Eritrean National Council for Democratic Change
Administration of Europe Zone

ልኡኽ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ብሩክሰልስ ዑደት ከም ዘካየደ ተሓቢሩ። ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዶክተር ዩሱፍ በርሃኑን፡ ኣቶ መስፍን ፍትዊ ሓላፊ ሽማግለ ወጻኢ ዝምድናታት ሃገራዊ ባይቶ-ምምሕዳር ዞባ ኢወሮጳን፡ ኣብ’ታ ዋና መደበርን መንሃርያን ሕብረት ኤውሮጳ ዝዀነት ከተማ ብሩክሰልስ፡ ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ EEAS (European External Action Service)፡ ኣብ 28 ለካቲት 2012 ኣገዳሲ ርኽክብ ከም ዘካየደ ካብ ብሩክሰልስ ዝመጻና ሓበሬታ የረጋግጽ።

ኣብ’ዚ ርኽክብ’ዚ፡ ኣቦ መንበር  ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡ ነቲ ልኡኽ ዝተገብረሉ ክብ ዝበለ ኣቀባብላን ተገዳስነትን ድሕሪ ምምስጋንን፡ ውጽኢት ዕዉት ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብዝርዝር ድሕሪ ምብራህን፡ ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ታሪኻዊ ጉባኤ’ዚ፡ ዳርጋ ኩሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ’ዚ ተመስሪቱ ዘሎ ሰፊሕ ጽላል ተጠርኒፎም ይቃለሱ ምህላዎም ብምምልካት፡ ነቶም ዝተጠቕሱ ሰበ ስልጣን ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ምስ’ዚ፡ ማኣከላይን መሰረታውን ዕላማ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ራህዋን፡ ሰላምን፡ ቅሳነትን፡ ፍትሓውነትን፡ ግዝኣተ ሕግን ዘረጋገጸ ምሕደራ ከም ዝነብር ንምግባሩን፡ ኤርትራ ሃገርና ከኣ ኣህጉራዊ ሕግታትን ክብርታትን ኣኽቢራን፡ ምስ ጐረባብታ ተሳንያን ትነብር ደሞክራስያዊትን ምዕብልትን ሃገር ንምህናጽ ምዃኑ ኣብሪሁሎም። ብዘይካ’ዚ፡ ብሰንኪ ፍሹልን ኣዕናውን ቁጠባዊ ፖሊስን ምሕደራን ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ጥሜትን ዓጸቦን ንድየትን ከይኣክል፡ መንእሰያት ሃገርና ካብ’ዚ ኣረሜናዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ልዕሌኦም ዝወርዶ ዘሎ ግፍዕታት ከምልጡ ክብሉ፡ ናብ ፈቐዶ ስደት የምርሑ ምህላዎም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ጒዕዞ ስደቶም ኣደዳ ሰረቕትን ሸፋቱን ንሕስያ ዘይብሎም ነጋዶ ኣካላት ደቂሰብን ተሳጢሖም፡ ዘጋጥሞም ዘሎ ኣስካሕካሕን ዘይሰብኣውን ፍጻሜታት ኣዚዩ ከም ዘተሓሳሰቦን፡ ነዚ ድማ ህጹጽ ኣህጉራዊ ኣቓልቦን ደገፍን ምክልኻልን ክግበረሉ ከም ዘለዎን ኣምሪሩ ከም ዘማሕጸኖም ዝበጽሓንና ዜና ሓቢሩ። ኣብ መደምደምታ ድማ፡ ኩሎም እቶም ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዘይተሳተፉ ኣካላት፡ ትሕዝቶኦምን ስፍሓቶምን ኮነ ኣብኡ ዘይመሳተፊኦም ምኽንያት ብዘየገድስ፡ ምስ ኣሕዋቶም ኣሓቶምን ተጸንቢሮም ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ብሓባር ክቃለሱ፡ ርሑው ማዕጾ ወትሩ ይጽበዮም ከም ዘሎ፡ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣረጋጊጹ።

ሰበስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኖም፡ ነቲ ልኡኽ  ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብተገዳስነት ክከታተልዎ ከም ዝጸንሑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ብውሑዱ ተዓዊቱ ብምውጽኡ፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ዓብዪ ሃገራዊ ዕማም ከም ዘሰላሰሉ ዘለዎም ገምጋም ገሊጾም። ነቲ ልኡኽ ዝሃቦም መግለጺ መሰረት ብምግባር ድማ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታትን በርገሳዊ ማሕበራትን መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ካልኦትን ጠርኒፉ ተበጊሱ ዘሎ ሰፊሕ ኤርትራዊ ጽላል ክሳብ ዝዀነ፡ ብቐጻልነት ክትኲስኲስዎን ከተማዕብልዎን ተስፋ ንገብር ክብሉ፡ ዘተባብዕ መልሲ ነቲ ልኡኽ ከም ዝሃብዎ ተፈሊጡ። ቀጺሎም፡ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ታሪኹ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓዲሽ መድርኽ ተሰጋጊሩ ምህላው ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንቕድሚት ሓድነትኩም እናረጋግጽኩም ምስ ትቕጽሉ፡ ዝያዳ ኣህጉራዊ ኣቓልቦን ደገፍን ከተረጋግጹ ከም ትኽእሉ እምነትና’ዩ ክብሉ ሓቢሮም። ነዚ ንምርግጋጽ ድማ ብዙሕ ስራሕ ይጽበየኩም ከም ዘሎ ይርደኣኣና’ዩ ክብሉ ኣሚቶም። ኣብ መደምደምታ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታትን በደላትን ብዙሕ ከም ዘሕዝኖምን፡ ብዛዕብኡ ብዲፕሎማስያዊ መስኖታት ኣቢሎም ምስ’ቲ ስርዓት ካብ ምዝርራብ ዓዲ ከም ዘይወዓሉን ሓቢሮም።

እዚ ዝተኻየድ ዕዉት ዑደት ላዕላዋይ ልኡኽ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ምስ ሕብረት ኤውሮጳን ኣባላቱ ዝዀና ምዕራባውያን መንግስታትን፡ መሰረት ዘለዎ ናይ ስራሕ ዝምድና ንምፍጣር፡ ኣፍደገ ዝኸፈተ ኣገዳሲ ርኽክብ ምንባሩ ክጥቀስ ዝከኣል’ዩ።


ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን
ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ - ምምሕዳር ዞባ ኤውሮጳ
12/03/2012


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...