Stand Up and Open Your Eyes
ተንስእ ተባራበር
መንእሰይ ምንኣሰይ ተንስእ ተባራበር
ብዶውኻ ኾሎካ ስምካ ከይቅበር
ጻዕዳ ቢተይ ካብ ወለደት ላሕሚ
ኣፍካ ክፈት ጸሓፈለይ ሎሚ
ክሳብ መኣስ’ካ ከም ዑፉን ክትሕዘል
ውረድ’ምበር ካብ ኣረገ ማሕዘል
ኣሎኩ በል ዕጠቆ እቲ ስረ
ኣድጊ’ዃ ብውላድ ትብረ
እንተ ደቂስካ ግን ኣቢልካ ሰለም
ትንፋሳ ሰርቆም ክህቡዃ’ዮም ዓረም
ተሞኾረ የሎን ካብካ ንላዕሊ
ክራዳድን ስርናይን ፈላሊካ ኣለሊ

ይቅረታ፡

ኣብ ካባኢ ኣዛ ቢተይ ትብል ቃል ብዙሕ ተመላሊሰ፡ ንቡዘሓት ኣንበብቲ ግር ኣቢላ። ንታሪካ ዝኣክል፡-1977 ዓ.ም መብዛሕተኤን ከተማታት ኤርትራ ሰንዓፈ ሓዊሰን ነጻ ኣብ ዝወጽኣሉ ጊዜ ኣብ ስመጃና መግለጺ ሓጎሶም መንእሰያት “ ጻዕዳ ቢተይ ወሊዳ ላሕሚ፡ መናእሰይ ሓሊፍሎም ክውግዑ ሎሚ” ኢሎም ክድርፉ ከሎዉ ካብ ዝሰምዑ ህያው ምስክር ኢየ። ደርፊ ግን ዶብ የብሉን። ብዝበለጸ ከኣ ካልኦት ተዋነይቲ ዘመናዊ ናይ ሞዚቃ መሳርሒ ጌሮም ኣቃንይዮማ ኢዮም። ዋና ነገሩ ካብ እንስሳ ጻዕዳ ቢተይ ካብ ኣቝጽልቲ ከኣ ቆጽሊ ኣውልዕ  ከም ምልክት ሰላም ምጥቃም ዘመናት ዘቁጸረ ኢዩ። ወርቃዊ ቢተይ ( Golden Calf) እቲ ሙሴ ንጽላት ከምጽእ ደብሪ ምስ ደየበ መተካእታ ኣምላክ ዝተጠቀምሉ ጣዖት ኢዩ።
መረጸ ኣስመላሽ
April 25, 2012


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...