ዝሓለፈ ኩሉ ካብ ግዝኣት ቱርኪ

ዘስሕቕ ዘይብሉ እንትርፎ ዘብኪ

መሪር ኢዩ ኔሩ ናይ ገዛእቲ ምልኪ

መስዋእቲ ከፊልና እቲ ስቓይ ንኽንኪ

ካልእ ካኣ መጺኡ ዘይተሓስበ ምልኪ

ቃልስና ኮይኑ ተሪፉ ቁጽርና ዝንኪ

ዝነበረና ክብረትውን ዝንኪ

ኣስዒቡውን ዝሓሰመ ምልኪ

ዝሓለፈ ይኣክል ካልእ ከይነብኪ

ንፁ ሕጊ ንግበር ከይድገም ምልኪ

ዝስፅብ ወለዶ ዳግም ከይበኪ

እዚስ ኮይኑ ረኺብናዮ ዘጋልጽ ንሕንኪ

ኣቦ ኣይድሓነ ኣደ ኣይድሓንኪ

ሰላም ሲኢንኪዮስ ወላድ መኻን ኴንኪ

ኣለኺውን ካብ ብዙሓት ሓደ ዝስኣንኪ

ናይ ሕጂ ገደደ ቀባሪ ዘይብልኪ

ስለ ዝተሰዱ ደቂ ሓውትኺ ደቂ ሓውኪ

ዓዲ ሰብ የብሉን ዘልቅሰልኪ

ጸንቅቒ ንብዓትኪ ንኹሉ ፈሊጥኪ

እቶም ንዛረብ እቶም ንቕንዘወልኪ

ኣለውና ጨካናት ሓንኮልቲ

ዘይደልዩ ንብዓትኪ ክንኪ

ከይሓነኹ ዝድግፉ ምልኪ

እናዓንቀፉና ብቑልጡፍ ከይንረድኣኪ

ጸልይልና ጥራይ ኣብ ዝኸድኪ ኬድኪ

እስከ ስምፅኒ ናብ ኣቦይ ክሓልፍ

ከይዛረብ የብልዎ ኩልፍ

ከም ድላዩ እኳ ከይልፍልፍ

ናይ ልቡ ኣውጺኡ ከይሓልፍ

ኣብ ዘዝኸዶ ይኾንዎ መኻልፍ

ንደቁ ዘሚቶም ሊኢኹ ከይዓርፍ

ኒሑ ተጸንቂቑ ይብል ኩልፍ ክልፍ

ሕርቃን ስለ ዘለዎ ዘይሓልፍ

ብልቡ ይምህለል እቲ ስቓይ ክሓልፍ

ቃላት ከይሰትኮ ግልጽ ንዝሓልፍ

ኳረንቲ ከየእትውሉ መላፋልፍ

በቲ ጭካኔኦም ትንፋስ ከይትሓልፍ

ፈጣሪ ክሳፅ ዝወስዳ እቲ ዘይሓልፍ

ኣምላኽ ጥራይ የርእየና እዚ ኩሉ ክሓልፍ

ጽልኢ ተሪፉ ክህሉ እቲ ፍቕሪ

ፈጺሙ ክሕጎስ ስውኣት ዘካሪ

ክምፅብል ክሓስብ እቲ ኩሉ ወፋሪ

ሰላም ክሰፍና ናይ ኤረና ምድሪ

ፈጺሙ ክቐስን እቲ ኣብኣ ነባሪ

ህዝብና ከመስግን ንልዑል ፈጣሪ

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝነብፅ ዘሎ ህዝብና

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...