ታሪኽ ያኢ ሕንቅል ሕንቅሊተይ ኮይኑ፡
ብኸመይ’ሞ ክገልጾ ባህሩ?
ተመንዶ ክብሎ ነፋሒቶ ሕብሩ
ኣብ መልሓሱ ኃይሉ
ንገለን ጠቢሩ
ንገለን ቀቲሉ
ንገለን ቈጺሩ
ዓራቱ ዝሕሉ”
ዝፈልጥዶ ይህሉ?

ዝያዳ መምብርሂ በሉ እነሆለ
ፍለጡለይ እስከ -
“ሰብኣይ ያኢ ኢሎሞ በዓል ስረ
በሊሕ ኵናት ዘይውዓለ
ጀጋኑ ክራጸሙ  - ኣብ ዓዳይ ዘጽለለ
ሕመቑ ኪሰተር  
ሕዝበይ ዘሸበረ
ንባህገይ ዘእጐለ
ትምኒተይ ዝዓጠለ
ናጽነተይ ዝቐበረ
ሓርነተይ ዘባረረ
ድምጸይ ዘዛሕተለ
ንብረተይ ዝገበረ?”

ኣይፋልካን ተጋጊኻ
ታሪኽ ኣዋቒዕካ
ጽን’ባ በሎ “ንሕና” እንብለካ
“ንሱ እኳ - ንሱ’ኳ”
ዋዛ ከይመስለካ
ንሱ እንድዩ ሃገር ኣውሂቡካ
ንሱ’ንድዩ ካብ ንፋስ ጕልባብካ
ንሱ’ንድዩ ቀረባ ዘመድካ
ንሱ’ንድዩ ዘሙቖ ሓዳርካ
ንሱ’ንድዩ መዓር ዘብልዓካ
ንሱ’ንድዩ ጸባ ዘስተየካ
ንሱ’ኳ ንሱ’ኳ …… ብኸንቱ ዚጽዋዕ ከይመስለካ?
ዕዳ’ለካ ስሙ ዘራኸስካ
ክልተ-ምኢቲ ካብ ኩሉ እቶትካ
ነዚ ዘይትቕበል ፍሩስ’ዩ ቤትካ
ንሱ’ኳ ንሱ’ኳ…. ዋዛ ከይመስለካ
ንነግረካሎና መጠንቀቕታ ንህበካ
ንሱ ድኣ ዘይቢሉ መሰታ
ሃገር ዘባትኽ ብዘይ መሰነይታ
ንሱ’ኳ… ንሱ’ንድዩ ዝመልካ ንኣመሪካ!!!”

እንተ ተባህለ ተባዕታይ ጎብለለ
እንተ ተጸወዐ ኣቦ’ዞም ጎምበለ
ባዕሉ’ንድዩ ሽሙ ዘማዕበለ
ብዘይ ቀተሎ ኣንበሳ
እንተመለሳ ፋረ
ሓቂ ከይመስለኩም ዘባዝሖ ወረ
ልቡ ዘይኣምነሉ ወትሩ ምስ ተዳህለ።

ኣብ ጽምዋ እንተዝረኸቦ ኔረ
ጭዋዳ ቅልጽመይ መርኣኹዎን ኔረ
ብቅልሽ እንተዝመጽእ
መውደቕኩዎ ጠሊፈ ሓንኵለ
ኣስቲ እንተዝኸውን
ምሃብኩዎ እብረ
ጸወታ እንተዝኸውን
ምበልኩዎ “ዓለ”
ባእሲ እንተዝኸውን
ምበልኩዎ ድለ
ኣብ ወጠር ክሳዱ
ሻፎ በትረይ ጌረ
ስብእነትይ ሻቡ ምተኸብረ።

እንተኾነ ግን ባዕለይ ተሃሚለ
ጥበራ ቃላቱ ሰሚዐ ዳህሊለ
ብተጸምዶ ቃልሲ
ንኡ ሸለል ኢለ
ብጻይ ተመሲሉ
ኣስቲዩኒ ዐረ 
ፈታዊ መሲሉ
ምሂዙለይ ዝረ
ጓና ኣዕጢቑለይ
ሽቶል እተኾልኰለ
ዓቀይታይ ኣዕጢቑ
ብረት ዘንጠልጠለ
ኣኽላባት ኣኪቡ
ፈኒውለይ ዕሰለ
ብሻራን ሽጣራን
ስልጣን እተሰቕለ
ጥፍኣት ዝቕናቱ
ናይ ሕዝበና ጸረ
ብሓሶትን ጃህራን
ኣዕይንቲና’ኳ እንተ ተኸለለ
ከይመስሉም ግዳ ፍጹም ዚዓወረ
ጋህምና ለጊሱ
ቍልዕና ኪእለ
ኣዕይንቲ ሕዝብና
ናብኡ ምስተኰረ
ሽዑ ኪጽብጸብ’ዩ ገበኑ ኪጻረ
ቅዋማና ኪትከል ቅኑዕ ዚነጸረ
ዓለም ተራ እያ ብጊዜ ብእብረ
ሕዝቢ ዕልል ክብል መላኺ ኪእለ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...