ዓዲ ኣበቶ፡ ንህዝቢ ሃንኮቶ!!!!!!!!!

ዓዲ ኣበቶ፡ ወይ ዓዲ ኣበቶ 
ንጎበዝ ኣብ ኣንጭዋ ቀየረቶ
ንለባም ኣብ ገደል ኣጽደፈቶ
ንለባም ኣብ ዓሻ ቀየረቶ
ንጥዑይ ዓይኒ ኣዔወረቶ
ንዝሰምዕ ኣጽመመቶ
ንኣእምሮ ኣደንቀረቶ
ንኺኢላ ብጥይት ኣጥፍኣቶ
ንመንእሰይ ትምኒቱ ቀበረቶ
ንህጻን ፍቐሪ ወለዲ ከልኣቶ
ንሕጹያት መርዓዊ መንጠለቶ
ህዝቢ ኤርትራ ገበረቶ ሕምቶ።

ዓዲ ኣቢቶ እንታይ ኣስማዕክኒ
ያኢ ጋህሲ ኮንኪ ኢሎምኒ
ዘይትመልእ ጉድጋድ ኮንኪኒ
ኣጽነትክዮም ጽቡቓት ደርግስኒ
ህዝቢ ምስ በረሰ እንትይ ክኾነኒ
ኣበይ ዓዲ ኣለኒ፡ ኣበይ ዓዲ ኣለኒ።

ህዝባዊ ሰራዊት ኤርትራ
ብዓቲ ሃገርና ተሰይራ
ናይ ህዝቢ ሞራል ሰቢራ
ሃገርካ ኣብ ቅድሜኻ ሓሪራ
ብኢድካ ተሓርደት ብኻራ
ልባ ኣብ ክልተ ተመቲራ
ንዓኻ ወሊዳ እንከላ ተደፊራ
ሰብኣይ ሰበይቲ ብሓበራ
ኣብ ቅድሜኻ ብበትሪ ተድኪራ
ገለን ኣእዳዋ ብመቑሕ ተኣሲራ
ገለን ቁልቁል ተደፊኣ ጊዒራ
ትሓልፍ ትንፋስ ብዙሕ ዓፊራ
እንሆ መኻን ኮይና ኤርትራ
ሰብእነት ዘይብላ ጥራሕ ጃህራ
ዓደቦኻ ተኾምቲራ፡ ተኾምቲራ።

ኣልኹምዶ ዝወዓልኩም ኣብ ጅግነነት
ኣንታ ኔርኩምዶ ኣብቲ ዘበን ዓወት
ታንክታት ጸላኢ በባትር ክዝመት
ሰራዊት ጸላኢ እናርኣየ ክዕመት
ኣበይ ድኣ ኸደ እቲ ኹሉ ስብእነት
ንሎሚ ዘይከውን እዚ ኹሉ ኣንነት
ሃገር ኣብ ቅድሜኹም ክትዝመት
ኣብዚባ ኔኻ ብጠጠውካ ሞት።

ኣበይ ከይዱ እቲ ጂግና ይካኣሎ
ኣይተበህለንዶ ዘይብልካ ጎደሎ
ከም ንህቢ ግርማ ዝዓሰሎ
ኣበይ ኣሎ ወረ ኣበይ ኣሎ፡
መንእሰይ ከም ዓተር ክቕሎ
ጥይት ኣብ ዶባት ክኽተሎ
ኣዲኡ ብሓዘን ትልሎ
ዓባዩ ኣብ ንእዲ ትሕሎ
ወላዲ ኣትይዎ ሰለሎ፡ሰለሎ
ጅግነትካ ኣበይ ኣሎ፡ ኣበይ ኣሎ
እናርኤኻ ህዝብኻ ክዕሎ
ሕጂዩ ጊዜኡ ሓደራ ዝሕሎ
ህላውየኻስ ኣይንውዓሎ፡ ኣይንውዓሎ
ታሪኽካ ኮይኑ ጎደሎ፡ ጎደሎ፡ጎደሎ።

ኣበይ ኣሎዉ እቶም ጅጋኑ ሃገርና
ኣበይ ኣሎዉ እቶም መታዓብይትና
ዓወት ምስ ተረኽበ ክንደይሞ ዘለልና
ህዝቢ ዓሊሉ ሓቂ መሲሉና
ዝዓረበት ጸሓይ ነይሮም ዘብረቑልና
ለካ የሎውን ኣብ ዓለም ኣብ ዓድና
ለካ ተሰዊኦምዮም ከምጽኡ ነጻነትና
ብዙሓት ተኣሲሮም ብዘይ ሕልና
ሓሊፉም ኣንጊሆም ኣብ እዋን ስሓቕና
ብድሕሪኦም ኣይጠዓሞን ህዝብና ።

ኣበይ ከይዳ እታ ጅግና በራሪት
ኣብ ዓለም ብዕጥቂ ኣመስካሪት
ንመንእሰይ ኣሕዋታ መሃሪት
እታ ባልዋይ ዓወት ኣበሳሪት
ኣብ ርእሲ ታንኪ ጸላኢ ዘማሪት
ጂግንነት ዓቲራ ፈካሪት፡ፈካሪት
ንሳውን ከይዳዶ! ወያ ታሪኽ ነጋሪት።

ኣበይ ኣለዋ ጀጋኑ ለካ ጠፊኣተን
ንሰንከ ኣትየንዶ ንሕልፈተን
ኣንታ ካንዶ! ኩለን ሓሊፋተን
የለዋን ለካ ዝሓዛ  ቅናውተን
የለዋንዶ ዝሓዛ ኣሰር ናተን
ኣንታ ንገርወን ተደፍራ ኣሕዋተን።

ካብተን ይካኣሎ ኣለኽንዶ ዝተረፍክን
ብረሻይዳ ይዕመጻ ጽቡቓት ኣሕዋትክን
እወ ይዕመጻ ኣለዋ ጽቡቓት ኣሕዋትካ
ኣብሲና ይጭፍጨፉ ጭልቕዓት ኣሕዋትክን
መንሞ ተሪፉ ዘይተገፍዔ ክብለክን
ዝገርምዩ ዝተረፈ የለን ጸነተ ዓደቦኽን።

መንእሰያት ሃገርና ሕሰም በዚሑኩም
ባርነት በርቲዑ ኣርዑት ቀርቀርኩም
ሰከም ከቢዱ ዕረፍቲ ስኣንኩም
ዕርፊ ዝሰበሩ ተረሸኑ ኣብ ቅድሜኹም
ዝተረፍኩም ናብ ስደት ኣምራሕኩም
ብዓል ጭላይ ኣብ በርኻ ገዲፍኩም
ከይተሓርሰ ከሪሙ ግራውትኹም።

ይገርምዩ ሃገርና ብተኻሉ ተዘሪፋ
መንእሰይ ምስ ኣራዊታት ተሰሊፋ
ጅግና የለን ዓድና ባዲማ ተሪፉ።

ሕጂ ተዃሉ ጸሓይና እንዳ ኣዕረቡልና
ልቢ ግበር ህዝበይ ከይጸነትና ከለና
ሃጸይ ባዕሉ ንሕስያ ነይገብረልና
ህዝብና ኣህሊቑ ከጽንተና
ባዶ መሬት እንታይ ክገብረልና።

ኣንታ ሰራዊት እንታይ ድዩ ስራሕካ
ቁርብ እባ ሕሰብ ርኤ ኣብ ዙርያኻ
ብምኹዓት ጎቦታት ሓለፈ ዕድሜካ
እስከ ኣመዛዝን እንታዩ ጻማኻ
ከም ከብቲ በርዑት ተቖረነካ
ኣብ ዓለም ከልኻ ፈዚዝካ ደንዚዝካ
ዓድ ኣቢቶ ኣጥፋኣቶ መንእሰይካ
ኣህለቀቶ ኣሎ ዝብሃል ህዝብካ
ንዓባ ሓራ ኣውጽኣዮ ወገንካ
ተበራበር እባ ሕድሪኮ ኣለካ
በጃኻ ሕድሪኮ ኣሎካ፡ ሕድሪኮ ኣሎካ።

ዓዲ ኣበቶ ወይ ዓዲ ኣበቶ
ሰብ ከም ከብቲ ተኾብኪብካ ዝእቶ
ዝኣተወ ከም ዓተር ትህንኮቶ፡፡

እወ! ኣነየ! ዓዲ ኣበቶ ፍለጠኒ,
ኣብ ጎዳጉድ ንኸእቱ ቅጭጭ ዘይበለኒ
በይነይ ኣይኮንኩን ብዙሓት ኣለዋኒ
ሓፍተይ ኣብ ዒራ ዒሮ ኣላትኒ
ኽምኡውን ሓወይ ኣብ ናኹር ኣለኒ
ዓበይቲ ናእሽቲ መንከ ተሪፉኒ
ይደፍኖም ኣለኹ ጀነራል ኣዚዙኒ
ፎርዖን ዝጸሓፎ መምርሒ እዩ ዘለኒ።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ
ስውኣትና ንዘል ኣለም ይዘከሩ

ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
9 ግንቦት 2012


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...