ዋላ እኳ ባዕለይ ተቐማጣይ ከተማ ሊድስ እንተዘይኮንኩ ኣብቲ ኣኼባ ምስቶም ተባዓት መንእሰያት ሓቢረ ብምስታፈይ ትዕዝብተይ ከካፍል ከተፍቅዱለይ ምስናይ ይቕሬታ ይሓትት። ካልእ ዋላ እኳ እቲ ጸብጻብ ብዝርዝሩ ክጽሓፍ ብኣኹም ምዃኑ እንተተረድኣኒ ግን ክሳብ ሽዕኡ ብዓቕመይ ቁሩብ ወስ ከብል ኢየ።

ከም ዝፍለጥ እቲ ብኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሎንደን ምስ ገለ ሒደት ወይጦታቶም ተቐማጦ ኣብ ሊድስ ዝተወደበን ዝተጸውዐን ኣኼባ ንቀዳም 20/08/211 ካብ ሰዓት 1፣00 ድ.ቀ. ጀሚሩ ክካየድ ምዃኑ ድሮ ኣብ መርበብ ህግደፍ ዝኾነት መኣድና.ኮም ክቃላሕ ቀኒዩ። ዕላማ እቲ ኣኼባ ብመሰረቱ ነታ ብብዝሒ ብመንእሰያት ተቐማጦ ዝተዓብለለት ሊድስ እሞ ከኣ ጽንዕቲ ዕርዲ ናይ ተቓውሞ ብምዃና ገለ ኣጋጣሚ ሚሂዝካ ነቶም መንእሰያት ኣዳህሊልካ ምሓዝ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኢዩ ከኣ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጎስጓሳት ብወይጦታት ህግደፍ ነቲ ግብጃ ንምምዕራግን ነቶም መንእሰያት መስሓብን ተባሂሉ በብዓይነቱ ዘይሕለሉ ናይ ሓሶት ፕርፖጋንታታት ክንዝሑ ዝቐነዩ። ንኣብነት ተበተንቲ ጽሑፋት (leaflets) ብምዝርጋሕ ካብ ሰዓት 1 ድ.ቀ. ዝጅምር ናይ ምዝንጋዕ መደባት ኣለና፣ ኣምባሳደር ብዛዕባ ህሉው ምዕባሌታት ሃገርና መግለጺ ሂቡ ኣኼባ ምስ ከፈቶ ዝብል። ዝያዳ መስሓቢ ክኸውን ተባሂሉ ድማ ምእንቲ ሰብ መእተዊ ዋጋ ኣሎ ኢሉ ከይምለስ፣ ሙዝቃን (ምዝጋዕን ሳዕሳዒትን)፣ መግብን መስተን ብነጻ ኢዩ ተባሂሉ።

ልክዕ እቲ ኣኼባ ከባቢ ሰዓት 2፣30 ድ.ቀ. ዕሱብ ወዲ ገራህቱ መጺኡ ካብ መሕቢኢኡ ጋቢና ሰፈር (እንዳ ገለ የውሃት ደቂ ኣንስትዮ) ከም ኣመሉ ምስ ገለ 3 ሰብኡትን ሓንቲ ቀያሕ ጓል ኣንስተይትን። በቲ ኩነታት ናይቲ ገዛ (ብዝሒ ዝቃወሙ መንእሰያት) ኣቐዲሙ ሰሚዑ ስለ ዝነበረ ተዳሂሉ ኣይከም ኣመሉን ፍሽኽታን ፈገግታን ጠፊኢዎ ገጹ ተዳሂሉ ኣብ መድረኽ ተሰቒሉ ኮፍ በለ። ብመጀመርታ ነቲ ኣኼባ ዝኸፈቶ እሞ ከኣ ከምቲ ግቡኡ ንኣጋይሽ እንቋዕ ብደሓን መጻኹም ዘይብሉ ህቡብ ሃራሚ ከቦሮ  ናይ ውራያት ዕሉል ወይጦ ህግደፍ ኣብ ሊድስ ኪዳነ ኤልያስ። ንሱ ዝበሎ “ እዚ ናይ ኤርትራውያን ሃገራውያን ዝኾኑ ስለ ዝኾነ እዞም ናብ መቐለ ኢትዮጵያ ዘኸድኩም ትወጹልና,,,,,,,” ድሕሪ ዘረብኡ ሓደ እኳ ካብ ዕሱባት ህግደፍ ንዕኡ ደጊፉ ደፊሩ ሰብኣይ ኮይኑ ብሒም ዝበለ ወይ ብሓይሊ ስጉምቲ ክወስድ ዝፈተነ ኮታ የልቦን።

ብወገነይ ኣብ ደረጃ ናይዚ ዉሉፍ ሃራሚ ከቦሮ ወሪደ ክዛረብ ኣይመርጽን ግን ቅሩብ ወስ ከብለሉ ዘረባ። ብሓፈሻ መብዛሕትኡ ካብዚ ተኣኪቡ ዝነበረ 140 ዝግመት መንእሰይ ዳርጋ እቲ 4/5 ክቃወም እዩ መጺኡ ናብቲ ኣኼባ። ናይዚ ጭብጢ ድማ ብግብሪ ብዓይንኻ ርኢኻዮ። ንሕና እቶም መንእሰያት ንቃወም ዝነበርና ሃገራዊ ግቡእና ዝፈጸምና፣ ነቶም መቐለ ዝበልካና ኣብ ግዜ ዶባዊ ኩናት ናይ ኤርትራ- ኢትዮጵያ ብረት ኣንጻር ኢትዮጵያን ዘልዓልና ሃገርና ክንከላኸል ብምባል። በል እስኪ ንገረና ንስኻ ኣበይ ነይርኻ ሽዑ? ምናልባት ‘ዶ ናይ ከቦሮ ወልፍኻ ኣብ ጅዳ ወይ ርያድ ተውጽእ ነይርካ? ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ‘ከ ኣበይ ነይርካ መሳቱኻ ክጋደሉ ከለዉ? እቶም ደቂ መቐለ እኮ ትማሊ ትማሊ ኣብ ሩባን ኩርባን ኤርትራን ምስ ብጾቶም ኤርትራውያን ተጋደልቲ ስለ ሓርነት ኤርትራ ተሰዊኦም ኢዮም ብተመሳስሊ ‘ውን ኤርትራውያን ጀጋኑ ኣብ መሬት ትግራይ። ስለዚ ነዚ ብክቡር ደም ዝተኣሳሰረ ዝምድና ክልተ ኣሕዋት ኣይተሕስሮ ኢኻ። ካልእ ምናልባት ንስኻን እቲ ዓምኻን ወዲ ገራህቱ ዘይትፈልጡ ከይትኾኑ ኣብ ቀረባ መዓልታት ናብ ኢትዮጵያ (መቐለ) ይኸይድ ኣለኹ ‘ሞ መልእኽቲ ናብ ኣብ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ቀዋሚ ወኪል ህግደፍ ግርማ ኣስመሮም ክማልኣልኩም።

ቀጺሉ ኣብርሃም ክፍሉ (ወዲ ሓዉ ንናይዚ ክፍሉ) ተቐማጣይ ሊድስን ዕሱብ ህግደፍን ዝኾነ ንወዲ ገራህቱ ከተባብዖ ብምሕሳብ ደሓን ረቡሹና ጥራይ ‘ሞ ክንሰጎኩም ኢና ዘስምዕ ሓጺር ምስ ተዛረበ። ካብቶም ኣብ ቅድሚት ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ተባዓት መንእሰያት ካብ ኮፍ መበሊኡ ብድድ ብምባል “ብመጀመርታ ሕቶ ኣለኒ ንኣምባሳደር፣ ስለምንታይ ኢኹም ንትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ስግረ-ዶብ ሓሲብኩም ኢልኩም ለንቅነ ዝረሸንኩሞም,,,,,,,,” ክብል ገና ሕትኡ ከይወድአ ወዲ ገራህቱን ሒደት ኮራኩር ህግደፍን ከቋርጽዎን ብሓይሊ ኮፍ ከብልዎን ፈቲኖም። እንተኾነ ግን ኣይክኣሉን ምኽንያቱ እቶም መንእሰያት ነዚ ኣቐዲሞ ጽፉፍ ቅድመ ምድላዋትን ሓያል ውደባን ዝገበርሉ ስለዝኾኑ ኣይኣገሞምን ነቲ ኣኼባ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከእትውዎን ነቶም ሓደ ክልተ ደገፍቲ ህግደፍ ክዕብልልዎምን። ንዝያዳ ሓበሬታ ናይ ቪድዮ ክሊፕስ ኣብ ናይ ነጻን ተቓወምትን መርበባት ሓበሬታ ተኸታተሉ።
እቲ ኩነታት ኣኼባ ተቛሪጽ ብኸምዚ እናቐጸለ ክሳብ ከባቢ 5፣30 ፖሊስ ተጸዊዖም ከህድእዎ ፈቲኖም። ኣብ መጀመርታ 70 ዝኾኑ ካብ ተኻፈልቲ እቲ ኣኼባ (ፍርቂ) ንደገ ወጺኦም ካብቲ ኣዳራሽ ብፍቓዶ ምኽንያቱ ኣዳለውቲ እቲ ኣኼባ ዝኾኑ ዕሱባት ናይ ህግደፍ ኩሎም ኣውጹልና ‘ሞ ባዕልና ሓሪና ከነእቱ ስለዝበሉ። ካልኦት 70 ንኸውን ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣዳራሽ ተሪፍና “እዚ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ምስ ኤርትራውያን ስለዝተባህለ ኣይንቕበሎን ,,,,እዚ ኣድልዎ ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ,,,,, ንሕና ንዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ናይ ሰብኣውን ሞራላውን ገበናት ኣብ ኤርትራ ሃገርና ዝምልከት ሕቶታት ኣለና። ስለዚ ዲሞክራስያዊ ናይ ብሪጣንያ መሰል ተጠቒምና ክንሓትት ዝብል ጠለባት ኢዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ምስ ኣዘዝቲ ፖሊስ ብሚስጥራውያ ዝኾኑ ስምምዓት ውዕላትን ብምግባር ተፈላሊና። እቲ ዝርዝር ናይቲ ጉዳይ ነቶም ዝምልከቶም ዝተመዘዙ (ዝምልከቶም) መንእሰያት ኣብ ዝጥዕም ግዜን ቦታን ክገልጽዎ ይገድፎ።

እቲ ኣኼባ ዋላ እኳ ንልዕሊ 3 ሰዓት ተቛሪጹ ጸኒሑ እንተቐጸለ፣ ንትሕቲ 1 ሰዓት ጥራይ ኢዩ ተኻይዱ። መቸም መዓልቱ ተባላሽያቶ ወዲ ገራህቲ ጸርጸር እናበለ ኢዩ ኣካይድዎ፣ ከም ኣመሉ ከደናግር ጸማም ሓደ ደርፉ፣ ”እዞም ዝረበሹና ናይ ወያነ ልኡኻት ኢዮም,,,, ስለዚ ፍለጥዎም።” ምንጪ ናይዚ፣ ሓንቲ መስርዕ ጥራይ ዘይኮነት ሓሙሸይቲ መስርዕ እውን ኣባላታ ምስቶም ነንሕድሕዶም ዘይፋለጡ ዕሱባት ናይ ህግደፍ ተሓዊሰን ግቡአን ገይረን ኢየን። ብዘይምግናን ዋላ ‘ውን ሽዑ ዳርጋ ፍርቆም ዝተኻፈሉ ተቓወምቲ መንእሰያት ኮይኖም ወጠርቲ ሕቶታት ካብ ምሕታት ኣየዕረፍዎን። ወዮ ጸማም ሓደ ደርፉ ወዲ ገራህቱ ግን በጃኹም 2% ከፊልኩም ናይ ጣዕሳ ፎርም መሊእኩም ኪዱ ብጽሑ ዓዲ ካብ ምባል ኣይዓረፈን።

እቲ ዘሐዝን ኣብ መወዳእታ ናይ መኸተ ሽማግለ ከቕውም እኳ እንተሃቀነ ኣይሰለጦን ግን ንግዚኡ እቶም ቅድሚ ሕጂ ዘየድምዑ ከም እኒ ኪዳነ ኤልያስ (ሃራሚ ከቦሮ)፣ ኣብርሃም ክፍሉ ,,,ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ሳሚ ወናኒ እንዳ ሻሂ (ቤ/ትምህርቲ ኢብራሂም ሱልጣን) ኣብ ኣስመራ ነበርን ከም ሽማግለ ክኾኑ ብበጃኻ ሓሪይዎም (ዝያዳ ዝርዝር ካብ ሊድስ ተጸበዩ)። ኣኼባ ምስ ተዛዘመ ኩላ ኩርኩር ህግደፍ ቀቀልጢፋ እግረይ ኣውጽኒ ኢላ ተዓዚራ ምኽንያቱ እቶም ዝተላዕሉ መንእሰያት ዝምሕርዎም ስለዘይመሰሎምን ሕፍረት ስለተጎልበቡን። ደሓን ይእተዉ ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ልዕሊ 6 ዓበይቲ መካይን ፖሊስ ዝጸዓናን ምስ ረቂቕ ተንቀሳቓስን ደረቕን ስእሊ ዝቐርጻ ካሜራታት፣ ኣኻልብን ታዘርስን ኣባትርን (taser guns & batons) ተሰንዮም ምስ ካልኦት ረዳት ብምዃን ነቲ ጉዳይ ብምህዳእ ጽኑዕ ሓለዋ ኣካይዶ። እቲ ዘሕዝን እዚ ኩሉ ሽሻይ ሓደ ሰብ ከይበልዐን ከይሰትየን ብፍላይ እኳ እቶም ክስዕስዑን ክቃጠቡ ኣዋልድን ኢሎም እዚ ኩሉ 50 ማይልስ ዝተጓዕዙ 13 ወይጦታት ህግደፍ ካብ ከተማ ሸፊልድ ብእዋኑ ናብ ገዝኦም ምምላሶም ዘይልሙድ ተርእዮ ኢዩ። ንሓበሬታ ኣስማቶም እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፣- መድሃኔን ኢሳቕን 2 ኣሕዋት፣ ኪዳነ፣ ፍትዊ በላይ፣ ሰዒድ ሮመዳን (ኩርኩር ህግደፍ)፣ ኣኽሊሉ ኣሚነ ድራር (ሓቀኛ ስም ኣቡኡ ኣማኒኤል) ምስ ሓዉ መርሃዊ ሃይለ (ሓቀኛ ስም ኣቡኡ ኣማኒኤል)፣ ጎይትኦም ሚኪኤል ሃብተ፣ ሰለሙን (ኣሚቸ ሰብኣይ ፍረወይኒ)፣ ዮናስ ሰለሙን (ዓቢ ቆልዓ)፣ ኣብርሃም (ኣውቲስታ)፣ ተስፋማርያም ሰለባ፣ ዳኒኤል ግርማይን ኢዮም።

ኣብ መወዳእታ ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ ሓደ ዲፕሎማት ኢየ ዝብል ሰብ ዘይገብሮ ፍርቂ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተኸታሊ ሃይማኖት እስልምና ሮመዳን ጾም እንከሎ ኣኼባ ኢልካ ምስኡ መስተን መግብን፣ ስኽራንን ጓይላን ተራኢካ። ሕሱር ኣምባሳደር፣ መቸም ጎይታኻ ኢሳያስ ነገርካ እንተደሊዩ እዚኣ ድኽምቲ ጎንኻ ሃየ ይመዝምዛ።
ካብ ሎሚ ንደሓር መንእሰያት ኤርትራ ቆሪጾም ተላዒሎም ኣለዉ ‘ሞ ንህግደፍ ራዕዲ፣ ንደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ድማ ዓቢ ብስራት ኢዩ። ስለዚ ሃየ ንመንእሰያት ነትባብዓዮም ‘ምበር ተቓወምቲ ሓለይቲ መሲልና ክንውንኖም ኣይንፈትን ሓደራኹም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ጉዳዮም ጣልቃ ኣቲኹም ጸግዒ ናይ ውድባትኩምን ማሕበራትኩምን ክኾኑ ኣይተገድድዎም። ግዚኡ ምስ ኣኸለ ባዕሎም ክመጹኹም ኢዮም ስራሕኩም/ተግባራትኩም ርእዮም።

መንእሰያት ሊድስ ሓበን ኤርትራ ኢኹም!

በረኸት ካሕሳይ
ዓዲ እንግሊዝ
21/08/2011
  


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...