እምነ’ወ ሠናይ
ከም መዓር ሰንከላይ
ብዘይ ሕንዚ ሽሻይ
ካብ በዓል ሳንዳይ ኣብሻይ
እናቈረስኩ ሕምባሽይ
ኣወል ቡን ምስ
ዳግማይ ሳልሳይ።

ስኒትን ሰላምን
ድልዱል ምሕዝነተን
ቅሳነት ክትሕወሰን
ምስ ህድኣት
ሐቢረን ክውዕላ
ናይ ቀድም እናዕለላ
ክስሕቃ ክሓምያ
እናተቐባበላ
“ዓዚዛስ ንዓወት ያኢ ኣፍቂራ
ወይ ጕዳም ንሰፍላላ ይኾነላ”
ወያ ሓሊማ ወርቂ ተሰሊማ
ክሊ “ዛይድ እንዶየላን ካብኣ ዝጠዓማ
ኣብ ሥልጣን ተጠምጢማ”
ንመሓዙተን ከልዕላ ክዝንጥላ
ካብ ሻሂ ናብ ቡን እናተቐባበላ
እናበላ ወጊሓ ክሳዕ ትዓርብ
ፀሓይ ክትብል ጭንቅርብ።

ኣጋ ምሸት “ሳዕስዕ’ሞ
ሓደርካ ኣይትረስዕ” እናበላ
ክብላ ብድድ ብድድ
ሓሜተን ቀጸላ መምቁሩ እናልዓላ
“ወያ ነገሠት መሓዛ ሰፋኒት
መስፍን ወሲዱዋ
ምንጥል ኣቢሉዋ፡
ካብ ክብረት ናብ ሕስረት
ኣይነበረቶን እንዶ ገነት
ዘናፍሳ ምሽት ምሸት?”

ነጋሽ እንድሎ ምስ ድሃብ ዝዓበደ
ብድሆ ኢሎሞ ካብ ኦም ዝተወልደ
ዓብለሎም እንድሎ ናብ ራህዋ ዘንቀደ
ኣርዓዶም ዝሓዛስ ሓመድከ ዕደ!
ዕላለን ክመስል ዘልቀምቀመ
ኣበይ ከይርድኦ ኣብ ዓንኬለን ዘይቆመ
መሓዙት’የን መዓብይቲ
መዛትይቲ’የን መሻርኽቲ
ኣይኮናን ግን መሻረውቲ።

ኣስማተን ኪዀነኩም ምልክት
ሓሊማ ያ መሓዛ ትምኒት
ሰላም’ያ ኣዳኖ ሥኒት
ህድኣት እንድያ ማንታ ቅሳነት
እኖሆተ ዓዚዛ ሰፋኒት
ሕይወት ምስ ነገሠት
ዛይዳ መጸት ክብረት
ፍቕረት’ያ ናይ ኵለን ኣካቢት
ሠናይዶ?
እወ’ምነ!
ክነብር ቀሲነ።