ፈስቲቫል ህግደፍ ስቶኮልም
ዳርጋ ሓዘንዩ ነሩ ሕልምልም

ተስፋማሪያም ወ/ገርጊስ


ደላይ ፍትሒ ካበ ኤውሮጳ ተኣኻኺቡ
ንህግደፋውያን ከፍሽል ንጸረ ህዝቡ
ድኻሙ ከይጸብጸበ ጫሕ ዘብል ገንዘቡ
ከካብ ቦትኡ ተጠርኒፉ ስቶኮልም ዓሊቡ

ኣኽላባት ህግደፍ ተር ከም ጻጸ ተሰሊፋ
ገሊኣ ትሽፈን ገሊኣ ድንን ትብል ተሰኪፋ
ቦጅባጃት ህዝቢ ዝናዓቦም ዝቖረጹ ተስፋ
ኣብ ጎኒ ሓራዲ ዝተሰርዐት መን ከሕልፋ?

ደጊም ህግደፍ ኣፍ ልብኻ ምግታር የለን
ሳላ ደላይ ፍትሒ ዝበለ ላዕልን ታሕትን
ኩሉ ፈስቲቫላትካ ቐይርናዮ ኣብ ሓዘን
ተነፊሑ ዝኸይድ ዝነበረ ኣቢልናዮ ድንን

ኣብ ቦሎኛ ዝነበሮም ሃረርታ ዓቢ ትጽቢት
ጉዕዞ ሚኒስተራት ንኮንቱ ኣጸያፊ ሕፍረት
ንሶም ዝተጸበዩ ዕሙር ፈስቲቫል በሽሓት
ተጠመቱስ ዉሑዳት ቆሉዑ ጥራይ ሕጻናት
ባዶ ኮይኑ ተሪፉ ናይ ነብዪ ኢሰያስ ትንቢት

ምስ ኣረገውቲ ደሚርካ ቁጽረም ሓደ ሽሕ
ብዙሓት ኽመስሉ ከም ከልቢ ውሕውሕ
ካብ ሰብ እቲ ጨርቂ ባንደራኦም ዝበዝሕ
ህግደፍ ዕዋኖ ንሱ ጥራዩ ዝመስሎ በሊሕ

ፈስቲቫል ስቶኮሎም ሓዲግ ደሴት ጥፍኣት
ዎራዙት ዘይትሪአላ ብዘይካ ቆልዑ ሕጻናት
ሓደ ሓደ ግና ኣይተሳእኑን ዓናጅል ዓዋናት
ከምኡውን ኣዋርቕ ከርእያ ዝህንጠያ ሃላያት

ህግደፋውያን የማነ ማንኪ የለን ምስተባህለ
ኩሉ ርእሱ ሒዙ ኡይ እናበለ ዓቢዱ ተጸለለ
ብስም ደሞክራሲ ንብዙሕ ዓመታት ዘታለለ
ፈስቲቫል ህግደፍ ሎምስ ብሓዘንዩ ተጸምበለ

ኮማንዶስ ደለይቲ ፍትሒ ተኣምር ሰሪሖም
ብማእከል ብዕርዲ ህግደፋውያን ፈናጢሶም
ህግደፍ ፈጠጥ ቀልባሕ በሉ መን ክቐርቦም
ስሪሒቶም ፈጺሞም ብሰላም ተመሊሶም

ህግደፍ ሳዕስዒት ኮይኑ ናብርኹም
ህዝኹም ኣይትጉድኡ እናፈለጥኩም
ይቕረ ሕተቱ ከይ ሰወደ ሓጥያትኩም
ብጸሊም ታሪኽ ከይውቀር ኣስማትኩም

ከም ቀደም መሲሉዎም ቁጽርና ዝውሕድ
ሎሚ ከም ዓሚ አይኮነን ብደይብ ውረድ
ኣብ ግብሪ ተራእዩ ህግደፍ ጀጅዩ ክስንብድ
ዘይተጸበዮ ራዕዲ ገጢሙዎ ክሳብ ዝዓብድ

ኦ ህግደፍ ኣበየለዉ ኣሓትኪ ኣሕዋትካ
ድሃይ ከይትገብር ተካል ህግደፍ ዓፊኑካ
ዓመት ዓመት ብሓሶት ክመልኦ ሓንጎልካ
ኣይትብላዕ ኣይትስተ ቂለ ማሙ ገይሩካ

ህግደፍ ብዑቑር ሓይልታትና ሪዒዶም
ሾሮኽ ከም ዝሓዞም ዳርጋ ጻሕጺሖም
ከም ቀደም መሲሉዎም ሸለል ንብሎም
ጌና ዘይተረድኡ ህዘቢ ከም ዝፈንፈኖም

ሰብ ኩትሻ ሰብ ቀለቤት ሽቦ ምስ በናጀር
ዕድመአን ዝጨረሳ ብዘይ ሞያ ብዕግርግር
ሸኸም ህዝቢ መቋጽርቲ ኣይ ዜሮ ኣይዕሽር
ሎምስ ዝሰንበዳ ይመስላ ዝኣተወን ጥርጥር

ኣላ ዘይሕለላ ቅጽል ስማ (ድሃብ) ስማ ጽገ
ንፈልጣ ልዕሊ 40 ዓመት ኣብ ወጻኢ ደገ
ኣለዋና ኣትሪረን ዝቃለሳ ጸረ ህግደፍ በዓለገ
ክፍኣቱ ዘጋልጻ ንሰይጣን እናፈላጠ ንዝጋገ

ህግደፋውያን ሓቂ ዘረባ ጀሚረን ኣለዋ
ምስተዓዘባ ንብዓል ኣስገደት (ሞሞና)ዊንታዋ (winta Eysc)
ተዓጢቐን ንህዝበን ክነብዓሉ ክበኽያ ከለዋ
ንደኺምና ዘይበላ ንዝቃለሳ ንሰላም ንራህዋ

ኣለዉና ዑጡቓት ኣናብስ ኣለዋና ዋዓሩ
ከምኡውን መንእሰያት ኣብ ሓደ ዝሰመሩ
ክፍኣት ህግደፍ ኣሰኪሒዎም ዝተበራቢሩ
ብወጽዓ ህዝቦም ሰለም ከየበሉ ዝሓድሩ

ወይለኻ ከዳዕ መደናገሪ ብህዝብኻ ተጻወት
ቤተ ህግደፍ ናተመላለስካ ተበጻጽሕ ሓሶት
ኣትሪሩ ዘይትረግጽ ኣቃጣሪ ሕሱር ፍጥረት
ኣይትረስዕ ኣብ ቀረባ ግዜ ርግጽ ከምንዕወት

እናፈለጠ ዝጋገ ምርኡይ ተበላጺ ስሱዕ
እናነብዐ ኣሕ እናበለ ከይፈተው ዝስዕስዕ
ሃገሩን ቤተ ሰቡን ጎዲኡ ንነብሱ ዝውጽዕ
ብልጭልጭ ተታሊሉ ህዝቡ ሃገሩ ዝርስዕ

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲዩሎ

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...