ኣስመራ ጽብቕቲ


ረጊጾምኺ ከይሓልፉ ደቅኺ
ካብ ባሊላታት ህግደፍ ዘሊሎም ናባኺ
ክዕቆቡ ደልዮም ኣብ ከርስኺ

እቶም ዘፍቅሩኺ ኣብቲ ጎደናኺ
ጻሕ ኢሎም ወዲቖም ተፋንዮሙኺ
ዉዑይ ደሞም ጸረር እናበሉልኪ

ማይ ኣባሻውል ሰፈር ኣዝማሪኖ
ግዳይ ህግደፍ ኮይንኪ እዝነይ ሰሚዓቶ
ሆስፒታል ሓሊበት ኣውያት ጨዲድክዮ
ቃንዛ ናይ ደቕኺ ምጻር ሲኢንክዮ

እሞ ደኣ ምስ ጸሊም ጨርቅኺ
ብሕዝንትኺ
ንመዓልቲ ነጻነት እንታይ'ዩ ሓሳብኪ

ኣስመራ ጽብቕቲ 
ተደዊንኪ እንከለኺ ምስ ቁስልኺ
ይስለምዎ'ዶ ይኾኑ ጎደናታትኪ
ይስዕሱዑሉ'ሎ ዶ ይኾኑ ንዳስ ሓዘንኪ

እንድዕልኪ፣ ኣስመራ ጽብቕቲ
ሎምስ ፈሪሀልኪ

ዘካሪያስ ክብርኣብ