ናይ ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሃቕ ጽሑፋት ክሕተም ኢዩ።

ንጋዜጠኛ ዳዊት ይስሃቕ ንምዝካርን ጉዳዩ ኣድህቦ ኽግበረሉ ምእንቲን፣ ኣብ ሽወደን ዝርከባ ዓበይቲ ኣብያተ ማሕተም ንዝተተርጎመ ጽሑፋቱ ኣሕቲመን ከቕርባ ምዃነን ተፈሊጡ። ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሃቕ ብዘይ ፍርድን ክስን ን10 ዓመት ተኣሲሩ ይርከብ።

ቃል ውሃብ ናይዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ኣብያተ ማሕተም ኣብ ዘውጽኦ ናይ ሓባር መግለጺ፣ “10 ኣብያተ ማሕተም ብምትሕብባር ብናይ ሽወደን ቋንቋ ዝተተርጎመ ጽሑፋት ከሕትማ እየን”፣ ክብል ኣብሪሁ።

ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ሽወደናዊ ዜጋ ዝኾነ ዳዊት ይስሃቕ፣ ብመስከረም 2001 ናይ ኢትዮጵያ ሰላይ ኢኻ ተባሂሉ፣ ምስ ደርዘን ዝኾኑ ወነንቲ ጋዜጣታት ኣሰናዳእትን ጋዜጠኛታትን ኢዩ ተኣሲሩ።

ዳዊት ይስሃቕ ኣበይ ቦታ ተታሒዙ ከምዘሎን ብስድራ ቤቱ ይኹን ኣዕሩኽቱ ክርከብ ዝኽእል ድሃይ የልቦን። ናይ ሽወደን መድያ ግን ኣብ ጥቓ ኣስመራ ዝርከብ ዒራዒሮ ዝበሃል ዝለዓለ ጸጥታ ዘለዎ ኣብያተ ማእሰርቲ ይርከብ ኢሉ ብምባል ንሓደ ኣብኡ ዋርድያ ዝነበረ ጠቒሶም እዮም። ኣብዚ ጥቕሲ እዚ ዳዊት ኣብ ሕማቕ ናይ ጥዕና ኩነታት ከምዝርከብ ኢዩ ተገሊጹ።

 

እዚ ብሰኑይ 23 ነሓሰ ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ ከምዝብሎ “ዳዊት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰሉ ተገፊፉ፣ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣይቀረበን፣ ከምኡ’ውን ናይ ጠበቓ ምህላዉ መሰሉ ኣይተኸብረን” ኢሉ። ብተወሳኺ “እዚ ሽወደናዊን ኣውሮጳዊን ዜጋ ጋዜጠኛ ጥራሕ ኢዩ ኣብ ዓለም ብኸምዚ ኣገባብ ዝተሓዝ ዘሎ” ክብል ገሊጹ።

ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ኣባላት ናይ ዜና ማዕከናትን ንጡፋት ደሞክራሲያውያን ሓይልታት ዳዊት ክፍታሕ ብዙሕ ግዜ ሓቲቶም ኢዮም። ናይ ሽወደን ናይ ወጻኢ ሚኒስትሪ ድማ ብዲፕሎማሲያዊ ኣገባብ ነጻ ንክኸውን ፈተነታት እንተኣካየዱ ኣይሰለጦምን።

ናይ ሽወደን ኣብያተ ማሕተም መጻሕፍቲ ናብዚ ውሳነ እዚ ንክበጽሑ ዝደረኾም ምኽንያት ክገልጹ እንከለዉ እቲ ጉዳይ ምስ ናይ “ንናይ ሳልማን ራሽዲ 'ናይ ገሃነም ጥቕስታት' ኣብ ጀርመን ምሕታም” ኣወዳዲሮሞ። ኣብቲ እዋን እቲ፣ ናይ ኢራን ኣዮቶላ ሩሆላ ኾሚኒ ኣስላም እንግሊዛዊ ዜጋ ንዝኾነ ደራሲን ኣሕተምትን ንኽቐትሉ ፈትዋ ድሕሪ ምእዋጁ እዮም እቶም ጀርመናውያን ኣብ ናይ ምሕታም ውሳነ በጺሖም።

“ተስፋ፤ ፍቕሪ ሙሴን ማናን ካልእ ጽሑፋትን” ዘርእስቱ ናይ ዳዊት መጽሓፍ፣ ብመሰከረም 23 ዝካየድ ኣብ ዪቶቦሪ ናይ መጻሕፍቲ አክስፖ ክወጽእ ምዃኑ ኣሕተምቲ ገሊጾም።

እቶም ኣብዚ ናይ መጀመርታ እዋን ዝተገብረ ናይ ዳዊት ይስሃቕ ጽሑፋት ናብ ሓደ አውሮጳዊ ቋንቋ ምትርጓም ዝተሳተፉ ብሕራይ እዮም ሰሪሖም ድሕሪ ምባል፣ ናይቲ መጽሓፍ መሸጣ ኣታዊ ድማ ንጋዜጠኛ ክኸውን ምዃኑ ብተወሳኺ ኣብሪሆም።

ተርጎምቲ መጽሓፍ
መሓሪ ኣብርሃም & ኣልኣዛር ሓጎስ
ገበር፤ ሳራ ኣር፣ ኣሰዶ
300 ገጽ
ISBN 978-91-85849-46-8
ሕታም መስከረም 2010

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...