ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ 2000ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ድምጺ ሓፋሽ ጨንፈር ትግርኛን ኣብ ሬድዮ ዛራን ከም ሪፖርተርን ኣቕራቢን(reporter and presenter)፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ድማ ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ ከም ሓላፊ ኣሃዱ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣማኑኤል ግርማይ፡ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሑ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ።

ንሱ፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊት ስድራቤት ብሰንኪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ግዚኡን ዕድሚኡን ተመንዚዑ ኣጎላጉል ዝተረፈ መንእሰይ ተፈጢሩ ምህላዉ፡ ምስ ሬድዮ ድምጺ ወጋሕታ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ኣብሪሁ። ምስ’ዚ ብምትሕሓዝ ኣማኑኤል፡ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ኣብዘይውዳእ ግዱድ ኣገልግሎት ብምቑራኑ ስድራቤት ክምስርት ስለዘይክእል፡ ኣብ ፍኑው ጾታዊርክብን ብሓላፍነት ክዓብዩ ዘይክእሉ ውላድ ኣብ ምምጻእን ኣትዩ ኣብ ዘይብሩህ መጻኢ ከምዝርከብ፡ ብሓፈሻ ዝኸፍአ ማሕበራዊ ሕሰም የሕልፍ ከምዘሎ፡ ስለዚ ድማ ንስደት ከምዝሓሸ ኣማራጺ ክወስዶ ከምዝግደድ ኣፍሊጡ።

ንጉዳይ ትምህርቲ ብዝምልከት ኣብዝሃቦ ሓበሬታ ድማ ኣማኑኤል፡“ትምህርቲ የለን ምባል ኢዩ ዝቐልል። እቲ ንስርዓተ ምምሃርን ምስትምሃርን ዘቖመ መምህር ንገዛእ ርእሱ ግዳይ ናይ ኩሉ ማሕበራዊ ጸገማት ኮይኑ ስለዘሎ፡ ካሪክለም ስለዝሓንጸጽካ ወይ ጠዋሉ ዘለዎ ኣብያተ ትምህርቲ ስለዘሎ፡ ትምህርቲ ኣሎ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን’’ ኢሉ።

ኣስዒቡ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ግርማይ ብዛዕባ ጥዕናዊ ጉዳያት፡“ዘይተሓጎሰ ሕብረተሰብ፡ ሞራሉ ዝተተንከፈ ሰብ ናይ ግድን ኢዩ ንሕማማት ክቃላዕ’’ ድሕሪ ምባሉ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኤርትራ ሕጽረት መድሃኒታት ዋላ’ውን ከም ፈውሲ ቃንዛ፡ ሰዓልን ዝኣመሰለን እውን ብቐሊሉ ከምዘይርከብ ገሊጹ።

“SERVING THE TRUTH’’ ኣንጻር ናይ’ቲ ሚኒስትሪ ዜና ስርዓት ህግደፍ ዝምረሓሉ መትከል ምዃኑ ዝጠቐሰ መንእሰይ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ግርማይ፡ ቀንዲ ስትራተጂ ናይ’ቲ ሚኒስትሪ፡ ንህዝቢ ምትላልን ካብ ህልው ኩነታት ሃገርና ወጻኢ ብምህውታት ኣቓልቦ ምጥምዛዝን ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ኣስዒቡ ድማ ሚኒስትሪ ዜና ንሓቂ ዘገልግል እንተዝነብር፡ ብዛዕባ ቅዋምን መሰልን፡ ሕቶ መሬትን ኣባይትን፡ ምፍናው ካብ ሰራዊት፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሃገር ክዛረብ ይግብኦ ከምዝነበረ፡ እዚ ግን ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ ክትግበርሲ ይትረፍ ዝሕሰብ’ውን ከምዘይኮነ ገሊጹ። እቲ ኣምልኾ ኣብ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ክፈጥር ዝጽዕር ሕሱር ማዕከን ፕሮፖጋንዳ፡ ሕሉፍሓሊፉ እውን ምርጫ ኣብ ዝተገብረለን ብመትከል ዲሞክራሲ ዝምርሓ ገለ ሃገራት ንዝተፈጥረ ንቡር ናይ ምስሕሓብ ተርእዮታት ከም ሕማቕ ኣብነት ብምውሳድ፡ ምርጫን ዲሞክራሲን ኣድላይነት ከምዘይብሉ፡ እኳ ደኣ ሓደገኛ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንህዝቢ ኣፈራሪሑ ከደናግር ከምዝፍትን እውን ኣብነታት ብምቕራብ ኣነጺሩ።

እቲ ንህዝቢ ኣጥምዩን ኣንበርኪኹን ክገዝእ ዝሕልን ህግደፍ፡ ነቲ ፈውሲ ግስም ዝኸውን ቁሩብቁራቦ ዝዕድለሉ ኩፖን ከም መስገደዲ ንኣኼባታትን ካልእ ድሌታቱን ከምዝጥቀመሉ፡ ኣብነትታት ብምጥቃስ ኣብሪሁ።

ኣብ መወዳእታ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ግርማይ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝኾነይኹን እዋን ንላዕሊ ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ከምዝርከብ ብምጥቃስ፡ ሃገር ብዘይመሰልን ብዘይህዝቢን ሃገር ከምዘይኮነት ብምዝኽኻር፡ ነቲ ደላይ ሰላም ህዝቢ ኤርትራ ራህዋ፡ ነቲ ኣብ ባርነት ዝርከብ መንእሰይ ኤርትራ ድማ እግዚኣብሄር መዋጽኦ ክፈጥረሉ ተመንዩ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...