ገዝሚ ሃገርና

መርዓትና ክትኣቱ ብዙሕ ተጸበና
መርዓትና ክንቅበል ንደገ ወጻእና
ከምቲ ልሙድ ባህሊ ልምዲ ናይ ህዝብና
በቲ ልሙድ ሕጊ ጽዱቕ ብባይቶና
ሕጊ እንዳባ ተባሂሉ ፍሉጥ ብዅልና 

እተውለየ ክጽበየኪ እንዳበልና
መርዓትና ክትኣቱ ገዛና
ልዳትና ሰጊራ ኣብ እንዳና
ኮፍ ከነብላ ኣብ ንእድና
ከተዕርፍ፡ እፎይ ክትብል ሓመዳ ክትነግፍ
ንሳ ክትሕጸን፡ ንሕና ከነማልእ ምሕጹን 

ሕማቕ ፋል ከይትረክብ ኣብ ጽሞና
ኣብ በረኻ መሮር ከየሕስማ ጓና
ከይንርዳእ ብጭራም ክዳና
ነውሪ ከይትኽደን፡ ሕፍረት ንዅልና
ክትመጸልና ብንቡር ጋማ ተጠምጢማ፡ ዲኖ ተሸሊማ
ኣየወ ነዚ ክንርኢ ገሪሩ በሲሉ እቲ ዓቕልና 

ክንደይ ዘይሰፍለልና ክንደይ ዘይፈራህና
ገለ ኣብ መንገዲ ሓሲማ ይብሉና
ገለ ካብ በቕሊ ወዲቓ ተሰቢሩ ዓጽማ
ገለ’ኽኣ ቃፍላይ ወሲዶማ
ንሓዋሩ ከይንረክብ ጻማ
ንሓዋሩ ከይንረክብ ኣሰር ደማ
ክንቀብጽ፡ ልብና ተረግትኡ ከቋርጽ 

ግዚኡ ኣንዊሑ ቆጸርኡ ኣናዊሑ
ብዓል ብስራት መጸ ብስራት መሪሑ
ነጋሪቱ ሀሪሙ ጥሩምብኡ ነፊሑ
ኣብ ማእከል ባይቶ ሳዕስዔ
ጸባና ሽዑ ተሓቝኑ ጽዔ 

ብርና ትኣቱ’ላ ንቀበላ ንእሽቶና ዓቢና
ነውጻኣዮ ኮበሮ እምብልታ ምስ በገና
ክራር ምስ ጸናጽል እቲ ግሩም ዋጣና
ሴፍ ተመሊሑ ምስ ዋልታና
ጕራዴ መዚዝና ኵልና
በቕልና ኣሲርና ኣብ ዳዕሮና
ንቀበል፡ ብርና ንኣቱ’ላ፡ ንቀበላ ብርና 

መርዓትና ክንቅበላ ንቕርዓት ወጻእና
ክንድብል ክንስዕስዕ ንውልዶ መርዓትና
ኣበብኣ ክንርኢ ነዊሕ ሀንቀው ኢልና
ናህና ወለላ፡ ኵሕላይ ዝዓይና
ናህና ወለባ፡ ናህና ታሃና
ጐራዙ ሳዕስዓ ፊቲ በላ ትሂና
ጎበዝ’ውን ዘለለ ኣእጋሩ ኣጋሕተና
ተሓምበለ በልና ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና
ኣዴታት መርዓት ክቕበላ ሽርበ ተቖና
ኣቦታት ምርኵሶም ሒዞም ወጹ ንገደና
ጥሉፍ ወጽዩ ረኸበ ሞጎስ ኣብ ዝባንና
ተሓጎስና፡ ኣየወ ተሓጎስና
ከመይ ጌርና ኢና’ሞ ንጸውዮ እቲ ኵሉ ሓጎስና 

ሓጎስ ኮነ ዕልልታ ዓመረ
ቋሕ ኢሉ ጻዕደወ ረሳሕ ዝጠቀረ
ብያ ኢልናዮ ኩሉ ዝመረረ
ኣበበና መኣዘ መዓረ
ኣዝዩ ለምለመ ቀደም ዝሓረረ
ተደበለ ዕሰሌ ተባህለ
ኣብ ግንባር መርዓትና ዕንበባ ተዘረ
ኣቕራሽ ተወተፈ ከም ሓሰር ነፈረ
ህዝቢ ተሓጎሰ ማሰኛ መደረ
ብዓል ታሪኽ ናይ ቀደም ዘኪሩ ኣስቆርቆረ
ብዓል እምነት ብራና ገተረ
ገለ’ውን ኣይተሳእነን ንብዓት ዝቖጸረ
ሓጎስ ኮነ ምሉእ ሓጎስ፡ ገጽ ኣብርሄ ፋኑስ
ሹጉር ተራሕወ ሓጹር ተማሕወ 

ሰብ ኮፍ በለ ንመኣዲ ኣብ በቦትኡ
ዝግኒ ክበልዕ ክዓትር ዋንጭኡ
ተዓጣቓይ ቆመ ቅጭን ትዓጢቑ
እተዉ እንዳበለ ንዳሕሮት ዝስዕቡ
ተቐበሉ ኣጋይሽ በለ ድምጹ ኣበርቲዑ 

ብዓል መስተ ሰምዔ እዝኑ ኣጣቢቑ
ዓደለ ንጋሻ ኩሉ ጸጽማቑ ኩሉ ጠጥጅኡ
ሜስ ዝደሊ ኣምጻኣሉ እታ ሜሱ ሓኒቑ
ስዋ ዝደሊ ስዋ በቲ ምሩጽ ጽዋእ 

ሕሩይ መንበር ወጸ ተጸረ ንመርዓት
መኣዳ ተቐረበ ተጸይሩ ብወራዙት
ሰብ እምነት ባረኹ ንመኣዲ፡ ባረኹ ንመርዓት
ባረኽዎ ንመኣዲ ብኣቡነ ዘሰማያት
 
ሰብ ኮፍ በለ መርዓት ሓፍ በለት
መርዓት ሓፍ በለት ድሕሪ ጸሎት
ዝዛረቦ ኣለኒ ዝላበዎ ሒደት
ኣብ ልብኹም ዝትሓዝ ኣብ ልብኹም ዝውሰድ
ዕዱም ኣይሰንብድ ብዓል ዳስ ኣይርዓድ
እቲ ዓቢ ሸኸምሲ ወሪዱ’ዩ ኣልጊሱ መንድዓት
 
ምዉታትና ካብ ኮኑ ስዉኣት
ስዉኣትና ካብ ተፈልዩ ብሞት
ኵልና ሓፍ ንበል ጠጠው ንበል ንዝኽሪ ሰማእታት
እሶም እዮም ዘብጽሑኒ ኣብ ቅርዓት
ክኣቱ ዘብቅዑኒ ክኾነልኩም መርዓት 

መሳንይተይ ብጾተይ እሾዅ ቶኾርባ መናኽስተይ
መሳንይተይ የሕዋተይ አሓተይ እሾዅ ኳዂቶ ነቚሾም መውጻእተይ
መሳንይተይ ጐራዙ ኣጓብዝ ጥዋፍ ናይ ለይተይ
መሳንይተይ ቆልዑ ምስ ሕጻናት ጽሓይ ናይ መዓልተይ
መሳንይተይ ህርኩታት ጓሶት መልዓልቲ ቅናተይ
መሳንይተይ ኣቦታት ኣዴታተይ ኡፍ ኢሎም ዘውጽኡ ገፈል ዓይነይ
መሳንይተይ ሰለይ መባህልተይ ኵሎም ተጠሚሮም ኣዕሩኽ ርእሰይ
ኣየወ ካለኦት ተትረኽባ ከምዚ ናተይ

ኣነየ ሃገርኩም ኮይነ መርዓት
ሎሚ ዝኣተኹ ሕንጢት ናይ ሃገራት
ሀንቀውታ ናይ ዘለዉ መዘክር ሰማእታት
ተስፋ ህያው መረጼን ኣቦታት
ሕድሮም ከይርሳዕ ገዝመይ ከይምናዕ
ንኡስ ትውልዲ ከይስእን ዘጸናንዕ
መልሓሱ ጠስሚ ተቐቢኡ ከይውትእ
ደልሙ ከይቅደዶ ኣብ ኣጻምእ
ብስራትና ከይቅየር ናብ መርድእ

ግዚኡ ካብ ኣኸለ ዝወስደሉ ገዝመይ
ኣግዘምቲ ንስኹም ተገዛሚት ባዕለይ
ህያው ክምስክር ምዉት ክዝከር 

ገዝመይ ገዝሚ ስዉኣተይ
ሞባእ ናይ ህዝብና ናይ ቃልሲ ሕዛእተይ
ኣይደልን ዝጥለፍ ዝሽንሸን ብቑመተይ
ብሃሪ ዝተሰዅዔ ጐባጕብ ሽልማተይ
በልዩ ዝኣርግ ኣሪጉ ዘየማዕርግ

ጓል ዘመን ኮይነ’የ ሀቡኒ እጃመይ
እዋኑ ከይሓለፈ ከይሸየበ ጋመይ
ዓለም እንዳበልዔት ከይሓድር ጾመይ
ዓውደይ ከይጭቁ ከይነቅዝ ዘርኤይ
መሰለይ ወሲደ ክወጸልኩም ብርከይ
ነብሰይ ከመሓርድ ከመሓደር ህዝበይ
ብፍትሒ ብነጻነት ብሰላም ብማዕርነት
ክቝጸር ኣኽባሪት ሂወት 

ዴሞክራሲ ይኹን ገዝመይ ዴሞክራሲ ይኹን ጻማይ
ኣነ ከይጸምእ ህዝበይ ከይጠሚ ስኢኑ ዓንጋላይ
ሞባእ ተመጽዊቱ ከይኣቱ ኣብ ማይ
ሕርሰይ ከይብርትዕ መእወዪ ከይስእን ቃንዛይ 

እርሓሰኒ ክርሕሰለይ
ክዕንብብ ክፈሪ እቲ ከርሰይ
ወሊደ ክዝምድ ክምርቕ ንደቀይ
ዝጸሓፍኩሞ ቀለም ዝረገጽኩሞ ለምለም
ዓጺድ ዴሞክራሲ ብኣኹም ክዕመም
ሓሳብኩም እርኑብ ኣእምሮኹም ጽሩብ
ለባማት ተልእኾኹም ርጡብ
ጸወርቲ ህዝብኹም ኣብ ቁልቍሎት ዓቐብ
ንዓይ ትሕለቑ ኣብ መዋጥር ኣብ መጻብብ
ተጠመቲ በህዛብ ብልቦና ጥበብ
እሱ’ዩ ትጽቢተይ ትምነዮ ንሰብ

እርሓሰኒ ክርሕሰለይ
ፌርማኹም ጸቒጥኩም ትኣምኑለይ
ኢድኩም ሓፍ ኣቢልኩም ትመዙ ኳደረይ
ኣሰና እንዳበልኩም ተድምጹለይ
ቆጽልኹም ኣውዲቕኩም እማና ትብሉለይ
ኣማን ብኣማን ዳስና ሰሚራ ክትኮነልና ኣማን

እርሓሰኒ ክርሕሰለይ
ሌላን ጕሌላን ዘይብሉ ዜጋ ዘየዳሉ
ዘኽታም ዘይጸቅጥ ነዛዊ ዘይብሉ
ፍርሂ ዘህድም ድንዳነ ዘጥፍእ ንሓዋሩ 

እርሓሰኒ ክርሕሰለይ
ዕሙኽ ኢድ ክፍታሕ ንሰላም ክዝርጋሕ
ትዕቢት ክተርፍ ትምክሕቲ ክግናሕ
ዜጋ ክዛረብ ከይተባህለ ጽናሕ
ዘረብኡ ትዓንቂፉ ከይከውን ሓናኽ
ባይቶና ክጸድቕ ዘይብሉ ሕርኽራኽ 

ኣነ ክሓቍፍ ክኸውን ኣባዲት
ከብዳ ርሕሩሕ ኢዳ ዝርጉሕ ገጻ ፍቱሕ
ጸዳል ከም ጽሓይ ብርቒት ሓላል
ኣይደልን ክስመ ቀጻዒት ገናሒት
ከምታ ሕማቕ ኣደ ንደቃ ኣብ ቡዅራ ሓባኢት
ብለይላይ ሻቦጥ ንደቃ ሃራሚት
ቆላዑ ወሊዳ ንዝኽተማ ደርባዪት
ኢድ ጸናሒት ሸናሒት
ከይመረኒ እቲ ናይ ደቀይ ሓሞት 

ኣፍንጫና ተሃሪምና ዓይንና ከይንነብዕ
ሕልናና ደኺሙ ኣእምሮና ከይዝንብዕ
ከብድና ጠምዩ ጎሮሮና ከይጸምእ
ኣካልና ዓሪቕና ዝባንና ከይቅላዕ
እኽልና ወዲእና ብሓምሊ ክረምቲ ከይንዋላእ 
ገዝመይ ገዝሚ ስዉኣተይ ካብ ዴሞክራሲ ኣይትሓት

እሱ’ዩ እቲ ብቑዕ ህያብ ንዘለዉ ሂወት
ንዝመቱ ስብሓት
እሱ’ዩ እቲ ዝተሓተ ሽሙት ብሂወት ሰማእታት
መታን ከይረክስ እቲ ናቶም ሞት
መታን ከይሮኵስ እቲ ናተይ ራሕመት
መታን ከይርከሽ እቲ ናትኩም ሂወት
ንእንዶሚኖ ተረኪሱ ንጸለማ ከይግበት 

ከይጽብጸብ ምስቶም ርካሽ ዝፈሸሉ
ብደም ስዉኣት ምሒሎም ንህዝቦም ዘጥሕሉ
ተስፋ ህዝቢ ኣብኪኖም ቃሎም ዝሰበሩ
ሞባእ ስዉኣት በሊዖም ዝሃጠሩ 

ሰለሙን ይከኣሎ

2003

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...