እንተበልኩምኒ ተነበ
ኪነግረኩም ኵነታትና ጸብጺበ
ትርጉሙ ግዜና ነቢበ
ብተራ ረብሪበ
ብምልክት ተዛሪበ
ባህልን ያታን ኣስዒበ
እዚ’ውን ሰማዒ እንተረኺበ
ትምኒተይ ከንቱ’ዩ ብኣምላኽ ዘይተዋህበ።

መንገድና ከይመርሕ ቀኒዑ
ጐደናና ካኺቶ ተፊኡ
ኅልናና ጫጕዩ ዘንቢዑ
ኣሻሪና ኣኅዋት ኪዋድኡ
እጣቒዕና ስንኵላን ኪጥቅዑ
ተዓሚትና እሱራት ኪጠፍኡ
ደቅና ኣራዊት ምድርን ባሕርን ኪብልዑ
መዓትና መኣስ ተወዲኡ።

ግን እንተበልኩምኒ ተመነ
ኪዛረብየ ኅልናይ ኣሚነ
ኪርሕቀልና ጭካነ
ኪኣልየልና ፈተነ
ከውጻኣልና ብያነ
እናበልኩ “ሕድግ ለነ”
ብእከየይ ተኣሚነ
ምሕረት ኣምላኽ ለሚነ።

እንተበልኩምኒ ተተስፈ
ክፍትነየ እምነት ተደጊፈ
ክጽግን ዝተዀልፈ
ከርክብ ዝሓለፈ
ከስዕብ ዝተረፈ
ከምልስ ዝተዘረፈ
ክምልእ ዝተሸርፈ
ክሳዕ ዚሰርየለይ እሾኽ ዓንዴል ሓቝፈ።

ዚመሚ ብደረጃ - ኣበሎ’ቲ ወረጃ?
ዘርእየና ብርሃን - ኣበሎ’ቲ ለባም?
ዘርሕቐልና ፍርሒ - ኣበሎ’ቲ መራሒ?
ጸላኢ ዚሰጐና - ኣበሎ’ቲ ጅግና?
ቃል ኣንደበት ነቢ - ኣበሎ’ቲ ዓቢ?
ማሕጸና ዝወለደ - ኣበይ ኣላ እታ’ደ?
ንብዓታ ዚወሓዘ ቅርዓት -ኣበይ ኣላ እታ መርዓት?
ሓንጐሉ ዘደንዝዝ - እንታይ ረኸቦ’ቲ ጎበዝ?
ኣበላ’ታ ጎርዞ?  ክብረታ መን በዝበዞ?
ንዝኸድናዮ ጕዕዞ ንዘሕለፍናዮ ቃልሲ - ንሃበሉ መልሲ።