‘ኣብ ወርቃዊ ኢዮበልዩ የራኽበና!’ እምበር ዶ ምስ ሰብ ኢና ዘለና!

ኢሳያስ ሎሚ ኣመስኪርካ

መሰል ህዝቢ ምርጋጽ

ናብ ዕብዳን ከም ዘድሃበልካ

ኣይሰለጠናን እምበር

ክንፈልጠካ ብዙሕ ኢና ጽዒርና

ከም ዘይሰለጠና ግን እናጠፋኣና

ሱቕ ምባልና’ዩ ምስክርና

እምበርዶ ብጥዕንኡ’ዩ እዚ ወዲ

ገለ ዘጋግዩ ረኺቦሞ ከይኮኑ እናበልና

ክወግሕ’ዩ እናበልና ምሒር ተዘንጊዕና

ግን ‘ኣብ ወርቃዊ ኢዮበልዩ የራኽበና!’

ብማለት ምስ ኣሽካዕልካ ኣብ ኣደባባይ ሃገርና

ብሕሉፍ ጽላለ ከም ዝተገነዝካ በሪሁልና

‘ሰብ ክሳብ ዝጸልኣካ ዕድመ ኣይሃብካ!’ 

ዝብል ምስላ ቀዳሞት ከም ዘይተሰቑረካ ፈሊጥና

ኣብ ወርቃዊ ኢዮበልዩ የራኽበና! ምስ በልካና

እምበር ዶ ምስ ሰብ ኢና ዘለና! ኢልና

ካብቲ ብመዓልቲ ናጽነት ሃለውለው መደረኻ

ሕሱም ህርፋን ስልጣን ከም ዘለካ ጋህዲ ኮይኑልና

ንዝመጽእ 25 ዓመት ንምብሓት ስልጣን!

ከክፉኡ ምትምናይ ዝተረፈ ህዝቢ ንምጽናት

ዘይተፈልጠ ምኽሪ ሰብ ይኹን ምኽሪ ሰይጣን

ንኣደባባይ  ሃገር ብዕባባን ዳንኬራን ኣመላኪዕካ

ነቲ ዓለም ከይተረፈ ዝሰከሓሉ ክሒድካ

ኣብ ህዝብና ተውርዶ ዘለኻ ሕሰምን መከራን ዓቢጥካ

ብውሽጡ ሕሩር ህዝቢ ጣቕዒት ዝሕባእ እንተ መሲሉካ

ተዘናቢሉካ ኣሎ ተዘናቢሉካ

እንታይከ ይብሃል

ንሰማዒ ዘሕፍር ንሃገር ዘዋርድ መደረ ኣሽካዕላል

መምህር መሲልካ ብዛዕባ ዝሓለፈ ሃለው ምባል

ዘይትገድፈሎም ነቶም ናይ ታሪኽ መማህራን

ዘይትገድፎ’ዚ ፍሽለትካ ንኣመሪካ ንወያኔ ከትላግበሎም ምፍታን

እንታይ ገበረ’ቲ ህዝቢ ቁም ትዛረብ መሲሉዎ ሃንቀው ዝብል

ዘይትዛረብ ብዛዕባ’ቲ ንህዝቢ ዘሻቕሎ ዘሎ ጉዳይ

ዘይትዛረብ ብዛዕባ’ቶም ሕቡሳት

ከም ጨው ዝሓቁ ዘለዉ ትሕቲ መሬት

ዘይትዛረብ ብዛዕባ’ቲ ቅዋም ዝተሸፈነ ብዓለባ ሳሬት

ዘይትዛረብ ብዛዕባ’ቲ ናብ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ሕሰም ጥሜት

ሓቂ እንተትዛረብ ንኣኻ ሞጎስ ኔሩ ብታሪኽ ዝስነድ

እንታይ ገበረኸ እቲ ወጻኢ ኮይኑ ሃለውለው ዝሰምዕ

እንታይ ገበረኸ እቲ ብሰንክኻ ሃጽ ዝበለ ንስደት

‘ሰሚዕኩሞ ዶ መደረ ፕረዚደንትኹም!’ እናተባህለ ዝዋረድ

መዛረቢ ዓለም ዝኸውን

‘እዞም ፈቐድኡ ዝተበኑ ምንባር ስኢኖም ኣብ ሃገሮም

መንግስቶም ዘሳደዶም ዝኸሓዶም

ተረፍ በረኻ ባሕሪ ነጋዶ ሰብ ዝኾኑ ምዓት ዝወረዶም  

ዝከኣለና ንግበር ነድሕኖም ንዘርከብናሎም

ክሳብ ሰላምን ራህዋን ዝነግስ ኣብ ሃገሮም’

እናበሉ ነሕዋትናን ደቅናን ከድሕኑ ምጽዓሮም

ምስጋና ይኹኖም

እንተ ንስኻሞ ይጽብጸብ’ዩ ዘሎ ገበንካ

ብክፉእ ግብርኻ ዓለም ፈሊጡካ

ኣሽንኳይ ንሕና

ንሕና ከኣ ንስኻ ከለኻ ዶ ድቃስ ከይወስደና

ክሳብ ተዛቲና ንልዓል ነዲርና

ፍትሒ ነንግስ ኣብ ሃገርና

‘ኣብ ወርቃዊ ኢዮበልዩ የረኽበና!’ ዝበልካና

መለበሚ ኮይኑና’ሎ መለበሚና

ምናልባት ዕድመ ሂቡካ ዘዋር ከይትደግመና!

 

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ምስሉ ተኪኤ 05-29-2016