ፍረ ቃልሲ ዑና መወለዳ
ኣደታታ ብሓዊ ኪነዳ
ውጻእ መዓት ሓዊ ዘይቀመዳ
ትእማር ተሰሚያ ረቢ ዝነኣዳ
“ወሰደት በለጸት ኮርዒዳ!”
ተባሂላ “ካብ ኵለን ዝያዳ”
ሕንቃቐ ድራራ ኣይግዳዳ!

ዝሓለፈ ማኣስ ኰይኑ ህደዳ
ረቢ ምስ ጸልአ ዘይቢሉ እገዳ
ማይ ኣይሂ በርቂ ምስ ነጎዳ
ክተምልጥ ቅርደት ተሰዲዳ
ዝባን ናቕፋ ክትዕቈብ ተገዲዳ
እንተ ሓሸ ንባጽዕ ወሪዳ
ቀይሕ ባሕሪዶ ውሒዱ “ሞጎዳ”?
ረሲዓቶ ኣብራኻ ኪርዕዳ
ውጻእ መዓት ሕልፈት ተፈሪዳ
ኣነስ ጠፊኡኒ ዛወረኹም ጕዳ!

ወረታትኩም ንእዝነይ እንግዳ
ክትብሉኒ እመነና ግዳ፤
“ትእማር’ያ ሸቢዓ በዚሑዋ ናእዳ
ንኣዳም ገረሞ ንታይ እዩ ጕዳ?
መስመር ኅልናኣ በቲኻቶ ቀይዳ
ኣብ ዕብየታዶ ሃሊላ ሰዲዳ?
ሽፍታ መሮር ኣብ ክሳድ ዓሪዳ
ዘይንቡር ክትገብር ምዕማጽ ለሚዳ?
ማሕጸን ሓጺን ከዊሑዶ ከብዳ?
ከም ኣድጊ በረኻ ጋሊባ ሓንጊዳ!
ጸጊባ ተጕስዕ በሊዓ ውላዳ!
ስብር ቅንጥስ ቍኖኣ ትእማር ኣይግዳዳ።”

ኣነ ዚስማዕኩ ክትምንንያ ኸይዳ
ዓለም ንዒቓቶ ነቒላ ኣንቂዳ
ኣብ በዓቲ ክትድቅስ ኣንጺፋ ሓመዳ
ዝዋውዕ ኣሲራ ለቢሳ “ከለሜዳ”
ደገ-ሰላም ኣትያ ቤት-መኻእ ሰጊዳ
እንዳ ጳውሎስ ክትምህለል ማሊዳ
ሓዲራ ኢሎምኒ ኣብ ጸሎት ተጸሚዳ
ዓዲ ቀይሕ  ኣጽሊላ ንእንፊ መንገዳ
ንጋብር ኮኸባይ ክትሳለም ከይዳ
ሓጢያታ ክሰርየላ ዳዊት ኣዛይዳ።

ወረ መናፍሕኩም ኣግህዱለይ ጕዳ
ትብሉኒ ዘሎኹም ጋኒን’ዩ ዘመዳ?
በዓል ሚካኤል ገብርኤል
ጸዊዓቶም ብዘይ ፋይዳ?
መኻሪዶ ስኢና ለባም ገኒሑ ዚምዕዳ?
ገዛቲዶ የለን ብሕጊ ዘገድዳ?

እዚ ዝተግባራስ ክገንሓዶ ክንእዳ?
ንሳ ተውርየለይ ግፍዒ ዘሰንበዳ
ካባኻትኩም ዝሰምዖ “ጨካንያ ብዘይ ሕንዳ
ጓህሪ ተዃቲኻስ እግረይ ነዲዳ
ትኪ የልቦን ትብል መግሃር ኣጓጕዳ
ጎዳጕዲ ፍሒራቶ ብመደዳ
ሓመድ ኰሚራቶ ኵዒታ ለበዳ
ኣእማን ኣኪባቶ ኣኻውሕ ዛሎዳ
መሬት ሓዚኣቶ ነፍሳ ኣዛይዳ
ንብረት ገቢታቶ ንውሉድ ውላዳ።”

ውጻእ መዓት ትእማር ዘይግድዳ
አረ እንታይ ጉዳ ኣታ እንታይ ጉዳ?
ወዮ ገበናሲ መሊኡ ሰሌዳ!
ለከ ነባዕ ዓይኒ ከዳዒት ክሒዳ
ምኽንያት ኣብዚሓ ነንፍሳ ንኢዳ
እናበለት “ኢዳይ ጽሩይ ልበይ ጻዕዳ
ዓለም ኣሻርያ ዕዉር ፈሪዳ
ብዘይ ጭብጢ ሓንጺጻትለይ እገዳ።”

ክንምስክርዶ ሓቂ ዘእተወልና ስንበዳ?
ኣይግድን ታሪኻ ትእማር ኣይግዳዳ
ውዲት ኣሊማቶ ዘእቱ ናብ ፍዳ
ኣብ ጥሙይ ከብድና ክትመልሰና ዕዳ
ግሁድ ዝገበናስ ንሕናኸ እንታይ ንፍረዳ?
 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...