ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ፤ እዚ ስዒቡ ቀሪቡ ዘሎ መደረ ኣብ መዛዘሚ በዓል ናይቲ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 9 ነሓሰ ዝተኻየደ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ፣ ኣብ ሆተል ክራዉን ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተገብረ ናይ ድራር እንግዶትን ባህላዊ ምሸትን፣ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓላፊ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ. ዝኾነ  ኣቶ ሙኽታር  ከድር  ዘስምዖ መደረ ትርጉም እዩ።

 

 

ዝኸበርኩም ተወከልቲ ዉድባት ፖለቲካ ኤርትራ፤
ዝኸበርኩም ተወከልቲ ኤርትራዉያን ህዝባዉያን ማሕበራት፤
ዝኸበርኩም ተወከልቲ ናይ ዝተፈላለየ ሕብረተሰብ ኤርትራ፤
ዝኸበርኩም ተወከልቲን ዕዱማት ዓበይቲ ዓድን ኣጋይሽን፤
ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ ናይዚ ታሪኻዊ ዋዕላ፤

ክቡራንን ክቡራትን፤

ኣቐዲመ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት መዓልታት መጻኢ ዕድል ሃገርኩም ብዝምልከት ዝመኸርኩሙሉን ዝተዛተኹሙሉን ታሪኻዊ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ብኣዝዩ ዕዉት መንገዲ ክትዛዝሙ ብምብቃዕኩም ዝተሰማዓኒ ሓጎስ ብስመይን ብስም ፈጻሚት ሽማግለ ናይ ኢትዮጵያ ህዝብታት ወያናይ ደሞክራሲያዊ ግንባር (ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ.) ክገልጸልኩም ይፈቱ።

ኣብዚ ዋዕላ ብዛካየድክሞ ጽዑቕ ዘተ ህልዉ ኩነታት ኤርትራ ብዝግባእ ገምጊኩሞ ኣሎኹም። ኣብ ሃገርኩም ስርዓት ህግደፍ ዘኸተሎ ዘሎ መገዲ ግፍዕን መከራን ብምዉጋድ፡ ህዝቢ ኤርትራ ተጠቃሚ ደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላቱን ምእንቲ ክኸዉን፡ ኩሎም ሓይልታት ፖለቲካን ኮነ ካልኦት ሰብ ብጽሒት ዝኾኑ ኤርትራዉያን ወገናት ብዛዕባ ክኽተልዎ ዝግባእ ሃገራዊ ጉዕዞ ንምቕያስ ዘኽእለኩም ሓባራዊ ምርድዳእ ክትፈጥሩ በቒዕኩም ኣሎኹም። ስለዚ ዋዕላኹም ነዚ ብዓይነቱ ናይ መጀመሪያ ዝኾነ ሃገራዊ ምርድዳእ ዝፈጠረን፡ ኩሉ ኤርትራዊ ሓይሊ ንሓባራዊ ዕላማ ኣብ ሓደ ከም ዝስለፍን ዝጥርነፍን ብምግባሩ ታሪኻዊ እዩ፡፡ ኣብዚ ታሪኻዊ መድረኽ ብዘካየድክሞ ዘይተሓለለ ቃልሲ ኣብ ዓወት ምብቃዕኩም ድማ እንቋዕ ሓጎሰኩም ክብል እፈቱ፡፡

እዚ ዋዕላ ብስሉጥ መገዲ ምዝዛም ሓደ ዓቢ ዓወት ምኻኑ በቲ ሓደ ፡ መፈለምታ ንመጻኢ ናይ ዝግበሩ ዓበይቲ ጉዳያት ምዃኑ ኸኣ በቲ ካልእ ምኻኑ ኩሉኹም ትግንዘብዎ እዩ፡፡ ብመሰረት እዚ ኸኣ ኣብዚ ዋዕላ ብዝበጻሕክሞም መደምደምታት ናብ ዝተጨበጠ ተግባር እተካይድሉ ሓድሽ ምዕራፍ በጺሕኩም ኣሎኹም። ተሰኪምኩሞ ዘሎኹም ሓላፍነትን ህዝቢ ኤርትራ ኣባኹም ኣሕዲርዎ ዘሎዎ ተስፋን ኣዝዩ ዓቢ እዩ፡፡

እዚ ተሰኪምኩሞ ዘሎኹም ሓላፍነት ብክብ ዝበለ ሃገራዊ ስምዒት ምእንቲ ከተተግብርዎ ካብ ጽባሕ ጀሚርኩም ብቆራጽነት ክትንቀሳቐሱ ኸኣ ትጽቢት ይግበረልኩም። በዚ ምኽንያት ኣብዚ ቅንያት ዝፈጠርክሞ ምርድዳእን ዝመስረትኩሞ ኮምሽንን ነዚ ዕላማ ንምዕዋት መበገሲ ከምዝኸዉን ጽኑዕ እምነት ኣሎኒ።

ዋዕላኹም ነቲ ብዝላዓለ ናህሪ ካብ ህዝቢ ኤርትራ እንዳተነጸለ ይኸይድ ንዘሎ ስርዓት ህግደፍ ብደሞክራሲያዊ መንገዲ ንምትካእ ዘኽእለኩም መስመር ኣብ ልዕሊ ምንጻርኩም፡ ነዚ መስርሕ ንምምራሕ ዘኽእል ሃገራዊ ራእይ ዘሎዎ ኣካል ንምምስራት ዝበጻሕኩሞ ሓባራዊ ስምምዕ ቅኑዕ እዩ ኢልና ንኣምን። ዉሳነታት ዋዕላኹም ኣብ ግብሪ ንምዉዓል ንመጻኢ ከተካይድዎ ወጢንኩሞ ዘሎኹም ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ መዓልብኡ ከምእተብጽሕዎ፡ ኣብዚ ዋዕላ ብዘርኣኽሞ ሓላፍነታዊ ስምዒትን መንፈስ ናይ ዕላማ ጽንዓት እኹል ምስክርነት እዩ።

ክቡራንን ክቡራትን፤
 
ናይ ኢትዮጵያ ህዝብታት ወያናይ ደሞክራሲያዊ ግንባር (ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ.) ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘሎዎ ሕዉነታዊ ኣረኣእያ ብምብጋስ፡ ከምኡ እዉን ኤርትራ ዝህልዋ ሰላምን ምዕባለን ንኽልቲኡ ሃገራት ብዝህልዎ ሓባራዊ ረብሓ ብምግንዛብ፡ ኣብ ቀጻሊ ተግባራትኩም ንምዕዋት ኣብ እትገብርዎ ምንቅስቓስ ኣብ ጎድንኩም ደው ኢልና ኩሉ ዘድሊ ደገፍን ምትሕብባርን ከምእንገብረልኩም በዚ ኣጋጣሚ ከረጋግጸልኩም እፈቱ።

በዚ ጀሚርኩሞ ዘሎኹም ቅኑዕ መስመር መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎድንኹም ኣዕሲልኩም ሃገርኩም ናብ ጎደና ደሞክራስን ልምዓትን ከምእትመርሕዋ ተስፋና ዓቢ እዩ፡፡ ነዚ ከቢድ ሃገራዊ ሓላፍነት ንምዕዋት ኣብዚ ዋዕላ ዝጀመርክሞ ደሞክራሲያዊ ዝኾነ ናይ ዘተ መንፈስን ሓባራዊ ዕላማን ዘቐደመ ቅዱስ ተግባር ኣደልዲልኩም ክትቅጽልዎ ሓደራ ንብለኩም፡፡

ኣብ መወዳእታ ዋዕላኹም ንኽዕወት ዝላዓለ ተራ ንዘበርከቱ ወገናት ምስጋናና እንዳቕረብና፡ ቀጻሊ ናይ ቃልሲ ግዜ ኣሳልጦን ሃገራዊ ዓወትን ክኽዉን ንምነየልኩም፡፡

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማዕታት!
ሕዉነታዊ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ይደልድል!
ዓወት ንሓይልታት ደሞክራሲ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...