ይውሰድ ዓመተ ዓመተ

ይውሰድ ልደተ ልደተ

ንህልቂት ጸብጻብ ዝሃበተ

ንብላሽ ኣይኮነን ዝኸረተተ።

 

ፍትሒ ኣይትፈልጥን’ያ ደረተ

ትሓስብ ትእክብ ጠፍአ ህይወተ

ሲናይ ሊብያ ሰሃራ ዝረኣየ ስደተ

ኣይውዳእን ሕዝቢ ብተመልከተ።

 

ጭካነ ኤርትራ መሰክሕ ብሓቂ

ዜጋታት ሃሊቖም ብጃምላ ብውልቂ

ግፍዒ ፋሽን ኮይኑ ስልጣን ተባሒቱ

ጎዳጉዲ እኽሊ ደቅሰብ ቀቢሩ።

 

ሬሳ ተዛሪቡ ምስክርነት ቀሪቡ

ዝመጸ ይምጻእ ሂቡ ቃሉ

ዜጋ ሕጊ ሰብ ሕጊ ዓለም ዓስቡ

ነበርቲ እዛ ሃገር ኩሉ ተደበሱ።

 

 

ቀደም ዝጠፋእና ሰብ ከይሰምዓና

ሎሚ ተለዊጡ ዓለም ሓልያትልና

ንነፍስ ሔር ዝኽሪ ቀለም ተጻሒፉ

ህልቀት ሕሉፋት  ምሳና ነጺፉ።

 

ሰበ ስልጣን ሰብ ሰልጣን ልኡኻት ናይ ሰይጣን

ኣብ ትሕቲ ገበን ተሓተትን ተጠመትን ኣትማን

ለኣኽትን ተላኣኽን ደቂ ገበል ሰገድቲ

ብቀይሕ ቀለም ተጻሒፉ በሰላ ማህረምቲ።

 

ተዛረብ ሲዒሩ ሱቕ ምባል ተሪፉ

ይቀላዕ ይተረኽ ዒላ ዒሮ ተፈሊጡ

ምዕባስ ምብስባስ ተኸታታሊ ሜላ

ደርሆ’ካ  ትንቁ ክንቲት ተመንጢላ።

 

ክትብሉ ትኽእሉ፣ ክትብላ ትኽእላ

ኣይተዛረቡ ኣይተዕልሉ ኣይትንገሩ ጉድና

ሱቕ ኢልኩም ተቐበሉ ኣደራዕ ጭቆና

ኣፍኩም ይተዓበስ ጋና ኣይተእትውልና።

 

ኣይፋል ኣይፋል፡፡፡፡፡፡፡፡፡፡፡፡፡፡፡፡፡፡፡፡፡፡፡፡

የብሉን ምኽንያት ኣነ ተኣዚዘ

ንርእሰይ ሓሲበ ክድሕን መሪጸ

ሰባት እናሃረምኩ እናገረፍኩ ነቢረ

ብደም ዝተገዝአ ደም ስደት ዊሒጠ።

 

ስርዓት ሕጊ ዓለም ኣይምልከት ንዓይ

እስኪ ሰተት በሉ ምጭውቲ ቅርዓተይ

ዝፈትዋን ዝስዕሰዓላ መሬተይ ናይ በይነይ

ናይ ጨቆንቲ መንግስተ ሰማይ፡ ንዓይ መደቀሲተይ።

 

ኣበይ ከይትበጽሕ ዓለም ርሕቕቲ እያ

በትሪ ኣይሃርመንን ኣስመራ ሰላም እያ

ሸይ ሸይ ይብል ኣነ ንደቂ ኤረ የብኪ

ንግሆ ንግሆ ዶላር ይብሕጉግ የድኪ።

 

ሓውኻ ኣበይ ኣሎ ሓብትኻ ኣበይ ኣላ

ኣቦኻ ኣበይ ኣሎ ኣኮኻ ኣበይ ኣሎ

ኣደኻ ኣበይ ኣላ ሓትነኻ ኣበይ ኣላ

ጉልካ ኣበይ ኣላ ወድኻ ኣበይ ኣሎ።

 

ኣበይ ኣሎዉ ኩሎም ዝኣተዉ ደልሃመት

ኣበይ ኣለዉ ዝወሰዶም ሃገረ መስደመም

ስሩዕ ደላይ ፍትሒ ይሓትት ኣሎ ድሃይ

ብህይወት ይኹን ብሞት ይፈለጥ ኣብ ሰማይ።

 

ኣበይ ኣላ ኣስቴር ፍስሃጽዮን ፈራሚት

ከማኹም ሚኒስተር ነበር ግን ፍትሓዊት

ሕግን ቅዋምን ሃገር ደልየ ስለዝበለት

ጠፍአት ዜጋ ተመቖሐት ተሳቐየት ተሸርበት።

 

ምናልባት ኣይፈለጥኩምን ዓለም ኣበይ ኣበለት

ብሂትለር ተማሂራ እያ ዕግበት ሕጋውነት

ሓለፍቲ ናዚ እዮም ኑርንበርግ ደው ዝበሉ

መቕጻዕቶም ብቤት ፍርዲ መስርሕ ተደዊሉ።

 

ኣበይ ኣሎ ተይለር ኣበይ ኣሎ ባንዳ ሕተቱ

ኣበይ ኣሎ ሉባንጋ  ኣበይ ኣሎ  ሕተቱ

ኣበይ ኣሎው ናይ ኮንጎ ሰብ ገበን መጥፋእቲ

ኣበይ ኣሎው ናይ ሰርብያ ጀነራላት ነበርቲ።

 

መዓልቲ መጸ መዓልቲ ከደ ከደ ከደ

ኣብ መቓብርኩም ክእወ እዩ ግዳይ ግደ ግደ

ዛንታኹም ክትንበ እዩ ጥፍኣት ዝሰወደ

ሕይወትኩም ከለኹም ክትብሉ ጭርጭር ዓበደ። 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...