ከም ብርሃን ወጋሕታ ኮኾብ ጽባሕ

ውነኺ ዝብለኒ ወቓሕ-ወቓሕ

ቀልበይ ተንፍርያ ከም’ዛ ቆቛሕ፡

ንኣኺ ፈሊጠስ

ብጸሓይ ክውቃዕ ... ብኢደይ እሙቋሕ።

ብማዕዶ ክጽብጽብ በይነይ ከድንቐኪ

ከይነውሕ መዓልቲ፡

ጸጋ ኽብለኪ’የ ... ልበይ ክህበኪ

ክጽበየኪ’የ ክትከፍትለይ ናትኪ።

ናይ ወራዙት’ዩ ምስምማዕ

ዓቢ ጥበብ’ዩ ንግሆ ምንቃሕ።

ኣይፍለጥን ግን

ምስ ብዙሕ ምርቓቕ ... ዘሎ ምርሕሓቕ፡

ምሒር ምስ ምጥንቃቕ ... ዝስዕብ ምዝንጋዕ፡

እርጋን’ዩ ዝጽጋዕ ... ግርማ’ዩ ዝፍንጣሕ።

ጸጋየ ወይኖ መኣስ ትስሕትዮ

 ንእስነት ምቁር’ዩ .. ኩሉ ዝምነዮ።

እንተ ሓንጊዱ ግን ... ሰሓቕ ተኸዲኑ

ሓያል ውዥ’ዩ ... ዝብርቁቕ ደዓሩ።

ይኹን ደኣ’ምበረይ .. ጸጋየ ናተይ

ናባኺ ከይፈስስ ... መስኖ ክጸርገሉ

ንኣይ ግደፍለይ... ባዕለይ ኣለኹሉ።

ህ’ሞ በሊ ጸጋ

ሚዛን ስኢነሉ እዚ ናትኪ ዋጋ።

ድምጽኺ ንምስማዕ ... ስምኪ ንምጽዋዕ

በይነይ ክመጣላዕ

ብዘይረአ ስላዕ ... ካብ ዝርዕራዕ፡

ባዕለይ ንኽቕጻዕ

ንኣኺ ዝረአት ዓይነይ ት’ጻእ።

ከይኸውን ፍርደይ

ኣስተባህልለይ ... ኣመት ግበርለይ።

ፍቕሪ ቀበዝበዝ’ዩ ... ቀዘውዘው ኣመሉ

ቆጸራ ዘይፈልጥ ... ሃንደበት’ዩ ሓይሉ።

ድሎ-በል ከይበለ ... ኣዘንግዕ ኣቢሉ

ዓትዒቱ እንተ ሒዙ ... ነዊሕ’ዩ መዘዙ።

ሕያዋይ መሲሉ

ፍሽኽታ ለቢሱ ... ስኑ እንተ ነኺሱ

ቀላጽም ዘደንዝዝ ... በሊሕ’ዩ ጥርዙ።

ከም በርቂ ናይ ሓምለ ... ምስ ደበና ኾይኑ

ብልጭ እንተጀሚሩ

ቀረባ ይመስል ... ኣብ ጠረር ሰፋሩ።

እንተ ብሓቂ ግን

ከም’ዛ ጸሓይ በርቂ፡

መዳፍዕ ወንጪፍካ ዘይብጻሕ

ከም ዑፋን ገደና ዘይቕቃሕ

ከም መሸላ ኾደን ዘይስጣሕ

ዕዳጋ ወሪድካ ዘይልቃሕ

ብቆቛዊት ደርሆ ዘይጭጫሕ

ቀመም’ዩ መቐረት ...  ናብራ ንምጥጣሕ።

ጸጋየ ወይኖ

ጻዕዳ ኽብለኪ’የ ሓሪጭ ፊኖ

ሽሻይ ናይ ክረምቲ ብርነሃዮ

መኣዲ ናይ ፍቕሪ ከም ኣጅቦ

ጥዑም ክንብሎ’ዩ ... ኣነ ዝምነዮ።

ስጋኺ’ለ ጸጋ ... እታ ኣነ ዝብህጋ፡

ዓዳ እንተርሒቑ ... ምጽባይ ነዊሑ፡

ንፋስ ሃሪሙዋ ... ከይዓስሉዋ ቃርማ፡

ካብ ከብደይ ቀንጢበ ... ከም ክታብ ጠቕሊለ፡

ክብገስ’የ ኣነ ንታቦት ክህባ

ምስ ዕጣን ኣትኪኹ ንሰማይ ከዕርጋ።

ኣብ’ቲ ላዕላይ ሃገር  ሰፈርኩሉ

ወለ’ዝጊ’ሎ ባዕሉ...ኣብ ዙፋኑ ኮይኑ

ሕድሪ ተቐቢሉ፡  ኣብ ገነት ክዓቝራ

ምስ ናይ ጽባሕ ዕድል ... ጠሚሩ ክኣስራ።

ምሳኺ’የ ጸጋ

ሓሳበይ ፈሊጥኪ ...ንቐሊ’ሞ’ንጊህኪ

ሃብኒ’ታ ኢድኪ ... ሓቂ ክምሕለልኪ።

ዛ’ኣነ ዝብለኪ ...ንኣይ ተ’ሰሚዕኪ

ም’ዓልኪ ምሕዳርኪ ... ምሳይ ክወስደኪ

ኣብ’ታ ንእደይ ናተይ ማእሲ ከንጽፈልኪ

ሕሹኽ ክትብልኒ ... ኣብ’ዛ ጎድነይ ኮንኪ።

ብኡነት ዝብለኪ

እዚኣ እንተጌርኪ

ገነት’ያ ሰፈርኪ።

እንተደንጎኺ ግን

እዝግዮ ክብል’የ ..... ምሳሕ ማርያም 

በቲ ሕጓ ኾንኪ ... ክትብልለይ እምባሕ

ክጽበየኪ’የ፡ ካብ ጽባሕ ናብ ጽባሕ

ኣይክድቅስን’የ ... ወላ ሩሐይ ት’ጻእ።

ሽሻይ ኢኺ ጸጋ ... ናይ ቀውዒ ንዳእቲ

ሰዊት’ኺ ለምዒ ... ሸኻ ለምለም-ሰቲ።

ብሕልሚ ብጋህዲ .. ብቐትሪ ምስ ለይቲ

እዛ ቅርኒብ ዓይነይ ... ፈርፈር እትብለኒ

ናይ ብሓቃ ድያ ተስፋ ክትህበኒ

ሽግረይ ፈሊጣስ ተጸናንዓኒ።

ዋይ ኣነ ኣማኒ ከይተፈለጠኒ

ኣብ’ዛ ኡንኮ ነብሰይ እምነት ውሒዱኒ።

ካብ’ዚ ኹሉ መዘዝ ቁሩብ እንተሓሸኒ፡

ከም’ዛ ዘማዕደኹ ሓዳስ ፍታሕ

ቦታ ክቐያይር ዘይውዳእ

ብጸልማት ብብርሃን ደገ ም’ጻእ፡

ንልበይ ሃዊጹስ .. ጨጓራይ መሊጡ

ጸጉረይ ኣህጒጉዎ፡ ኣብ ርእሰይ ዓሪዱ።

መሬት ምስ መሰየ ... ኣዕበድቢዱ

ናብ ስደት ኣንቂዱ

ልዋም ይኸልኣኒ ንታሕቲ ኣውሪዱ

ዕድለይ ለሚሱ ናይ ሰብ ኢድ የማዕዱ።

ብምስራቕ ብምዕራብ ... ብሰሜን ብደቡብ

ምስለይ ተለጢፉ

መሰለይ ጠፊኡ

እንዳ ጸሊም ጻዕዳ፡ መስተዪ ቡን ኮይኑ

ብልሓቱ ዘይፍለጥ ... እንታ’እዩ ጉዱ

እዋን’ዩ ሓንጊዱ።

ደጊም ይኣኽለኒ ... ሓሳብ ምኩምሳዕ

ጸጋ ክብለክ’የ እናናሳዕ

ባህገይ ንእሽቶ’ዩ ሓዳር ም’ጻእ

ፍቕሪ ምስ ነገሰ .... ጋማ ምእሳር

ኣብ’ቲ ገበላና ደስታ ምዕሳል

ኮቦሮ ጸሊኻ ምስርሳር

ስድራቤት ከውግዑ፡ ምጽንጻን

ናይ’ተን ሰብ ነጸላ፡ ዕልል ምስማዕ

መጋርያ ኸቢብካ ናይ ቡን ዕላል

ምስ’ቶም መሳቱየይ ምስሓቕ ምዝላል

ጽጋብ’ዩ ባህገይ ጥዑም ብላዕ።

ጸጋ ኩሕለይቲ ... ወረ ክህበኪ

ከም’ዞም ከዋኽብቲ ... ኣብ ሰማይ ዓንደርቲ

ከም’ቶም ደቂ ባሕሪ ... ዓሳታት ሓምበስቲ

ከም’ቲ ናየ’ጻምእ ... ተመን ተወርዋሪ

ርሑቕ ሰፊሩ’ምበር፡

ይረኣየኒ’ዩ ... ገምገም ባሕሪ ዘሎ

ጸሓይ ናይ ገርግሱም ... ምሳኺ ክጽሎ።

ሑጻ ተዓቢጥካስ ... መድሓኒት’ወ’ሎ።

ንሕማም ቅርጥማት ... ሓኪም ዘይኽእሎ

ከኒና ዘይደሊ ... መርፍእ ዘይደፍሮ።

ናይ ሂወት ሙቐት’ዩ

ፈውሲ እርጋን ዕብየት

እዝጊ ዝፈጠሮ ... ገንዘብ ዘይክፈሎ።

እንታይ’ሞ እንታይ’ሞ

ንኣዳም ክገርሞ

ግራተይ ቃዲሩ፡ መሬት ባዶ’ኸሎ

ንቡር ዘይፍተኖ

ሓዳር ዘየውጽእ ... ገለ ወሪዱ’ሎ።

ጭራሽ ዝገርመኒ ... ም’ሓጥ ዝኣብየኒ፡

ቁምጣ ስረይ ከምዝጸበበኒ

ሽወሽ ስረይ ከምዝሓጸረኒ

ወሰን ወሰን ኮለል ዘብለኒ

ዘይፈልጦ’ምበር ... ገለ ለጊቡኒ።

ስምዕኒ’ሞ ጸጋ እመንኒ

ቁልቁለት ዘይኮነ ለሚጹኒ

ዓቐበት ዘይኮነ ተሪሩኒ

ዕምብረ ዘይኮነ ሸፊኑኒ

ከም ንፋስ ናይ ቢዘን ዝሓቑነኒ

ሓሳባት ናይ ልበይ ዘሕድገኒ

ቅልቅል እንተበልኩ ዝነጽገኒ

ቀረባ መገሻ ዝርሕቀኒ

ፋሲካ ዘይብሉ .... ዋጢጥ በዚሑኒ።

ብልሓቱ ዘይፍለጥ... መዓት ተኻዕዩኒ

ሃየ’ባ በጃኺ ኣጆኻ በልኒ።

ዝሓለፈ ሕሰም መኣስ ውሒዱኒ

ፍቕርን ሰላምን’ሲ ... ሰላም ከይበሉኒ

ዓዶም ክርሕቀኒ

ከም’ዛ ዘይፈልጡኒ ርእዮም ይሓልፉኒ።

መን ምሩቕ ክብል’የ ... እንተሰሚዕክኒ

ኣብ’ዚ ነዊሕ ጎዕዞ ብጻይ ዝኾነኒ።

ኣብ’ቲ ባይቶ ዘሎ

ናየ’ቦታት ዛንታ ከም ዘዕልሎ

ሰንሰለት መውስቦ

ሕማቕ መንገዲ’ምበር

 ኣይነበሮን ሓጹር ዝጥርሮ።

ኣብ’ቲ ቀደም እዋን መሬት ጣሻ’ኸሎ

ይትረፍ ዓርበሮቡዕ ለማልሞ

ነ’ያ ጥልያን’ኳ ዘይጸገሞ

ኣኻውሕ ምፍንቃል ዘይኣገሞ

ቀልጢፉ’ንዳኣሉ ዝደይቦ

ተሰቒሉ ኣብ ክሳድ ደቀ’ቦ።

ኣብ ሕጂ በጺሑ

ናጽነት በሪቑ

መሬት’ያ ወጊሑ

ጽርግያ ሰፊሑ

ኣለኹ እናበለ ተሰጢሑ፡

ባህልን ልምድን ከም’ዛ ዝሓነኹ

መራሕትን ዓበይትን ምስ ሰስዑ

ኣቕሽሽትን ኣንስትን ምስ ጎርሑ፡

ዓቢኡ ንእሱ ኩሉ’ዩ ፈሪሑ

 መንእሰይ ሰኪሑ

ግዜ ተሸሪሑ።

ነዚኣ ዝፍሕሱስ ኣይርብሑ

ምእንቲ ክርሁ ኣይብዝሑ።

ኣጆኺ’ሞ ጸጋ

እምባ ኢኺ ኩርባ

ዛራ ኢኺ ሩባ

ጎልጎል’ኺ ሜዳ

ወደብ’ኺ ገዛ

ጽላል’ኺ ጋርሳ።

ኣብ’ዛ ልበይ ዘላ፡  እታ ኣነ ዝብህጋ

መዓር’ያ ጸባ

ቅጫ ኢያ ጣይታ

ጎጎ ኢያ ሃንዛ

ጥሕሎ ኢያ ፋታ

ገዓት’ያ ፓስታ

ብዙሓ’ሎ ኣብ ከብዳ።

ኣይኮነን ውላዳ

ጥልያን’ኳ .... ሽዓ ዝለመዳ፡

ፈኸራ ሓዊሱ፡  እናበለ ... ኣንኮራ!

ጎደና ናይ ስደት ክጅምራ

ጎራዙት ዝመርጽ መብረ ናይ ስኞራ

ለይቲ ምስ መዓልቲ ዝሽቅላ

በዓልን ስራሕን ዝዋፈራ

ዕድለን ዘዕርባ ከይተማህራ

መሃያ ቆጺረን ከረክባ

ምእንቲ ክትመልእ ናይ ገረብ ለቖታ

ኣብ’ታ ውሽጣ ኣንጭዋ ዘላታ።

እዋይ እዚኣተን እዋን ኣርኪባተን

እዋን ናይ ጡረታ

ካብ ሰብሲ ተሪፈን ይርኣየለን ጎይታ።

ዕድል ናይ ሓበሻ

ንሳ ኢያ ጥልያን ዘዋደዳ

 ኣብ ከውሒ ወቒሩ ንሩባ ዘውረዳ

እነሀት ትረአ ተተኺላ ኣብ ባይታ።

 እዛ ሰባብ ጣጣ

ኣያ ጥልያን ጻዕዳ

ሓንሳብ ምስ ጸቐጣ

ከም ተሓግ ተሳፍሕ ኣራጢጣ

ዘመናት ተቑጽር ኣንገልሒጣ፡

ይመልሶ’ምበረይ!

ኣይትመስልን’ያ ሩባ ዝሓጽባ’ሞ

እዛ ኣነ ዝብለኪ ምእንቲ ከስልጣ፡

ናይ ታሪኽ ጎደፋ

ሓቢርና ክንጉሕፋ

ጸጋየ ዋልታ

ትርግታ ናይ ልበይ በልዮ ሓንጎፋይ።

ዳንኤል ተ/ዮውሃንስ 02/192017

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.