ሰራሕተኛታት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቅሬታ ከምዝፈጠረ ተረጋጊጹ

ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ልሒኹ ንዝወጸ ሓበሬታ ብምጥቃስ ምንጭታት
ወጋሕታ ከምዘረጋገጹልና- መላኺ ኢሳይያስ ከም ቀደሙ ኣብ ዓቕሊ ጽበት ምስተሸመመ ካብ
ዝጠሓሎ ራዕዲ ክገላግሎ ብምምሕጻን ናብ ፕረዝደንት ባራክ ኦባማ ዝሰደዶ መልእኽቲ ኣብቲ
ሚኒስትሪ ዓቢ መዘራረቢ ኣጀንዳ ኮይኑ ቀንዩ’ሎ።
ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈት ኤርትራ ኢሳይያስ በይኑ ብኢደ ዋኒኑ ብዝኽተሎ ኣንፈት እነሆ
ብቐሊሉ ናብ ዘይትስኣሉ ደረጃ ውድቀት በጺሑ ዝብል መረረት ይስማዕ ኣሎ ዝበለ ሓበሬታ
ምንጭታትና ነገራት ምሰብቅዐ መሓሩኒ ምባል መግለጺ ዲፕሎማሲያዊ ውደቀት ኤርትራ
ኮይኑ ክቕጽል እቲ መላኺ ይፈርድ ኣሎ ክብል ድማ ኣመልኪቱ።
ብስምዒትን ክብሪ ካልኦት ብምውራድን ኣቢሉ ዝውሰድ ስጉምትታት መላኺ ኢሳይያስ
ኤርትራ ብመዳይ ዲፕሎማሲ ከበድቲ ክሳራታት ክትሽከም ጌሩዋ’ዩ ናብ ኢጋድ ክንምለስ
ንገብሮ ዘለና ጻዕርን ናብቲ ዘዋረድናዮ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ምለሱና ኢልና ዘቅረብናዮ ለበዋን
ናይዚኦም ኣብነታት’ዮም ድማ ይብሉ ሰራሕተኛታት እቲ ሚኒስትሪ።
እዚ ኣካይዳ’ዚ ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ኣብ ናይ መወዳእታ ብርኪ በጺሕና’ለና ዝብል ተስፋ
ናይ ምቑራጽ ስምዒት ኣብ ሰራሕተኛታት እቲ ሚኒስትሪ ፈጢሩ ምህላው ከኣ እቲ ካብቲ
ሚኒስትሪ ሰሊኹ ዝወጸ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረጋጊጹ’ዩ።
መርበብ ሓበሬታ ተጎርባ ንእሙናት ምንጭታት ብምጥቓስ ኢሳይያስ ካብ ዝጠሓሎ ራዕዲ
ክገላግሎ ንኦባማ ምሕጽንታ ከምዝለኣኸሉ ገሊጻ ምንባራ ይዝከር።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...