ቅዲ  ቓላት

 
እዞም ቃላት፡ እነሆ ይፍለጹ
ቃልቃል ይብሉ፡ በእላፋት ይልሓሱ
ሰማዒ ስኢኖም፡ ከም ልሕጺ ይቕለጡ
 
ጨርቂ መዓስ ኮይኑ፡ ቃል ዝልቀብ
ዓለባ መዓስ ኮይኑ፡ ቀላይ ዝቕደድ 
ዋዛ መዓስ ኮይኑ ዘረባ፡ ንብላሽ ዝርብረብ
 
በዓል ፋና’ሞ ግደፈን
መዓስከ ዓሪፈን
ገዲሽወን ድዩኸ፡ ነብረሀት ክደልያ ጸሓይ ዓሪባተን
 
ወረ፡መረ ኾይኑዎ፡ ኣሰር እግሪ ክብል  ዘብዘብ
ጉዕዞ ግዲ መሪጹ፡ ፈቐዶ ጽላል ገረብ
ብቐላይ ብኣየር፡ ኣዳልያ መዕለብ
 
እዘን ቃላት ሓዙወን፡ ንኣሰር ከይጠፍኣ
ክንብል ኢለን፡ ክዕው ከይብላ
ኣውያት ንየው  በሊዮ፡ ትብል ኣውያት ባዕላ
 
እዘን ቃላት፡ ገና ኣይረኸባን ግጥመን
ግዲ ተሃስየን፡ ኣብዛ ጸልማት ዘመን
ንየው ነጀው ክብላ፡ በቃ ጨው ስኢነን
 
ነጸለአን ደርብየን፡ እንታይከ  ተሪፉወን
ቅዲ ኽዳን ሓሊፉ፡ ልሳነን ኣብዩወን
ብነቐዝ  መቐዝ፡ ኣፈን  ተኾሊፈን
 
እወ፡ ኣይብላዕ  ኣይስተ፡ ኮይኑዎ ዘመተ
በል ተበለ፡  ወላ  ተመከተ
ኣፉ ኸፊቱ፡  ክዛረብ ምስ መስተ
 
ሃየ በሊ፡  ረዛን ልሳን
በል! በል! በሊ፡  ፍትሕየን ነዘን ጉዳም
ድምጺ ሃቢ፡ ነዘን ዕሱባት የእዛን
 
በሊ!  እነሆለ ቃላት ይፍረድ፡ ይቕደድ
ከም ከብቲ ስጋ’ወ፡  ይጉዘ ይሕረድ
መዓርፎ ስኢኑ፡ ወግሐ ጸብሐ ይዋረድ
 
እነሆ ዓለባ እተን ቃላት: ክፍተላ
እወ: ክውቀጣ
ብዓለባ ሳሬት ክንጸላ
 
ሓው፡ሓው ክብላ: ከም ቆሎ ዓተር ክቕለዋ
ከም ፍረ ኣድሪ ክዝረኣ
ቃል ብቓል: ተር ከም ዓተር ክዓልባ
 
ፊደል ብፊደል እነሀለዋ
ወግዒ ሒዘን ምስ በዓል ፍንጃል: ቡን  ጀበና
ኣብ በረካ ኣወል ድምጺ ክህባ፡ ሃየ ክብላ
እልልልልል! እኳ በለት፡ 'ታ ነጸላ ባዕላ
 
 
ገብርኤል
28 ታሕሳስ 2014