እዚ ትንታነ ዜና ብዛዕባ ካብ ውሽጢ ሃገር ብዝመጸ ጸቐጢ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተኻየደሉን ክካየድ ዝምደበሉ ዘለዋ ሃገራት ኢዩ።

በኒን  (The Republic of Benin)

ሃገረ በኒን ኣብዚ እዋን እዚ ከም ኣብ ኣፍሪቃ ከም ሓንቲ ህድእ ዝበለት ደሞክራሲያዊት ሃገር እያ ትፍለጥ ዘላ። ቅድሚ ገለ ዓመታት ግን ኣብ ቁጠባውን ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅልውላው ተሓሚሳ ነበረት። ሓሙሽተ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስትን (1963 ክሳብ 1972) ብድሕሪኡ ድማ ብሰለስተ ፕረሲደንታት (እናተቐያየሩ) ዝካየድ መንግስቲ ነበራ። ቑጠባዊ ቅልውላው ዘስዓቦ ስራሕ ኣልቦነትን ካልእት ሽግራትን ብጥቅምቲ 1972 ኣብቲ ሃገር ናይ መወዳእታ ወተሃደራዊ ዕልዋ ተኸሰተ። እዚ፣ ብመጀር ማትዩ ከረኩ ዝምራሕ መንግስቲ እዚ፣ ኣብ ትሕቲ ማርክሳዊ ለኒናዊ ስነ ሓሳብ እየ ዝኽተል እናበለ ናይ መንግስቲ ቁጠባ ኣብ ሃገር ዘዕዝዝ ምህጋር እናገበረን ክሳብ 1990 ጸንሐ። ምስኡ ግፍዕን ማእሰርቲ ናይ ተጻረርትን እናፈጸመን ኣዝዩ ዲክታተርያዊ ተግባራት እናሰርሐ ንነዊሕ ተጓዕዘ።

ብየካቲት 1990 መራሒ መጀር ማትዩ ከረኩ ባዕሉ፣ ብድሕሪ ንሳምንታት ዝተኻየደ ቁጠባዊ ቅልውላውን ሕዝባዊ ምንዕዓብን (National Conference of Active Forces of the Nation) ብዝብል ስም፣ ሃገራዊ ዋዕላ ጸውዐ። እዚ ብሕዳር 1990 ዝተጋብአ ዋዕላ፣ ናይ ከረኩ ስርዓት ኣብ 17 ዓመታት ዝገበሮ ስጉምትታት ነቐፌታ ዘውርድ ኮነ። ብድሕር'ዚ ሃገራዊ ዋዕላ ብሕዝባዊ ረፈረንደም ዝጸደቐ ሓድሽ ቅዋም ኣብ ግብሪ ኣዋዓለ። እቲ ዋዕላ ከረኩ ስልጣኑ ናብ ሓደ ግዜያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ንኸስረከብ ኣገደዶ። ቀጺሉ እዚ ግዜያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ድማ፣ ብሕዳር 1991 ፕረሲደንታውን ፓርላመንተርያውን ምርጫ ኣካይደ። ብድሕሪ’ዚ “ሲቪላዊ ዕልዋ” ዝተሰየመ ተረኽቦ፣ በኒን ናብ ሓደ ፍልይ ዝበለ ምዕራፍ ኣምርሐት። እዚ ሓደ ካብቲ ዕውታት ሃገራዊ ዋዕላ ተባሂሉ ከም ኣብነት ኣብ ኣፍሪቃ ዝጥቀስ ታሪኽ እዩ።  ዝፈሸለ ሃገራዊ ዋዕላ ዝበሃል ናይ ካመሩን ኢዩ። 

~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
ማዳጋስካር (Madagascar)

ማዳጋስካር ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ትርከብ ኣባል ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝኾነት ሃገር እያ። እዚኣ ካብ ግዝኣት ፈረንሳ ብ1960 ነጻ ዝወጸት ክትከውን እንከላ፣ ካብ 70ታት ክሳብ 1982 ኣቢሉ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብጥሪ 1990 ኣብ ሓደ ፍሉይ ፖለቲካዊ ወጥሪ ኣተወት።

ነዛ ሃገር እዚኣ ኣብዚ ዘብጽሐ ኩነት ብሓጺሩ ክረአ እንከሎ፣ ማዳጋስካር ከም ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ብማሕበርነታዊ ስርዓተ ቑጠባ ትካየድ ነይራ። ብ2006 ብዳግማይ ምርጫ ኣብ ስልጣን ዝደየበ ፕረሲደንት ራቫሎማናና፣ ነዚ ቀይሩ ቁጠባዊ ጎደና ሃገር ናብ ነጻ ዕድጋ ኣምርሐ። እዚ ብሚሊዮናት ዝቑጸር ገንዘብ ናብቲ ሃገር እኳ ኣታዊ እንተገበረ፣ ኣብቲ ነጻነት ናይ ዕዳጋ ዘምጽኦ ማለት ደገፍ ናይ መንግስታዊ ትካላትን ምቁጽጻር ዋጋን - ምስኡ ድማ ናይ ዓለም ባንክ ብዛዕባ ዕዳ ሃገር ዝወሰድዎ ስጉምቲ - ዘስዓቦ ምንቁልቋል መነባብሮ ሕዝብን ምንሃር ዋጋታትን ብፍላይ መግብን ነዳድን - ኣንጻር ፕረሲደንት ዝነበሩ ኣካላት፣ ነዚ ኩነት ብምጥቃም ተቓውሞኡ ኣነሃሃረ።

ብፍላይ ናይ ድቡብ ኮረያ ኩባንያ ደዉ (Daewoo)፣ መሬት ማዳጋስካር ብምክራይ ፋብሪካ ክተክል ምዃኑ ምስተፈልጠ እቲ ተቓውሞ ተጓሃሃረ። ብድሕሪ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ተዂሲ ምኽፋቱ፣ ፕረሲደንታዊ ደገፍ ካብ ወተሃደራት ክዝሕተል ጀመረ። ድሕሪ ገለ እዋን ድማ ንፕረሲደንት ምእዛዝ ኣበዩ።  

እቲ ኣብ ተቓውሞ ዝጸንሐ ራጆሊና፣ ብሕዳር 2007 ከም ከንቲባ ርእሰ ኽተማ ኣናንታሪቮ ድሕሪ ምምራጹ፣ ነዚ ኩነት ተጠቒሙ ንባዕሉ ብዘይ መስርሕ ምርጫ ፕረሲደንት ክገብራ ፈተነ። ኣብዚ ድማ ናይ ሰራዊትን ፈራዲ ኣካልን ዝተናዓዓበ ሕዝብን ደገፍ ረኸበ። ኣብ መንጎኡ ፕረሲደንት ራቫሎማናና ብድሌቱ ካብ ስልጣን ወረደ።

ኣብ መንጎ እዚ ኩሉ ወጥሪ፣ ሰራዊት ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣትዩ ዕልዋ ፈቲኑ ኣብ ዝተባሃለሉ እዋን፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ነዚ ዘይሕጋዊ መስርሕ ኮኒኑ። ምስዚ ኣተሓሒዙ፣ ማዳጋስካር ምርጫ እንተዘይኣካይዳ፣ ኣባልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክሰሓብ እውን ይከኣል እዩ ይበሃል። 

ኣብዚ እዋን እዚ ማዳጋስካር፣ ካብ 30 ነሓሰ ክሳብ 3 መስከረም 2010 ሃገራዊ ዋዕላ ንምክያድ ትዳሎ ኣላ። ቀጺሉ ቅዋማዊ ረፈረንደም ብ17 ሕዳር 2010 ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ። ነዚ ጉዳይ እዚ ሲቪካውያን ካካይድዎ እንከለዉ እቲ መንግስቲ ባዕሉ ይኸፍሎ ኣሎ። ዋዕላ ይኹን ቅዋማዊ ረፈረንደም ብትዕዝብቲ ኣህጉራውያንን ካልኦትን ኣይዕወትን ኢዩ ይበሃል ዘሎ። ወሳኒ ተራ ከንቲባ ራጆሊና ኣብ መስርሕ ምርጫ ምእታው ክኸውን እንከሎ፣ ቅዋም ክልውጥ እየ እውን ይብል ኣሎ።

ከምቲ ኣብ ዜና ኣቐዲሙ ዝወጸ፣ እዚ ኣብ ማፑቱ ሞዞምቢክ በቶም ኣርባዕተ መራሕቲ ማዳጋስካር ዝተበጽሐን፣ ድሕሪ ምፍራሙ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሳኺ ዓንቀጽ ዝተገበረሉ ስምምዕ፣ ክሳብ ሎሚ ነቲ ቅልውላው ክፈትሖ ከምዘይከኣለ ይዝከር።

~~~~~~~~~~~~~~~~

 ሃገራዊ ዋዕላ ብዛዕባ መስርሕ ደሞክራሲ ኢዩ።

ኣብዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ሰለስተ ሃገራት ዝተጋብአ ዋዕላታት (National Conferences) ዘረድእ፣ ኣብዘን ሃገራት ኣዚኣተን፣ ዝሰርሓ ትካላትን መሰረታዊ ህይወት ናይ ኣህዛብ ኣይበረሰን። ጋዜጣታት ኣለዋ፤ ፖለተካዊ ሰልፍታት ኣለዋ፤ ጡረታን ናይ ነጻ ዕድጋ ባይታን ኣሎ። ንተጻረርቲ ምእሳርን መሰል ምግፋፍ እውን እንተሎ፣ ብውልቀን ብናይ ምግባት ስልጣን ድሌት ዝካየድ እዩ ክህልወን ዝኽእል። እምበር ከምዚ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ፣ ንነጻነት ሃገር ካብቲ ዋጋ ዝኸፈለ ሕዝቢ ጨዊኻ፣ ፍጹም ምጥፋእ ትካላታን ሕጋዊ ኣሰራርሓን፣ ምግሃስ መሰላት ዜጋታትን ዘለዋ፤ ብተወሳኺ ንማህጸን ኤርትራዊት ኣደ፣ ከም ማእቶታዊ ኣቕሓ ተጠቒምካ፣ ባሮት ኣፈልፊልካ፣ ነጻ ጉልበት (እንተተኸፊሉ ዝበዝሐ ወጻኢ ናይ ማእቶት ዝኾነ) ንመስርሒ ድልድላትን ሕርሻን መንገድታትን “ህንጸት” ሃገርን ቪላ ህ.ግ.ደ.ፋ.ውያን ውጺኢት ምስ እትገብር ሃገር ዝወዳደራ ኣይኮናን። 

ኣብ ኤርትራ፣ ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ስነ ሓሳባዊ፣ ነጻ ናይ ሓሳባን ጽሕፈትን መሰል፣ የልቦን። ፍጹም ቁጽጽር ናይ ህይወት ሃገርን ሕዝብን ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ናይ ዜጋታት ምእካብን፣ መሰል ምዕቃብ ህይወትን፣ ነጻ ምርጫን፣ ቁጽጽር ሃገርን መንግስቲ ኣብ ዜጋታት ድኣምበር፣ ኣብ ምልኪን ስርዓትን ሓደ ሰብን ጉጅልኡን ክኸውን የብሉን ምባል መሰረታዊ መትከል ኢዩ። ስርዓት ኤርትራ፣ ብተራ ግፍዒ ዝበሃል ገበን ጥራሕ  ዘይኮነስ፣ ክሳብ ምጻናት ናይ ሓደ ህዝቢ ዘይኮነስ ናይ ኣህዛብ ኤርትራ ዝሕተት ስርዓት ኢዩ። 

እዚ ትንታነ ዜና እዚ ዝወጽእ ዘሎ፣  እቶም ናብ ዲክተተርነት እናሰጎሙ ዝጸንሑ ዘለዉ ስርዓታት እውን ምእንቲ ክነብሩ ናብ ደሞክርሲያዊ መስርሕ እናተጓዕዙ እዮም ዘለዉ ንምባል ኢዩ። ፈትዮም ድዮም ኣይፈትዮምን ካልእ ሕቶ እዩ። ናይ 21 ክፍለ ዘመን ዓለም ግን፣ ግፍዕን ጭፍለቓን ምስኡ ድማ ኣብ ዘይምልከተካ ሃገራትን ጉዳይን ጣልቃ እናኣተኻ መልሰ ግብሪ ክመጸካ ዘይምሕሳብ ዘኸትሎ ሳዕቤን፣ እዚ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ኩነት ኢዩ። ስርዓት ኤርትራ ብሓደ መገሎማንያ ዘለዎ ርእሲ ተመሪሑ ኣብ ሶማል፣ ኢትዮጵያ፣ የመን፣ ሩዋንዳ፣ ኮንጎ፣ ከይተረፈ ጣልቃ ብምእታውን ብሳዕቤናቱን ዝሕተት ኢዩ።

ቀጺሉ ካብ ሃገር ወጻኢ ዝተኻየደ ናይ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብነታት ክቐርብ ኢዩ። ሃገራዊ ዋዕላን ውጺኢቱን ኣብ ናይቲ ሕዝቢ ኩነትን፣ ናይ ጎረባብቲ ሃገራት ንጹር ኣሰራርሓን ኣግባብን፣ ናይ ፖለቲካዊን ግዜያውን ኩነታት ኢዩ ዝምርኲስ።

ኣዝማሪኖ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...