ሜዳ ምስ ጸላኢ ብብረት ክቖሻመድ ከሎ ኣብ ወጻኢ ጅብኦም የስብሑ ኔሮም፡ ሕጂ ኸኣ ኤርትርዊ ደም እንዳነብዖ ባዕልኻ ትፈልጥ ብምባድ ድርብ ኽሕደት ንህዝቢ ኤርትራ ፈድዮሞ ይርከቡ።

ልዕሊ ኩሉ ግን ሓደ ንሓርነት ካልኦት ሰባት ክጣበቕ እንተደኣ ኮይኑ መጀመርያ ንነብሱ ሓራ ከዉጽኣ ኪኽእል ኣለዎ። እዚ ድማ ርእሰ ተኣማማንነት ይፈጥር፡ ካብቲ ዘሕዝን ግን ኣብ መብዛሕትኦም እዞም ዝጠቐስናዮም ኤርትራዉያን እዚ ረቓሒ ሃሲሱ ይርከብ። ካብዚ ብምብጋስ’ዩ ዝኸዉን ሓደ ጸሓፊ ”ኤርትራዉን ሞይቶም ከለዉ ግን ከኣ ንሞት ዝፈርሑ ህዝቢ ኢሉ ዝጸሓፈ። እዚ ኣበሃህላ ሓቕነት ከምዘይብሉ እምበኣር ብተግባር ከነረጋግጽ መድረኽ ዝጠልቦ ሓላፍነት ይጽበየና ኣሎ።

ዊንታ ሰለሙን
ስቶኮልም ስዊድን
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...