ጉድ’ዩ ተረኺቡ ዘሎ ዘይ-ኢትነገር!

 

ኣቤት! ንጠፍእ ኣለና ብዕሹራት

ብሰብ-መሰል ኣራዊት

ኣብ ጎዳጉዲ ከይተሰምዐ ኣውያት

ብደም ጀጋኑ ጨቅያ መሬት

ብፍላይ ካብታ 18 መስከረም ዕለት

ንህዝቦም ሓበን ዝኾኑ ጀጋኑ ዝበልዐት

እናገደደ ዝመጸ ጥልመት ቅትለት

ተስፋ ህዝቢ ዘጸልመተት

 

ጉድ’ዩ ተረኺቡ ዘሎ ዘይ-ኢትነገር!* (ክንገር ዘይከኣል)

ንዝረኣዩ ዘጸልል ንዝሰምዑ ዘባህርር

ኣብዛ ደቅናን ደቂ ደቂ ደቅናን ከፊልና ዘምጻእናያ ሃገር!

 

በላዕ ጥዑም ፈዳይ ሕሱም ወሊዳ  ሃገር

ክንዲ ቤት ትምህርቲ ዝሰርሕ ንዝዝቢ ዝምህር

ናብ ዓባይ ቤት ማሕቡስ ቀዩሩዋ ሃገር

ዓዲ ኣበይቶ፡ ዓላ፡ እንዳቦይ ርጉም፡ ዔራ ዒሮ፡ ኮንተይነር

ህይወት ደቂ ህዝቢ ዝተቐዝፈሉ ኣንደር* (ትሕቲ መሬት)

ክንደይሞ ክንብሎ ብኣማኢት ዝቑጸር!

ህዝቢ ኣሽንኳይ ክዛተ ክመክር

ክዛረብ ይኽእል’ዩ ዝተባህለ ከይተረፈ’ዩ

ኣብ ናይ ኣናጹ ጎዳጉዲ ዝመስል ዝስወር

ስለዚ’ዩ ህዝበይ ካብ ቆሊባታት ዝፈርህ ዝብህርር

ከምቶም ዝቐደሙ ትሕቲ መሬት ከይሰፍር

ቀስ ኢሉ’ዩ፡ ‘ዘይሓሰብናዮ ረኺብና!’ እናበለ ንዝኣምኖም ዝነግር

ከምቲ፡ ‘በርሙዳ! ዝብሃል ንመራኽብ ዝውሕጥ

ንዑኡ ዝመሳሰል’ዩ ተፈጢሩ ዘሎ ኣብ ሃገር

ህዝቢ ኣብታ መዳሕንቱ ዝተቐብረላ ስኢኑ’ሎ ምንባር 

ዝኸኣለ ዝዕድለይ ኢሉ ንቕድሚኡ ይሃድም ይውርወር

ገለ ኣእልፋት ከፊሉ ብምድሪ ብኣየር ይሳገር

ግን ብእግሪ ክሃድም ዝተረኽበ ዶብ ክሳገር

ብጥይት ይቑለብ ኣብ መሬት ይንፈራፈር

ገሊኡ ድራር ኣራዊት ይኸውን ገሊኡ ይቕበር

ወላዲ መቕርብ ከይሰምዐ ከይረኸበ ንቡር

ንዳግማይ ዳስ ሓውያ ተሳጢሓ’ያ ዘላ ሃገር

 

ጉድ’ዩ ተረኺቡ ዘሎ ዘይ-ኢትነገር

ንዝረኣዩ ዘጸልል ንዝሰምዑ ዘባህርር

ኣብዛ ደቅናን ደቂ ደቂ ደቅናን ከፊልና ዘምጻእናያ ሃገር!

 

እስከ ትሓተቲ ኣንቲ ሓላል መሬት!

ሓቂ ድዩ ነዚ ምስ ሬሳ ከይተረፈ ዝብኣስ

ፍሉይ ፍጥረት ወሊድኪ

ንብሃገራ ዘንብዕ ዘብኪ

ክኢልኪዮ ምንባር ነዚ ኣራዊት ጼርኪ!

ነዚ ‘ውላድኪ’የ!’ እናበለ ዝሞኽደኪ

 

ጉድ’ዩ ተረኺቡ ዘሎ ዘይ-ኢትነገር

ንዝረኣዩ ዘጸልል ንዝሰምዑ ዘባህርር

ኣብዛ ደቅናን ደቂ ደቂ ደቅናን ከፊልና ዘምጻእናያ ሃገር!

ካበይከ ኣምጻክዮ! ነዚ ደም ኣሕዋት ዝሰቲ ዝሰክር

 

እምበርዶ ውላድኪ ኢዩኸ ናይ ብሓቂ

እዚ ኢሳያስ ዝብልዎ ወዲ ኣፈወርቂ!

ንደቅኺ ሽርብ ዘበሎም ዘሎ ከም ዑንቂ

ዝቕድሞ  ምሩቕ  ዶ ሰኣንኪ በርቂ!

ግን ውላድ መብጽዓ ኮይኑኪ

ክትጭክኒ እንተ ዘይክኢልኪ

‘ከምቲ ዝሃብካኒ ውሰደለይ!’ ውሰደለይ!’

ዘይትብልዮ ነቲ ዝሃበኪ

መታን ካብዚ ውልቀ-መላኺ ሓራ ኮንኪ

ብኸንቱ ዝዛሪ ዘሎ ደም ደቅኺ ዓጊትኪ

ፋሕ ዝበሉ ደቅኺ ኣኪብኪ

ሕግን ስርዓትን መስሪትኪ

ክትነብሪ ከም ድላይኪ

 

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ምስሉ ተኪኤ 18 መስከረም 2016