ኣዋኽእ

ፍሥሐየ መብራህቱ

ጉዳ ንገሩኒ ነዛ እዋን
እምሮይ ኣዘንቢላ ዘበለትኒ ዓዋን
ዕድመይ ዘቃጸለት  - ብሰደት ምጽውንዋን
ጋህሚ ናይ ኣይዕይንተይ - ኣይብርሃን ኣይጸላም
ምንታይ ክጽውዓ ነዛ ተካል እዋን?

እዛ እዋንዶ?
ርብዒ ዘመን’ያ መዋዕል ወልዶ
ስርቂ ዝኣመላ ካብ ንቡር ተዘምዶ
ዓዲ እተውዕል ካብ ስራሕ ተጸምዶ
ሥርዓት ዝጎደላ ካብ ባህሊ ተለምዶ
ሽፍትነት ተሰስን ብሕይወት ነጋዶ።

ሓቁድኣ?
እወ! ነውራም ዝታሪኻ ትውፊታ ጽያፍ
ንያትካ ተዕርብ ዕንቅፋት መኻልፍ
መዛግብ ተጥፍእ ብጹሑፍ ከይሓልፍ
ኣናብስ ቀቲላስ ኣዛብእ ተሰልፍ
ብቀይድን ልጓምን መንእሰይ ትጠልፍ።

ምንታይ’ሞ ንስመያ ነዛ እዋን?
ሬስ ኣብ ቃሬዛ - ብጓይላ ተውግሖ
ብሂል ተኸቲልና ንጸውዓያ ኣርሆ!
መጋብራ እከይ ፈታዊት ጭርሖ
ድኻ ከይድረር ትምንጦሎ ደርሆ
ኣብ ኣካላት ስንኵል ትፍክር ብድሆ
እዚ ዝስራሓ ውሒዱዋ ኣርሆ።

እሞኸድኣ ምንታይ ነውጽኣላ ነዛ ዘመን ጭንቂ?
ግርንቢጥ ንበላ ዘይትፈቱ ሓቂ
ግርንቢጥ እሞኸኣ መፍተታ መስሓቒ
ግርንቢጥኮ ሰብ ኅልና’ለዋ ነጋድያነ-ጽድቂ
ሠናይ ዝትምኒቶም ምህለላኦም ዕርቂ።

ዘመን ጭንቂ’ውን ኣለዉዋ ዝኾርዑላ
ዝነግዱላ ዝኸስቡላ - ዝጸግቡላ ዘግዕሱላ
ዝምሕሉላ ዝጥሕሉላ ዝጠቕዑላ
ቡሩርን ወርቅን ዘቕርቡላ
ዘምልኹዋ ዝሰግዱላ።
 

እንታይ’ሞ ንበላ ካብ ግርንቢጥ ዝኸፍእ?
ሰንፈላል ተንብር ኣይሰላም ኣይውግእ
ዓዲ ዝኣተወ ዓራርብ ተጥፍእ
መንነት ዘይቢላ ንበላ ኣዋኽእ!
ቅትለት ዝኣመላ ተመን ናየ’ጻምእ
ኣማን ብኣማን እዋና ኣዋኽእ።