ፈዳይን!

ትራፊክ ፖሊስ
 
ታርጋ እንተ ጽሒፎም ናይ’ዘን መኻይን
 
ናይ ደርጊ ድየን ናይ ወይን
 
ናይ ፈረንጂ’የን ናይ ጠላይን??
 
ጽዕነተን መሲሉ ናይ ጦርሰራዊት
 
ንመኣዲ ሱቕታ ምስ ናጽነት ዝዕይን’ሲ
 
ፍትሒ ድዩ መንገዲ ጠፊኡወን
 
ኣብ ማእከል ኣስመራ ዝብላ ዕውንውን።
 
አረ ንምኻኑ፡ ብራማ ድየን ብሮማ
 
ብቃሮራ’የን ብናኹራ?
 
ምናልባትከ
 
ንተሰነይ ድየን ንዓዲ ቐይሕ
 
ናብ ባድመ’የን ናብ ቆሓይን?
 
መወሳወሻ ወረቐት ከየ’ጽሓፋስ
 
ደምሒት ጎደናታት ናየ’ስመራ ለቒቖም መረብ ምስ ሰገሩ
 
 ብጎልጎል ዓላ ምኻድ ተሃክየን፡ ብሹቕ ኣቢለን እንክሓልፋ፡
 
ቅጫ ከይጸገቡ ካብ ትምህርቶም ዝተኾልፉ
 
ኩባያ ሻሂ ሰትዮም
 
 ምዑጉርቲ ወለዶም ስዒሞም ክምለሱ
 
ፍቓድ ዝሓተቱ፡ ደቂእዋን
 
ብጥይት ከርግፋ ቆፎ ፈዳይን ይትንክፋ።
 
ኣቤት ዛ’እዋን
 
ክሳብ ሕጂ ክንደይ እሞ’ያ ኣሕሊፋ
 
ናይ ሎሚ ፍጻመስ ኣለዋ ሓለፋ።
 
ንርኢ ግን!
 
ናይ ፍርቂ ዘመን ናይ ዝና ናፍቖት
 
ናይ ሓበሻ ንዕቀት ናየ’ዕራብ ኣድንቖት
 
ካብ ውሻጠ ክሳብ ምድርቤት፡ ዘሕለፎ ሕንቅቖት
 
ኣስፊኑዎ ዘሎ ኣንጸርጽሮት ተገንዚቡ፡
 
ኣመሉ ቀይሩ ከም ዘሕረሰ ንህቢ
 
ኣሰር ቱኒዝያ ወይ ትርቡሊ
 
ዝስዕብ  እንተኾይኑ ናይ ናጽነት ቀልቢ
 
ይወግሕ ይኸውን’ዩ ዝተዓደለ ክርኢ።
 
ማለት’ሲ
 
 ከም ሙባረክ ወይ ከም ቀዛፊ
 
ክሳብ ዝፍረድ ናይ ታሪኽ ቀጣፊ
 
ናይ ናጽነት ቀልቢ ዝጎሓፍ ጒሒፉ
 
ወቓሕ ዝብሎ እንተኾይኑ ሓዲሽ ኣንፊ
 
ዝተዓደለ ይርኢ።
 
ብዘይምግናን ግን እዚ ፍጻመ
 
 ሓዲሽ መኣስ ኮይኑ ሎሚ ዝተጋህደ
 
ኣብ በረኻን ኣብ ጸልማትን ዝተለምደ ናየ’ሰራርሓ ባህሊ
 
ኣብ ገዛ ምሕዳር ኣጊሙዎ፡ ጸቢቡዎ ዓቕሊ
 
ብቐትሩ ኮምብሽታቶ ጸልሚታቶስ  ከም ዝሰኣነ ሓባሪ
 
መኣዲ ስድራቤት መኣዲ ፍቕሪ
 
ብመልቀስ ዝብክል
 
ተመኮሮኡ’ዩ ዘመስከረ ብጥይት ተወርዋሪ።
 
እሞ ከም’ዚ ናይ ትማሊ
 
ኣብ ማእከል ኣስመራ ዝተጋህደ፡ ቀትሪ ምድሪ
 
በታ ንፈልጣ ናይ ፈዳይን በትሪ
 
ንእስነት ዝዝልዕፍ ናየ’ሰራርሓ ባህሊ
 
ከመ’ናብባ ታሪኽ ናይ ቀደሙ፡
 
 እዚ’ውን ጅግንነት’ዩ ክብል እንተኾይኑ
 
እንድዒ’ምበሪ
 
ምኽንያት ተቖጺሩስ፡ መስዋዕቲ’ዩ ተባሂሉ
 
ክቐርብ ይኸውን’ዩ ንጠለባት ናይ እዋን መጠበሪ።
 
ዳንኤል ተ/ዮ ተኽለጊዮርጊስ  04/09/16
 
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...