መወጽ!

ብማዕዶ ዘለኺ ጻዕዳ ስኒ

መወጽኪ ዓይነቱ ክትነግርኒ

እንተተመነኹ ክትቀርብኒ

ከም’ዛ መራር ጸሓይ ዓይነይ ትደጉሕኒ

ጠርጢርክንዶ ገጊኽኒ።

ንሱ ከይኣኽለኒ፡ ፍሽኽታ ተጎልቢቡ 

ከም በርቂ ዝሃረመኒ፡

 ማሙቕ ከምዝወሓደኒ 

ብንግሁኡ ገብገብ ዘብለንስ፡

ካባይ ድዩ ካባኺ ጠፊኡኒ

 እናሓደረ የተሓሳስበኒ።

ንኣይ ዝገርመኒ፡ ዕጫይ ድዩ ምርጫይ 

እንታይ ከምዝህውኸኒ፡ ከይተሰወጠኒ

ስንኺ ጻዕድዩስ፡ ርሓት ይኸልኣኒ።

 እሞ፡ ከም’ዛ ዘለኹዋ ከመይ’ለ ክቕኒ፡

መዓልቱ ግዲ ፈቒዱ፡ ኣመለይ ረቒቑኒ

መዓብይተይ ከይገጠሙኒ፡

 ሃየ’ባ በጃኺ ክደንኒ

ምናልባት እንተጠቐመኒ 

 መወጽኪ ዓይነቱ ሓብርኒ።

***

ብማዕዶ ዘለኺ ጻዕዳ ስኒ

ሓንሳብ ትዕፈኒ፡ ከም ወርሒ ናይ ለይቲ ትስወሪ።  

ሓንሳብ ትውልዒ፡ ማዕረ ኮኾብ-ድራር ትስርዒ።

ኪነው ጸሓይ ዕራርቦ፡ ልዕሊ ጠረር መሃትፎ

 ኣብ ጫፍ ሳግላ ዳዕሮ፡ ትዕብዓቢ ከም ሕዶ።

ሃየ’ባ ተወዝ በሊ

ከይዘሓለት ናይ ውሽጠይ ዋዒ

  ዛ’ኣነ ዝብለልኪ ተ’ትሰምዒ

ምዓለብኪ ናብ’ዛ ናተይ ለምዒ፡  

ም’ዓልኪ ምሕዳርኪ 

ኣፍልበይ ምሓዝኪ ከም’ዛ ብርዒ።

***

ብማዕዶ ዘለኺ ጻዕዳ ስኒ

ማዕበል ክምስታኺ ባሕሪ-ኸብደይ ዝገላብጠኒ

ናይ ብሓቂ ድዩ ትመስልኒ

ወይስ ኣለኪ’ዩ፡ ክታብ መሃመሚ።

እስከ ሕራይ በሊ

መልእኽቲ-መልስኺ ክሳብ ዝበጽሓኒ

 ከይግዳዕ፡ ምሒር በርቲዑኒ

ጎረባብተይ መታን ከይክዕቡኒ

ምናልባት’ውን ቁሩብ ተ’ሓሸኒ

 ማይ ድጋመት ከሕጽቡኒ፡

በ’ቶም ፈጠርትኺ ጽን በልኒ

መወጽኪ ዓይነቱ ሓብርኒ።

***

ጎምበለ ሓወኒ

 እንታይ ተ’በልኩኻ ትኣምነኒ

መወጽ’ወ’ለኒ፡ መጽረዪ ደርግስኒ

ታህሰስ’ዶ ክብለካ ተኽልወይኒ።

   ንኣይ ዝመስለኒ

 ጽሩይ ማይ’ዩ ዘጻዕዱዎ ንስኒ።

ስለ’ዚ ዛ’ዓለም ንነብረላ፡

 ስስዕቲ ተበላለጽ ክባርኸልና’ሞ

ሕድሪ ሂብና ዝለኣኽናዮም ጠሊሞም ክሳብ ዘጽድፉና

ከይተጸበና፡ ደሃይ ሓድሕድ እንተተጠያይቕናላ፡

ሓቢርና እንስሕቀላ፡ ጽሩይ ማይ ንሰትየላ

ናይ መሬት ገነት ንቕይራ ንሕና ከምዝኾና፡

ትምህርቲ ኣምላኽ’ዩ ብሳይንስ ድጉፍ 

ካብ ጥልመት ሰብመዝነት ዘናግፍ

መኣዲ ዘለዎ፡ ንኹሉ ዝጥርንፍ።

ምግናን መኣስ ኮይኑ፡

 ፈጣሪ በ’ምሳሉ ንኣዳም ፈጢሩ

እናበሉ በዓለ’ቦ ቐሺ ዝምህሩ’ኮ

ካብ’ቲ ልዑል ናይ ምፍጣር ብቕዓቱ 

ወ’ለ’ዝጊ ንፍጡሩ ኣማቒሉ

ማለቶም’ዮም ብዛዕባ ሕያውነቱ ዝምስክሩ።

ስለ’ዚ ሰብ ተኣኪቡ፡ ዓቢ ንኡስ ምእንቲ ክላዘብ፡

መመክሒ ዓዲ ሃገር

 ብንፋስ መንኣመኖ ሓዊ ናብ ዝተኣጉዶ ኣይትተዓዘር።

ኪነው ባሕርን ምደረበዳን ካብ ትድከር

መስርሕ ለውጥን ዕርቅን ብኣኻ ምእንቲ ክጅመር

ካብ ደንደስ ናብ ደንደስ እንተትናጠር

ብሰሓቕ ከምዝደምቕ ናይ ሂወት መቐረት 

ብቐሊሉ መወጽ ከምዝቕንጠስ

ኣይትጠራጠር።

ከመይ’ሲ፡ ብምትሕልላይ’ዩ ምንብባር ዝስረት

ኣብ ጽላል ታቦትካ እግሪ ዝትከል

መቖምያ ተመርኲስካ በረኸትካ ዝፍቀድ።

ሃየ በል’ሞ፡ ጽሩይ ማይ ክትሰቲ

ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ክትዋሳእ ምእንቲ

ምስ ሰብካ ክትመክር ክትዝቲ

እንተፈሊጥካዮ ኣብ ገበላኻ ዘሎ ሕዛእቲ

መሊኡ ስለዘለዎ መወጽ፡ በብዓይነቱ ኣትክልቲ

ኣይከተዓሻሽወካን’ዩ በዓል ርሑቕ ንዳእቲ።

ግደ ሓቂ ድማ፡ ብንጽጽር፡ ትዕድልትኻ እንተዝምጠን

ጎድንኻ ድርብ’ዩ፡ ጎተነኻ መሶብ።

እቲ ቐደም-ቀደም፡ ዝኣመና ኣሚነን’የን

 ጥሪትካ እንዳ መዓለ’ቦኻ ዝሕለባ ዝነበራ፡ ኣለዳ ኣርፊደን

ምሕዳረን፡ ውሕዥ መረብ ዝሳገራ ጥንቅልዒት ቀርነን።

 ኣብ እዋንካ በጺሑ ግን፡ ዘርእኻን ዋኒንካን ይብተን

 ኣደታት ክሳብ ዝምህለላ ክዳን ለይተን ጎቲተን

ህዝብን ታቦትንዶ ኣብ ሰዓትካ ይስደድ።

ስለ’ዚ ታሪኽ ንኽትከብ

እንተዝርከብ’ሞ፡ ከም እዋኑ እንተዝምከር

 ብዓይኒ ሓልዮት ተ’ዝሕሰብ

ምስ ምልዛብ፡ ዘሎ መኽሰብ

ብሰሓቕን ቅሳነትን ከምዝዕቀን

ዝጸንሐ’ዩ ናይ ወራዙት ጥበብ።

ጽን’ሞ ንበል!

 መኣስ ጠፊእዎ ንወዲሰብ

ኣውሊዕ ከምዘብቁል ጠረር-ደንደስ።

ጨናፍሩ ልስሉስ፡ ንመወጽ ዝቕንጠብ

ምልክት መስተርሆት፡ ናብ’ታ ዓባይ መርከብ

ኖህ ዝሃነጻ ብናይ ወ’ለ’ዝጊ ጥበብ፡

ብማዕበል ሱናሚ ምእንቲ ከይጸንት 

ናይ ፍጥረታት ዓሌት፡

ብቖጽሊ’ውሊዕ’ያ ርግቢት፡

 ደሃይ ለውጢ ዘመስከረት።

 ስለ’ዚ፡ እንተተዘርዚሩ ናየ’ውሊዕ ቁም ነገር

ኣስናን ኣጻዕድዩ ናብ እዝኒ ዝስቀል

ቀጠልያ መልክዑ .. ምልክት ሰላም ቅሳነት

ቁርጽራጹ’ፍላጹ መዕጠን ገንኢ-ጸበል

እቲ ዓቢ ጉንዱ መትከል፡ ዓንዲ-ማእከል

ሰረወ ዝስከም ሕቖ ገመል

መዓቑቦ ስድራቤት፡ ናይ ህላወ መሰረት

እዋኑ ኮይኑ’ምበር ወደይ፡ እንዳዶ ይንቀል

ካብ ሱሩ ይቡርቆቕ።

ስለ’ዚ እዝኒ ንዘለዎ’ሞ ንዝሰምዕ 

መወጽ’ወ’ለኒ መወጽ ኣውሊዕ

ፈውሲ ሕማም ግርጻን ፈውሲ ሪሕ

 ንስኒ’ጻዕድዩ፡ ኣበሃህላ ዘማዕርግ።

ንኹሉ ዝማቐል ዘየቕንእ።

ኣብ መሮር ዝበቁል ዘይስርንቕ

ምዓሉ ምሕዳሩ ምስ ዝዋውዕ

ወላ ምስ ኣራዊት ብስምምዕ፡ 

ከም ብሩር ዝደምቕ።

እቲ ዝገርም!

 ልቢ ምስዝኸንብ’ሞ፡ 

መወጽ ምስዝጸልእ፡ 

ግርጻን ይስቕስቕ፡ ኣስናን ይዕክት

ንቐረባ ዘርሕቕ ግናይ ብሂል 

ከም ፈሲ ይነፍሕ።

ታሪኽን መጻኢ ዕድልን ዝፈናጥሕ

ኣረኣእያ ምንቅስቓስ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ይገዝእ ይመርሕ።

ብማዕዶ ዘለኺ ጻዕዳ ስኒ

ምስ እዋን ክሙግት እንተደገፈኒ

ምእንቲ መሰለይ፡ ምሳለይ እንክዛረብ እንተ’ማዕረገኒ

መወጽኪ ዓይነቱ ሓብርኒ። 

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ (This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.)

11/23/2015

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...