በዓል ኢዮቤል

በዓል ኪበዓል ንበዓል

ኣሸበሸብ ኪበሃል

ንታሪኽዶ ንብሂል?

ንያታዶ ንመፈክር?

ኣኻውሕ ተፈንቂሉ

ደናጕላ ተተኺሉ

መናድቕ ተዃሒሉ

ባንደራታት በልበል ኢሉ

ንምንታይ?

እንድዒሉ!

ይኸውን ንባዕሉ።

በዓል ዜቡል

ብጸብለልታ ልዕሊ ኵሉ

ቦታ ሒዙ ተሰቒሉ

መድኅን ዓለም ተመሲሉ

ዓሻ ዶዳ ኣሚኑሉ

ንሱ ንሕና - ንሕና ንሱ

ስራሒና ፈንጣሒና እናዳበሉ

በጃ ነፍሶም

ዕሻውልቲ ይሰውዕሉ

ብሩር ወርቂ እናፍሰሱ

ንጣዖቶም ይሰግድሉ።

ኢዮቤልያ ንኸብዕሉ

ኣሸበሸብ እንተበሉ

ከም ኣመሎም ከታልሉ

ብስውዓት እንተመሓሉ

ኣዕይናታቶም ማይ ቆጺሩ

እንተበሉ “ክብሪ ሃገር ኣይትድፈሩ

ሳላናዩ ናጽነትኩም

መሰላትኩም ተኸቢሩ።”

ጠባቢሮም ንኸምስሉ። 

ኣቱም ኣኅዋት ኣሰትውዕሉ

መልኣከ ሞት ከም ኣመሉ

ንድነ ሞት ኣማዕቢሉ

ብሑት ስልጣን ምስ መንበሩ

ከየምልጦ ምልኪ ክብሩ

ይሕሎ’ሎ ብሠራዊት ተሓጺሩ።

ተዓዘብቲ እንታይ ትብሉ?

ትርጉም ኢዮቤል

ተረድኡ ‘ቲምስጢሩ

ብነጋሪት ተርዲሩ

ብዕልልታ ተሰኒዩ

ሕዝቢ ሃገር ተበሢሩ

እናበለ - “ሞቕሕ ሓጺን

ተበቲኹ ምስ ሰንሰሉ

ኣርዑት ግፍዒ ተሰቢሩ

ሓራ ኮይኖም

ተፈቲሖም እተኣስሩ

ተሠይሞም ‘ተወንጀሉ

በዓል ዕዳ ተማሒሩ

ሓረስታይና ጠሊ ኮይኑ ናብ ምፋሩ

ሸቃላይና ኣዋዲዱ መጻውሩ

ነጋዳይና ተዋሒሱ ዝረብሓሉ

ሽብር ራዕዲ ተባሪሩ

ሰላም ይንግሥ እናበለ

ምስ ዝእውጅ ንሃገሩ

ንሕና’ውን መቃላሕና

ብጨብጨባ ብዕልልታ

እናብለና “በዓልና ተኣዊጁ

መለኸት ንፍሑ

ንኣምላኽ ሰብሑ” ምሳዕሳዕና

ምደበልና።

ትርጉም ምረኸበ ‘ቲበዓልና

ንምዝማር መምዓረልና

ሕዮ ሕዮ ምስ ዮሃና  

ደስ ምብሎ’ቲ ሕዝብና

ምቐሰነት ‘ታሃገርና።

ሕጂ’ውን እንተኾነ -

ውጹዕ ሕዝቢ ተረጋጺ

ክርሕወሉ ዘይቀባጺ

ንመሰሉ ንሃገሩ ተቓላሲ

ዘውፈየ ዓጸመ ደሙ ብዘይ ቀይሲ

ካብ ባርነት ሓራ ወጺኡ

ድሕሪ ደጊም ኣይትፍርሁ

ኣብ ዓድኹም ኣብ ሃገርኩም

ርእሲ ኣቕንዑ

ገሃስ መሰል ረጋጽ ክብሪ

ተረዅሚሹ ተሓምንምሺሹ

ተሓግሒጉ ተጸሪጉ ተሓጢጡ

ዘመን ግፍዒ ተደምሲሱ

ሓዲስ ዘመን ተኣዊጁ

የብቅዓና ንሰምዓሉ

“ዝፈረስ ይተሃነጽ

ዝተሰደ ዝነፈጸ ዝቐበጸ

ተስፋ ጌሩ ዓዲ ይእቶ

ደጊም የልቦን ዘራጊቶ፡”

እንብለሉ ዕለት ይእቶ።

ናይ ሎምዘበን በዓል ግና

ሕዝቢ ከሎ ኣብ ጭቆና

ጣዖት ከሎ ኣምልኾና

በትሩ ሓጺን መላኺና

ከንቶ መንቶ ሳዕሳዒትና

ኣይመስለንን ኢዮቤልና።