ጒንበት ተሰካሚት መጽዓኛ

ኣይፈልጠክን ዝብል ገበነኛ

ጒንበት ጓል ኣዳልና ኣቲ ዕለት

ዘይትኣርግ ዘይተውጽእ ሽበት

ኣደ ጅግና ብዓልቲ ቀለቤት

ዓውደ ዋርሕ ብደም ዝተጻሕፈት

ኣይፈልጠክን ‘ተለ ዘይውዓለ

ኣነስ እፈልጥ’የ ወዲ ክፍለ

ብህጻነይ ምሒለ ጥሒለ

ዓቐብን ቍልቍልን ተፈቲለ

መንእሰይ ኣኽብራ ወላዲትካ

ወርሒ ጒንበት ኤርትራ ሃገርካ

እትረፍ ውሉድ ጓና’ኳ ኣሚኑ

ብዓል መን ምዃኖም ‘ቶም ጀጋኑ

ሓቂ ፈርዩ ትምክሕቲ መኺኑ

ኲምራ ሓሶት ዝገዝኦ ስኢኑ

ወርሒ ጒንበት ናይ ወጽዓት ሸደድ

ክንደይ ዘይጠለሙ ከይትውለድ

ጸላእትኺ ጀሚሮም ሸበድበድ

ልሕጺ ሒዞም ዝተበትከ ገመድ

እምም በሎም ሓሶት ዝምድሩ

“ፈሊጣውያን” ታሪኽካ ዝቐብሩ

በቕሊ እንተሰረርና ሰብ ሓለንጊ

ኣብ ባይቶ እንተቖምና በርቃይ ዘንጊ

እንተ ተጎምጎምና ቅጭን ፈርጊ

እንተ ተማጐትና ደብተር ሕጊ

ጥፉእ ሓዊ ብሕጂ ክኣጒዱ

ናይ ድኹማት ቀሸም ከንበድብዱ

ወርሒ ጒንበት ገለ ተወሊዱ

ከም ኣመሎም ይስገሩ ይስገዱ

ኣነስ ኢደይ ሂበ ኣሰይ-ኣሰይ

መተካእታ ረኺበ መንእሰይ

ቃልሲ ውጹዕ ረሲዖም ሰረቱ

ብነጸላ መንደቕ ዝምጒቱ

ኣርዒዱዎም መንእሰይ ከቲቱ

ናይ ለብዘበን ይፈለጥ ብልሓቱ

ኣብ ምቕራብና ጀሚሮም ፍትሊ

ስቕ እንተልና ‘ተገበርና ዓቕሊ

ጒንበት ንገርዮም ናይ ትማሊ

ቀምቕ ውሽጦም ክወጽእ ብላዕሊ

መንእሰይ ተልዓል በል እምብለይ

ደግሲ ኣለዎም ብዓል ጠለይ-ጠለይ

እንተበልኩ ኣነ ሓጺሩኒ

ተደቢሩ ይስዕስዕ ጒዳም ግኒ

ሬሳ ቐደም ዝተጸቕጠ እምኒ

ኣሎ ገና ኣይሞተን ይብለኒ

መንእሰይ ተዓጠቕ ተበራበር

ወርሒ ጒንበት ምስክርካ ግበር

ኣይጠፍኡን’ዮም ዝጠዓሞም ዒደር

ዓይኒ ክፈት ኣይትበል ደምበርበር

መንእሰይ ብዓቶም ኣለልያ

ጐተና ሸፋቱ ሰፈር ሕብያ

ሎምስ ድማ ክመጹ ብጒንበት

ናውቲ ሰውራና ዝጸረበት

ማሕረሻ ጀጋኑ ሓያል ስበት

እንታይከ ዘይገብር ዓቕሊ ጽበት

ዋዛ’ይኰነን ናይ ጒንበት ምህርቲ

ኣስተውዕል መንእሰይ ሕዱር ዛርቲ

ኣይበለዩን ናይ ሓሶት ፈለስቲ

ኣለሊኻ ፍለጥ መጋይሽቲ

ሓንቲ ሂቦም ዝወስዱ ሰለስተ

ንመን ኢኹም በሎም ወድ-ኣይተ

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...