ተርእዮ

 
ቅያ ሃገር ኣየ’ዛ ዓድና
ርእይቶ ዝህቡ ሰሲኖም ኣመና
ገለ ይብሉ ዓሲሉዋ ማና
ገለን ይምሕል ብበያድ ጽገና
ገለን ይዓጥቁ ንስዕረት ጭቆና
ፈታዊና መን መንከ ጸላኢና?
ኣቤል ቃኤልን ኮይኑ ዝምድናና
ኢድናባ ኪነጽሕ ምስ ቍሩሕ ግንባርና?
ተርእዮና እንታይ ርሑቕ ጠመተና?
ሰላም ድዩ ዝውቱር ጭርሖና?
ዕላማናኸ እንታይ ኣሰር መንገድና?
እሰክ ንግበር ምርመራ ኅሊና!!!
 
ተመኵሮና ዓሚቝ መሠረቱ
ህልው ኵነትና ሰጣሕ ምድሪቤቱ
ኵሉ ጋህዲ ዓውደ ዘመን ወቕቱ
ሕቶ’ሎኒ “እንታይ’ዩ ሰዓቱ?”
ሰላም ፍትሒ ጎደል ኮይኑ ለከ’ዩ ጸልሚቱ
ወርቂ ሰዓት ኢድኩም ፀሓይ ትቋመቱ
ሕላፍ ሰዓት ኣትዩ ሓፋሽ ነናብ ቤቱ
ጊዜ ዘየኽበረስ ዕዳ ምስ መቕጻዕቱ
እዚ’ውን ሓሊፉ ዘይወግሕ ምሸቱ
ጊዜ ሓላፋይ’ዩ ምስ ኣእከለ ወቕቱ
እንታይ ተርእዮኹም ኣበይከ ኣንፈቱ?
 
ውሽጣዊ ኣዕይንቲ ናይ ኅልና ራእይ
ከም ንጻሬ ጨረር ኣኻውሕ ይጨድድ
ኣድማሱ ዘይድረት ብህዋ ይስንጥቕ
ከም ንስሪ ይዝንቢ ብሰማይ ይበርር
ንዳህሳስ ነቒሉ ኣብ በሪኽ ይዓልብ
ሓሳበት ይፍልፍል - ዕሞቓት ኣእምሮይ
ኣብ በዓቲ ልበይ መዕቆቢ ኪረከብ
ብመቝዓሚ ጥበበ ሥነ-ፍልጠት ከጽርር
ብሰብኣዊ ክብሪ ንርትዒ ኪምርቕ
ኣብ መኣዲ ሰላም ከሳሲ ከእንግድ
ውሽጣዊ ኣዕይንቲ ናይ ኅልናይ ራእይ።
 
“ራእይ ዘይቢሉ ሕዝቢ ይጠፍእ” (መጽሓፈ ምሳሌ 29፡18)