ሰቲ ሰምሃር ለምለም: ማሙቕ ጸሓይ

ተስፋ፡ ብርሃን ዓውዲ: ኮኾብ ሰማይ

መሸላ ኾደን ስርናይ ደምሃይ

መዘና ዮናስ ዕርዱ ቐላይ

 በዓል ቆለ-መልኣኽ ልምዱ ሕራይ።

ደበሳይ።

ናትካ ግብሪ፡ መስተንክር ጻዕሪ: ካብ በረኻ ክሳብ ባሕሪ

ኣብ ሲናይ ረመጽ ጓህሪ፡ ኣብ ላምፐዱሳ እሔው ቁሪ

ክሰግር ዝፍትን ቀባጽ ባህጊ፡ ኣቤት ክንደይ’ዓቢ፡

እዝስ እንድዕ’ሉ፡ መርገም ድዩ ትዕድልቲ

ናይ ሰብ ድዩ ናይ መናፍስቲ፡ ንጽወየሉስ’ኪ።

በልስኪ!

ኣብ ምንትምንታይ ኮን’ኸውን እዚ ኹሉ ሃልኪ?

ብጽምኢ ማይ ዝነቐጸ ሕጻን፡ ኣብ እግሪ ቆንጠጠፈ

 ወቲፉ፡ ብማዕዶ ንታቦት ዓደ’ቦ ሕድሪ ሂቡ

 ምስ ደቂ ሕድርትና እናገደፈ፡

ዝግስግስ ዕሊ፡ ቅልጽም ዓሳ ነባሪ ክጠዊ ዝህንደድ ዓቕሊ

መመሲሉ፡ ተመላሊሱ፡ ዝገሃድ’ሲ

እንታይ’ኮን’ኸውን ቲ’መእመኒ፡ ንእዋን ዘጃጁ መጠበሪ?

ምኽሪ ብጻይ ወይስ ሽርሒ ኣባይ?

 እንዶ ከም ጠፍኦ ንሓረስታይ

ዋርሳይ እናበለ፡ ንዝራብዓት ዝቛርን ከም ተስታይ

ንቡር ምስተቖጽረ እንዳኣሉ

ኣብ መጋርያ ኣፍሓዊ ዓቢ ህድሞ፡

ብጉልሻ ብእምኒ ዝተሰኽተተት ጻሕሊ

መውረዲ ስኢና ምዑሱማ መቐበሊ

እናተኸኸት’ሲ ንኸንቱ፡

ዓድን ዓውድን ይዓኒ፡ ኣዳም ተዕነኒ፡ ረሃጽን ደምን ይዛሪ።

ዋይ ኣንታ ፈጣሪ ዓይኒ እናረአት!

ዘርእን ትውልድን ትጸንት ትጠፍኣ’ላ ካብ’ዛ ምድሪ

እናበለት ዛ’ዓለም ዕዳጋ ምስ ብኽያታ ክሳብ ተውሪ

ጥርዚኮ’ዩ በጺሑ ነውሪ

እዝስ ዓቕልዶ ክንብሎ ወይስ ተሳኢኑሉ መውዓሊ።

ንኣዳም ክሳብ ዝገርሞ

 ከብዲሎሚ ትጥርንፎ’ላ፡ ትሰትሮ ከም’ዛ ቖፎ፡

ክሳድ’ውን ትኾኖ’ላ ዓንዲ ማእከል ህድሞ፡ ይበሃላ’ሎ።

 ኣለኻዶ ደበሳይ፡

ደጊም ደበሳይ ኣበ’ሎ ክበሃል እንከሎ፡

   ድምጽኻ እንተተሰምዐ፡ ክሳድ እንተቐንዐ

 መሬት ከምዝጸብሐ፡ ዝሓለፈ ሓለፈ፡ ልግዐ ከም ዝተበላዐ።

 መን’ፈልጥ ግን ተ’ጸሚእካ ማይ፡ ፋጽየለይ ጥራይ

ኣብ’ቲ ዓቢ ገዛ ዘሎ ብርዚ ምስ ጽራይ

ብወፈራ ብምትዕርራይ፡ ኢደ ኢድና ከነውርዶ ናብ ውራይ።

ምእንቲ ንስኻ፡ ከም ዕድመኻ ክትስውድ፡ ክትጽሕትር ከም ብጋይ።

                                                                                 ኣባኻ’ዩ ተስፋ፡ ኣይኮነን ካብ ሰማይ።

                                                                                             ክሳብ ሽዑ ግን

ወላ ንወ’ለ’ዝጊ ተባዕታይ፡ ነውሪ’ብሉን ስለምንታይ

 ጎደና ምዕባለን ፍልጠትን፡ መንገዲ ሃብትን ትፍስሕትን

እንተ’ለዎ ሓበሬታ፡ መስተርሆት ንምንዳይ።

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ  (This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.)


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...