ኣውሊዐይ ናበይ ከይዳ?

እታ እንኮ ሓላፍነታ ኣብ ማእከል ባንዴራና ምህላው ዝኾነ ቆጽሊ ኣውሊዐይ፡ ቅንያቱ ንስራሕ ከም ዘይተቐልቀለት ተፈሊጡ። ሃገራዊ ግቡኣ ጠንጢና ብስግረዶብ ተሸሪባ ከይትኸውን ይጥርጠር።

ኣውሊዐይ ንኹላቶም ባእታታት ባንዴራ ኤርትራ ትቕድሞም እያ፣ ብግድምና ። እቶም ካብ ፈለማ 1950ታት ጀሚሮም ዝፈልጥዋ ከምዚ ናይ ሎሚ ብጫ ካይኮነት'ዮም ዝዝክርዋ።

ሓደ ርብዒ መርየት ሓደ ርብዒ ባሕሪ፡
ክንዲ ክልቲኡ ዝከውን ዝፈሰሰ ደም።

ወግዓዊ መዝገባት መንግስቲ ኤርትራ ንጉዳይ ምቅይያር ሕብሪ ኣውሊዐይ ኣመልኪቶም ዝህብዎ መብርሂ የልቦን፡ ይኹን ምበር ገለገለ ሰባት ሕብራ ዝቐየረት ኣንጻር ውልቀመላኽነት ተቓውሞ'ዩ ዝብሉ ኣለው (ኣነ)። ብምረት'ያ ቐምሲላ እምበር ሕብራ ኣይቀየረትን ዝብሉ ውን ኣለዉ። እዚ ኾይኑ እቲ፡ ኣውሊዐይ ነዚ ሎሚ ዝቐምሰለ ተስፋ ኤርትራውያን ብግቡእ ትለብሶ።

ሓንሳብ ሓንሳብ ባንዴራና ትንቢታዊ መልእኽቲ ዝሓዘለት ኮይኑ ይስመዓኒ። ከምቲ ኣብ እዋን ስትራተጂካዊ ምዝላቕ፡ ኣብ 70ታት ኮይኖም ንናጽነት ዝተነበይዎ፡ ከምኡ ደኣ ኣብ 90ታት ኮይኖም ንሎሚ ተነብዮምልና ከይኮኑ? ሓደ ርብዒ ቆጽለዋይ (ሕርሻዊ መርየት)፡ ሓደ ርብዒ ሰመያዊ (ባሕሪና)፡ ክንዲ ክልቲኡ ዝኸውን ድማ ቀይሕ ፍሳስ ደም ኤርትራውያን።

ወረ እቲ ቆጽለዋይ ሕብራሲ፡ እቲ ኩሉ ኤርትራዊ ዝምነዮ ልሙዕ መርየት ኤውሮጳ ደኣ ኸይከውን? እቲ ሰመያዊ ከኣ ነቲ ናብ ልሙዕ መርየት ክንበጽሕ ክንሰግሮ ዘሎና ባሕሪ መመልከተ። ኣብ ፈተነ ስግረዶብ ዝፈሰሰ ደም ውን ኣይወሓደን። ተነብዮምልና ብሓቂ።

ወግዓዊ ባንዴራ ኤርትራ (ካብ ፋይል)