ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ስራሕ ዑደት ኣብ ምፍጻም እትርከብ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሂላሪ ክሊንተን፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣሉታዊ ንጥፈታቱ ከቋርጽ ኣሰሚዓትሉ።

ንሳ ሎሚ ሓሙስ 6 ነሓሰ 2009 ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ብጋዜጣዊ ዋዕላ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ነቲ ኣብ ሶማል ህውከትን ዘይምርግጋእን ዝፈጥር ዘሎ ናይ ኣልቃዒዳ ጽልዋን ላሕኲን ከምዘለዎ ዝፍለጥ “ኣል ሸባብ’’ ዘዕጥቑን ዝድግፉን ዘለዉ ሰበስልጣን ኤርትራ፡ ካብ ተግባራቶም ክቁጠቡ ከምዘተሓሳሰበት፡ ዓለማዊ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን። “ምስናይ ኣኽብሮቱ፡ ኤርትራ ካብቲ ዘይቅቡል ተግባራታ ክትቁጠብ ብንጹር ንሕብር። እንተደኣ ነቲ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ዓንቂ ተግባራት ደው ዘየቢሎሞ ግን፡ ስጉምቲ ክንወስድ ክንግደድ ኢና’’ ከምዝበለት እውን መርበብ ሲ.ኤን.ኤን ገሊጹ።

ሂላሪ ክሊንተን፡ በዓልቤታ ፕረሲደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት 1997 ኣብ ኤርትራ ዑደት “ጽቡቕ ባህጊ’’  (goodwill) ኣካይዳ ምንባራ ዝዝከር ኢዩ። ሽዑ ሂላሪ ክሊንተን፡ ኣብ መቓብር ስዉኣት በጺሓ፡ ገርብ ተኺላ፡ ናብ ገጠራት ከይዳ ሓረስቶት ኣዘራሪባ፡ ኣብ ናይ ፖሊዮ ክታበት ዝካየደሉን ካልእ ማእከል ጥዕናን በጺሓ፡ ምስ ኣብ ዝተፈላለየ ሞያታት ተዋፊረን ዝነበራ ደቀንስትዮ ተራኺባ ምዝርራባ ኣይርሳዕን። ብሓፈሻ ኤርትራ ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጽቡቕ ዝምድና ከምዝነበራ እውን ይዝከር። እንተኾነ፡ ስርዓት ህግደፍ ብፍላይ ድሕሪ መስከረም 2001 ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክወስዶ ብዝጀመረ ግሁድ ከበድቲ ዓመጻት፡ ሓቀኛ ባህርያቱ እናተጋልሀ ጸረዲሞክራሲን ረጋጺ መሰል ሰብን ምዃኑ እናተኸሽሐ ምስምምጽኡ ዘስዓቦ ናይ ኣይትሓዙኒ ሸንዳሕዳሕን ዘለፋታትን፡ እቲ ዝምድና እናሻሕከረ ክመጽእ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ብኣውርኡ ኣብዚ እዋን ብዝፍጽሞ ዘሎ ሓደገኛ ንጥፈታት፡ ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ዓለም ተፈንፊኑን ተኻዒቡን ይርከብ። ስለ’ዚ ድማ ዝውሰዶ ስጉምቲ ቀሊል ኪኸውን ከምዘይክእል ተንተንቲ ይእምቱ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...