ምስክር! 

 
መሬት ምስ ጸብሐ’ሞ
 
ጉልባብ እዋን ምስ ተገልሀ፡
 
ከም’ቲ መጽሓፍ ዝብሎ፡ ንፈለማ መውስቦ
 
ጓል ሃቡና ዝብሉ ኣኮ ምስ ሓው’ቦ፡
 
ቅድሚ መማህርታ ልዕሊ መሓዙታ
 
ከም’ኖታታ ከመ’ሞታታ
 
ከም ሓት’ኖታታ ከም እኖሓጎታታ
 
ንጓልኩም፡ ወ’ዘሪት ሄዋን ክወሃባ ብጽሒታ
 
ፍቓድኩም ንሓትት ነ’ቦታታ፡ ተባሂሉ
 
ስዋ ብጣሳ ንዋሕሰ-ግብእ ከመልክት እንከሎ
 
ንኣዳም ምስክር ዝኾኖ፡
 
እቲ ብጭቃ ጠፍጢፉ ብትንፋሱ ምስነፍሖ
 
ፖለቲካ ከምዘጀምሮ፡ ዶብ ጠሪሩ ዝኣገዶዶ
 
ወይስ እቲ ብስልጣን ተሃላሊኹ
 
ካብ እንዳ መዓለ’ብኡ፡ ካብ’ቲ እንዳ ዓበይቲ ብሓይሊ ተደሪኹ
 
ምስ ተባረረ፡ ኣብ ዱር ሓኪሉ ዝነበረ’ሞ፡
 
ንኣዳም ደንዲኑ፡ ኣዘንግዕ ኣቢሉ
 
 ካብ በዓቲ ሽፍትነቱ ንድብያ ተቐልቂሉ፡
 
ኣይትተሃመል ሰብኣይ፡ ዶብ ሰጊርካ
 
እገዳ ጥሒስካ፡ ካብ’ታ ፍረ’ቲኣ እንተበሊዕካ
 
ልዕሊ ኹሉ ፈሊጥካ፡ ናጽነትካ ኣዊጅካ ክቕየር’ዩ ሂወትካ።
 
እናበለ፡ ብዘይነበረ ምስጢራዊ ትሕዝቶ ምሰ’ደናገሮ
 
ኣብ’ታ ግናይ ሰዓት፡ ምስ ሓሸውየ ናይ መዓት ዝጠንጠኖ’ዩ
 
ምስክር ናይ ምንብባር ዝኾኖ።
 
ህ....ም! እሞ ነዚ ዝመስል ትእምርቲ
 
ናይ እምነት ናይ ባህጊ
 
ናይ ሕልፈት ናይ ለውጢ
 
ናይ ሸፈጥ ናይ መቕጻዕቲ
 
ከምዝፈሰሰ ሓንቲ መዓልቲ
 
ከይተሓለሉ! ንመዋእል ካበ’ስተምሃሩ ሊቃውንቲ፡
 
ግንቦት ምድሪ፡ እንዳ ማርያም ክንዲ ንጸውም ንጽሊ
 
ብሽፋን ናይ ናጽነት ቡቕሊ
 
ንርብዒ ዘመን ኣብ ጓይላ ከምዝረጥረጡና ገድሊ
 
ካብ ናብራና ሓሊፉ መን’ዩ ዝኸውን  መስካሪ
 
ፈጣሪዶ?
 
እቲ ካብ በዓቲ፡ ንድብያ ዝተቐልቀለ መምሰሊ
 
ወይስ ብሕጂ’ውን ገና ትሰምዖ’ለዋ’ዩ ናይ እዋን እዝኒ።
 
ዳንኤል ተ/ዮ ተኽለጊዮርጊስ This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.