መኣስ’ሞ ፈትየ ወግሐ ጸብሐ ቍዘማ
ቃንዛ ኣካል ቀላል ምጽማማ
ቍስሊ እምሮ ረኺሳ ለጊማ
ስንብራታ ሕቡእ ማዕቡባ ጸለማ
ክዉል መድኃኒታ መን’ዩኸ ሓኪማ?
በዲዶ ተላገብ ጥፍኣት ብላኼማ።

ኣነዶ’ሞ መሪጸ ሕይወት - ወትሩ ልቕሶ
ድግድጊት ዓጢቐ ዕላማይ ከንግሶ
ከም ሓጺን ጸኒዐ ወድኖይ ከዳዕሶ
ንስሩት መትከለይ መን’ዩ ዝምቍሶ
ዓይነይድየ ኪዕምት መሰለይ ንገሃሶ
ኢደይ ተቐሚደስ ሕጂ’ውን ክዕሾ?

ከማይ እንዶ’ይኮነን ዝተሓርሰ ተጠኒሱ
መን ካብ መን በሊጹ ዝንኽንኽ ርእሱ
መን ካብ መን ንኢሱ ብሰብ ዝጣቖሱ
ኣነ ዚገርመንስ ናይቶም እግሩ ዝልሕሱ
ጸዶርን ጎፋርን ንዓጽሚ ዚናኸሱ
ዋና ምሰ’እከለ ሓመዶም ዚልሕሱ።

ኣይጽመምን ካልእ - ይትረፍዶ ሓርነተይ
መሰል ክብረት’ዩ - ርእሲ ኵሉ ሃብተይ
በዓል ዕሸ-ምሸ እንተፍረሱ ቤተይ
ዓወት ቆጺሮሞ ሃጊሮም ንብረተይ
ደም ዝጠለለት ጽምእቲ መሬተይ
ክዲና ሰቲራ ጕልባብ መዳኅንተይ።