ብደወል “ዓርቢ ሓረነት”
እዛ ልበይ ተሰቕለት! 

‘ኢድ ጸናሒት ሸናሒት’!
ከም ዝተባህለ ብቐዳሞት
ናባይ ተመሊሳ ጥልመት
ትደናደን ኣላ ክተጽድፈኒ ናብ ደልሃመት
ኣብ ሰማይ ዘሎ ጽሕፍቶኻ ዘይተንብብ! እናበለት
መርገም ኮይኑ’ሎ ነዚኣ ዝመሃዝኩላ ዕለት
ከምቲ ንዓመታ ዝጽለል ሎሚ እምኒ ይድርቢ ዝተባህለት 
ክስዕረኒ ጀሚሩ’ሎ ጽላለ ከልበትበት
መዓልታ ቆጺራ ናባይ ትመስል’ያ ዘላ ጥልመት
የምበድብዳ ከኣ’ሎ ደወል ዓርቢ ሓርነት
ሽም ነቢ ኢሳያስ ሒዘ ከለኹ ብምጉሓት
መመሰሊ ኮይነ’ለኹ ናይ ሰይጣናት
ከፈሽል’ውን ኣይከኣለን ብናተይ መናፍሓት 
ክሕባእ ኣይከኣልኩን ዋላ ኣብ ጸልማት
ጸልማት ዝጋልህ ስለ ዘሎ ኢንተርነት
ንህዝቢ ዘንቅሓ ስለ ዝብዝሓ ህዝባዊ ራዲዮታት
ፍሕሶታተይ ዘቃልዕ ስለ ዝበዝሐ ዝምጉት
ኢድን ጓንትን ኮይኖም ምስ ዓርቢ ሓርነት
የስድዑዎም ኣለዉ ነቶም ምሳይ ዝብሉ ሸኾርተት
ይበዝሑ’ለዉ ምምእዛዝ ዝኣብዩ ንኣና ንጎይቶት
በዚሖም ዝዕንቅፉኒ ካብ’ቲ ዝለመድኩዎ ሰብ ምርጋጽ ምቕባር
ድቃስ ስኢነ’የ ዘለኹ ብደወል ዓርቢ ሓርነት
ከጥፍኦ ጽዒረ’ውን ከም ሮማዲ ሰፊሑ’ዩ ዝሓድር
ብዓርቢ ሓርነት ይብህርር’የ ዘለኹ ይብህርር
መንፈር ዘይብለይ ኮይነ’ምበር ሒዚኑ ዝዕዘር
ዕዝር ምበልኩ ናብ ሽታ ባሩድ ዘይብሉ ሃገር
ዓዶም ምገደፍኩሎም ምድሓንኩ ካብ ምብህራር
ምዓረፍኩ ካብዚ መዕለቢኡ ዘይፍለጥ 
ናብራ ሃተፍተፍ ዕግርግር
 
ምልኪ ይፍረስ ግዝኣተ ሕጊ ይንገስ
ምስሉ ተኪኤ  ሕዳር 22, 2014