Italian Red Cross doctors give first aid to one of five would-be immigrants at Lampedusa harbor in southern Italy, 20 Aug 2009እቶም ዝተረፉ 5 ብናይ ጥልያን ናይ ባሕሪ ሓይሊ ዲሒኖም ናይ ሕክምና ክንክን ይግበረሎም ኣሎ ክብሉ ሰለስተ ናይ ዜና ማዕከናት ቢቢሲ፡ ኣንሳ.ኢትን ኤርዝ ሓቢረሮም። እዚኣቶም ብሓደ ጀልባ መሳሊ ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ክጓዓዙ እንከለዉ እዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ ይብሉ እቶም ጸብጸባት። ናይ ጥልያን ናይ ባሕሪ ሐለዋ ነቶም ውጻእ መዓት ዝኾኑ ሓሙሽተ ኤርትራውያን (ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ሓደ ቆልዓን ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮን) ኣብ መንጎ ማልታን ላምፓዱዛን ዝርከብ ማያት ከንሳፍፉ እንከለዉ እዮም ረኺቦሞም። እዚእቶም ሰለስተ ቕነ ይገብር ካብ ሊብያ ምስነቐሉ መግብን ማይን በንዚናን ብምስኣኖም ኣብ ሽግር ከምዝወደቑ ነጊሮም።

እዚ ቐጻሊ ብዘይ ዘይሕጋዊ ኣገባብ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ዝካየድ ናይ ሰባት ምምልላስ ሸቐጥ ደው ምእንቲ ከብሉ ናይ ሊብያን ጥልያንን ሓይሊ ባሕሪ ንባሕሪ መዲተራንያን ኣብዚ ዓመት መጀመርታ ምክትታትል ይገብሩ ኔሮም። 

እቶም ዝተረፉ ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ብጾቶም ብዙሓት ማይ ባሕሪ ምስሰትዩ ከምዝሞቱን ሬሳኦም ድማ ናብ ባሕሪ ከምዝተሰንደወ ገሊጾም። ናይ ጥልያን ፖሊስ ነዚ ነገር ኣሻብኡ እኳ ከረጋግጽዎ እንተዘይከኣሉ ክእመን ዝከኣል ነገር ምዃኑ ሓቢሮም። እዚ ከምዚ ዓይነት ናይ ሰብ ህይወት ምጥፋእ ብቐጻሊ ዝርእ ነገር እዩ ይብሉ እቶም ምንጭታት።

መንግስቲ ጥልያን ኣብዚ ቐረባ እዋን ናብ ሃገራ ምእታው ብማእሰርትን መቕጻዕትን ድሕሪኡ እውን ናብ ምጥራዝ ዘብጽሕ ዘይሕጋዊ ገበን እኳ እንተገበረቶ ነቲ ቐጻሊ ዋሕዚ ስደተኛታት ጠጠው ከትብሎ ኣይከኣለትን።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃውያን ጌና ናብ ኤውሮጳ ንምምጻእ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ግደኦም ይጽበዩ ከምዘለዉ ይሕበር።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...