ዝባን መሰረታ ቈላ
ዓንዳ ቍልቍለት
ናሕሳ ዓቐበት
ክብ ዝበለት ዋላ።

በራኽ ጠረር ሰማይ ጠቀስ ጎቦ
ግመ ዚሸፈና
ግርማ ዚዓሰላ
ኣለዋዶ መዳይቦ?

ዓቐብ ትልኽ ክሳድ ህትፍ ከተፍ ንደጋ
ጽላል ህድሞይ ፀሐይ ኣብ ምድማቓ
ጠሊ መሬት ድቋ ተጸሚቛ
ዋንጫይ ጭልጥ ከርክብ ዕዳጋ
ውረድ ደይብ ክብል ምስ ወዲ ሃገር ዜጋ።

ባህጊ ልቢ ሰውሒ ጎልጎል ሻኻ
ባህታ ዓይኒ ቀጠልያ ኣዝመራ
ዳጕሳ ጣፍ-ሓጋይ ምስ ጻዕዳ መሸላ
ስቡሕ መሬታ ዱኻ ምስ ዋለኻ
ኣታ በዓል ወንጭፍ ትሕሉዶ’ሎኻ።

ዝባነይ ፍግረ መሬት ገፈን በሰላ
ሕቃቕ ድጕሪ ማሕረሻ ከርስኺ ኪፍንቃላ
ኩርማጅድን ሓለንጊን ዕጫ መጽዓኛ
ዝባንኪ ውዒሉ ምስ ረሓቐ ዳኛ
ዝባን ሕጊ መጕተ ኣግብእ ዘይብለላ
እኽቢረያ ክብረት ዘይረኽበላ
ጽራይ ሓቲተስ ሐተላ
ፍቕሪ ለሚነስ ኣተላ
ከንቱ ጻማይ ሓሰር ቡቕቡቕ በለላ
ኣንቆልቂለ ዕዝር ሰፈረይ ኣብ ቆላ
ሃዲነ ክበልዕ ኢራባት ምስ ዛግራ
ነጊደ ክናበር ከይፈራሕኩ ናዅራ
ማይ ባድ ክሕጸብ ከይወፈረት ከላ።

ዝባነይከ? ዝባን - ዝባን ሕጊ ካብ እግረይ ከይትተርፊ!!!